እስራኤልን ሓማስን፡ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ዝተረኽበ ተዛማዲ ሩፍታ

ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዘ ሰለስተ ደቀንስትዮ ብቀይሕ-መስቀል ናብ እስራኤል ክምለሳ ተገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዘ ሰለስተ ደቀንስትዮ ብቀይሕ-መስቀል ናብ እስራኤል ክምለሳ ተገይሩ

ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምጅማሩ፡ እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ብምጥቃዕ ክቕጽል ዝጸንሐ ኲናት፡ ትማሊ ሰንበት ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተግባራዊ ኰይኑ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሰለስተ ጅሆ ተታሒዘን ዝጸንሓ እስራኤላውያን ካብ ቓዛ ክፍትሓ እንከለዋ፡ 90 ፍልስጤማውያን ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ናጻ ተሰዲዶም።

ሰንበት ንግሆ ኣብተን ወጥሪ ዝመልአን ክልተ ሰዓታት፡ እቲ ስምምዕ ካብ ጅማሮኡ ዝሕቱል መሲሉ።

ሓማስ ኣስማት ናይተን ክፈትሐን ዝተመባጽዐ ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዛ ደቀንስትዮ ኣብ ግዜኡ ከቕርብ ኣይከኣለን።

ከም ኣምሳያኡ ድማ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ከተሰጋግሮን ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየር ክትቅጽልን ምኽንያት ኰይኑ።

ኣብቲ ሰላም ክሰፍነሉ ዝነበሮ ቀዳሞት ሰዓታት ድማ ብውሕዱ 19 ፍልስጤማውያን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 36 ከም ዝቘሰሉን እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ትካል ምክልኻል በርጌስ ሓቢሩ።

ሓይልታት እስራኤል ብወገኖም፡ "ሓያሎ ዒላማታት ሽበራ" ከም ዝወቕዑ ገሊጾም።

መወዳእታኡ ኣስማት ናይተን ሰለስተ ጅሆታት ብመንገዲ መንጐኛ ኣካል ናብ እስራኤል ተላኢኹ፣ እስራኤል ድማ ካብ ሕዳር 2023 ንፈለማ እዋን መጥቃዕታ ደው ኣቢላ።

ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጀድ ኣል-ኣንሳሪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቶም ዕንቅፋት ኰይኖም ዝጸንሑ ጉዳያት ከም ዝተኣልዩን ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝተጀመረን ኣበሲሩ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓታት፡ እተን ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዛ እስራኤላውያን - ጓል 24 ዓመት ሮሚ ጎነን፡ ጓል 31 ዓመት ዶሮን ሽታይንብረይቸርን ጓል 28 ዓመት ኤሚሊ ዳማሪንን ሓማስ ኣብ ቓዛ ንቐይሕ መስቀል ኣረኪቡወን።

ብመንገዶም ድማ ናብ ሰራዊት እስራኤል ኣረኪቦመን።

እተን ጅሆታት ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተወሲደን ምስ ኣደታተን ተራኺበን።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ መስርሕ ብጥንቃቐ እዩ ሒዙዎ።

ሓካይምን ክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ንቐዳማይ መስርሕ ተዳልዮም ጸንሑ።

ብድሕሪኡ ብሄሊኮፕተር ተጻዒነን ኣብ ጥቓ ተልኣቪቭ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ሸባ ተሰጋጊረን ምስ ኣባላት ስድራቤተን ክራኸባን ተወሳኺ ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽባን ተገብረ።

ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እተን ክልተ ብጥይት ከም ዝቘሰላ ይንገር። ኣብቲ እዋን ሓማስ 1200 ሰባት ከም ዝቐተለን 251 ሰባት ጅሆ ከም ዝሓዘን ይፍለጥ።

ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ሰሙናት፡ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብግቡእ እንተ ተፈጺሙ - ክሳብ ብድምር 33 ጅሆ ዝተታሕዙ ዝምለሱን ኣስታት 1900 ፍልስጤማውያን ዝፍትሑን ክቕጽል እዩ።

ሰብመዚ እስራኤል 97 ጅሆ ዝተታሕዙ ዛጊት ኣብ ምርኮ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ካብኣቶም ድማ መይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ተልኣቪቭ፣ ዝተፈትሓ ደቀንስትዮ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንምርኣይ ዝተኣከበ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተልኣቪቭ፣ ዝተፈትሓ ደቀንስትዮ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንምርኣይ ዝተኣከበ ህዝቢ

ኣብቲ ብእስራኤል ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 46,900 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ከምኡ`ውን፡ ካብቶም 2.3 ሚልዮን ዝበጽሑ ተቐማጦ ቓዛ መብዛሕትኦም ካብ ቤተ-ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ምኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ይገልጽ።

እቶም ን15 ኣዋርሕ ተስፋ ኣብ ዘቝርጽ ኵነታት፡ ብሕጽረት መኣዛታትን ሕማማትን ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰባት፡ እቲ ንነዊሕ ሃረር ዝበሉዎ ሰላም እኳ እንተ ተጋህደ፡ በቲ ዝወረደ ዕንወትን ክሳራን ግን ተጐዲኦም እዮም።

ጓል 41 ዓመት ሄለን ጃብሪ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ካብ ዝርከብ መዕቈቢ ቦታ ብስልኪ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት፡ "ኦ ኣምላኸይ! ዝተሓዋወሰ ስምዒታት እዩ ዘለኒ፡" ኢላ።

"ህይወት ብዙሓት ሰባት ስለ ዝኸሰርና ልብና ተጐዲኡ እዩ፡" ትብል`ሞ፡ "ሓወይን መላእ ስድራቤቱን ጠፊኦም፣ ኣቦይ እሱር እዩ። እቲ ክዛሪ ዝጸንሐ ደም፡ ደው ምባሉ እምብዛ ሕጕሳት ኢና። ኣብ ወከፍ ገዛ ግን ቃንዛ ኣሎ፡" ክትብል ገሊጻ።

ገለ ሰባት፡ ብሰንበት ክጠራንፉን ብእግሮም ናብ ቓዛ ገጾም ክሳግሙን ጀሚሮም እዮም - ብሕልፊ እቶም ኣብ ራፋሕን ደቡባዊ ከባቢታትን ዝነበሩ። ቤትን ንቡር ኵነትን ክህልዎም ግን ