መዓስከር ጀኒን፡ እስራኤል ስለምንታይ'ያ ብተደጋጋሚ ትወርሮ ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓይልታት እስራኤል፡ ኣብቲ ብሓይሊ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም - ከባቢ ጀኒን ብዘካየድዎ ዓቢይ ወፍሪ፡ ብውሕዱ 10 ፍልስጤማውያን ቀቲሎም ኣስታት 40 ድማ ከምዘቝሰሉ ምኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።
ብሰሉስ ብድሮናት፡ ሄሊኮፕተራትን ቡልዶዘራትን ዝተሰነዩ፡ ብዝሒ ዘለዎም ወተሃደራት እስራኤል ናብታ ከተማን መዓስከር ስደተኛታትን ብምእታው ሓያለ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ማዕከናት ዜና ፍልስጤም ኣቃሊሐን።
እስራኤል ኣብታ ንነዊሕ እዋን ከም ማ'እከልን ጽንዕቲ ዕርዲን ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤም ክትርአ ዝጸንሐት ጀኒን፡ "ሽበራ ንምስዓር"፡ "ሰፊሕን ትርጕም ዘለዎን" ስርሒት ከምዝጀመረት ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ።
እዚ ኣብ ቓዛ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝጅምር ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ዝመጸ ኰይኑ፡ ሰፋሮ እስራኤል እውን ዕግርግር ክፈጥሩ ጀሚሮም ብምህላዎም፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ተወሳኺ ረጽሚ ከይፍጠር ስግኣታት ፈጢሩ ኣሎ።
እስራኤል፡ ኣብ ጀኒን ዝመደበሮም ዕጡቓት ፍልስጤማውያን "ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል" ብምባል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተደጋጋሚ ወራራት ከተካይድ ጸኒሓ እያ።
ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዘካየደት'ውን ኣይርሳዕን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መዓስከር ጀኒን ኣበይ ይርከብ? ስፍሓቱ ኸ?
እቲ መዓስከር ስደተኛታት፡ ኣብ ሰሜን ክፋል እቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ እትርከብ ከተማ ጀኒን ዝተደኰነ እዩ።
እዚ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ሩባ ዮርዳኖስ ዝርከብ መሬት ኰይኑ፡ እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሽዱሽተ መዓልታት ካብ ዮርዳኖስ ብሓይሊ ዝመንዝዓቶ እዩ።
እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብቲ ከባቢ መሰል ዋንነት የልዕሉ። እንተዀነ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዝቐጸለ ፍረ ዘይተረኽቦ ዝርርብ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ኣይረኸበን።
ጀኒን፡ ካብ 1995 ኣትሒዛ፡ ኣብ ትሕቲ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ካብ ዝርከብ ክፋላት ምዕራባዊ ገማግም ኰይና፡ ካብ "ቀጥታዊ ምሕደራ እስራኤል" ውጽእቲ እያ።
እንተዀነ ሓይልታት እስራኤል፡ ጸጥታዊ ስርሒታት ንምክያድ ብዝብል ብተደጋጋሚ ናብቲ መዓስከር ይኣትዉ እዮም።
እቲ መዓስከር፡ ካብ 70ታት ኣትሒዞም ብዝተሃንጹ ህንጻታት ኮንክሪት ዝቘመ እዩ።
ትካል ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርቂ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት፡ ኣብኡ ይነብሩ።
ኣብ መዓስከር ጀኒን ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ልዑል መጠን ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ከም ዘሎ ይገልጽ። ብሰንኩ ሰፊሕ ተስፋ ምቝራጽ፡ ብስጭትን ምቍራጽ ትምህርቲን ስዒቡ እዩ።
ስለምንታይ እዩ እቲ ግጭት ተላዒሉ?
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ከባቢ ጀኒንን እቲ መዓስከርን ዝካየድ ግጭት እናዓረገ መጺኡ።
እስራኤል ብ20 ሰነ 2023፡ ብ ሄሊኮፕተር ዝተደገፈ ኣብ ጀኒን ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ 7 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም።
ንጽባሒቱ፡ ክልተ ዕጡቓት ሓማስ፡ ካብ ጀኒን ንሸነኽ ደቡብ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲን ቤት መግብን ንኣርባዕተ እስራኤላውያን ብጥይት ቀቲሎም።
ብድሕሪ'ዚ፡ ኣማኢት እስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ፍልስጤማዊት ከተማ ቱርሙሳያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባይትን መካይንን መጥቃዕቲ ፈጺሞም፤ ኣብቲ ግጭት ከኣ ሓደ ፍልስጤማዊ ብጥይት ተቐቲሉ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙን፡ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ካብ ጀኒን፡ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ተዅሲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ብድሮን እስራኤል ተቐቲሎም።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት፡ ድሕሪ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣማኢት ወተሃደራት፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይንን ተሰንዮም፡ ኣብቲ እስራኤል "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጸረ ግብረሽበራ" ኢላ ዝገለጸቶ ወፍሪ ይሳተፉ ኣለዉ።
ጀኒን፡ "መዕቆቢ ሽበራውያን" ምዃና ደው ንምባል ምዃኑ ኸኣ ይገልጹ።
ይዅን እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም መሓመድ ሽታየህ፡ እቲ ስርሒት "ነቲ መዓስከር ንምዕናውን ህዝቢ ንምምዝባልን ዝግበር ሓድሽ ፈተነ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በራጊድ ጀኒን
እቲ መዓስከር ውሑስ መዕቈቢ 'በራጊድ ጀኒን' እዩ።
እዚ ስሕው ዝበለ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤም ኰይኑ፡ ሓማስን ብርጌድ ኣልቕዱስ - እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤምን ዝርከብዎ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ኣስታት 420 ዕጡቓት ተዋጋእቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ንሳቶም፡ ኣብ ከባቢ ጀኒን ከም ዝንቀሳቐሱን ኣካል ናይቲ "ተቓውሞ" እስራኤልን ምዃኖምን ይገልጹ።
ጀኒን፡ ሓድሽ ወለዶ ተጋደልቲ ፍልስጤም ምዃና ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ቢቢሲ ፖል ኣዳምስ ይዛረብ።
"እዞም ዕጡቓት መንእሰያት መስርሕ ሰላም ፈጺሞም ኣይፈልጡን" ይብል፤ "እቲ ግጭት ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክረክብ እዩ ዝብል ዝዀነ ይዅን ተስፋ ኸኣ የብሎምን።"
"ኣብቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ፍጹም እምነት ስለዘይብሎም፡ ነቲ ጐበጣ ብዝመስሎም መንገዲ ይቃለስዎ ኣለዉ።"
ታሪኽ መዓስከር ጀኒን
እዚ መዓስከር፡ ኣብ ኲናት 1948-49፡ ሃገረ እስራኤል ኣብ ዝተመስረተትሉ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት እስራኤልን ዓረብን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ንዝተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ተባሂሉ፡ ኣብ 1953 ዝተሃንጸ እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ምዕራባዊ ገማግም ብዮርዳኖስ እዩ ዝመሓደር ነይሩ። ካብተን ኣብ ትሕቲ ዘመናዊት እስራኤል ዘለዋ ከተማታት ሃይፋ፡ ናዝሬትን ከባቢኣን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ መዓስከር ጀኒን ከም ዝኣትዉ ተገይሩ።
ድሕሪ'ቲ ብ 1967 ዝተኻየደ ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ፡ ጀኒንን ምዕራባዊ ገማግምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እስራኤል ብምእታው፡ ስደተኛታት ብብዝሒ ናብቲ መዓስከር ከም ዝሰፍሩ ተገይሩ።
መዓስከር ጀኒን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ዝርከቡ፡ 200 ሽሕ ሰባት ዝነብሩሉ 19 መዓስከራት ስደተኛታት ሓደ እዩ።
እቲ መዓስከር፡ ኣብቲ ኣብ 2000 - 2005 ድሕሪ ዘጋጠመ ካልኣይ ኢንቲፋዳ ወይ ናዕቢ ፍልስጤማውያን፡ ማእከል ስሕበት ግጭት ኰይኑ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ መዓስከር፡ በቲ ‘ውግእ ጀኒን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ 2002 ዝተኻየደ ውግእ፡ ድሕሪ 10 መዓልታት ተቘጻጺርዎ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ብውሕዱ 52 ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ሲቪላትን፡ ከምኡ’ውን 23 ወተሃደራት እስራኤልን ተቐቲሎም።
ልዕሊ 400 ኣባይቲ ዓንዩ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብቲ ህዝቢ ድማ ቤት ኣልቦ ኰይኑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







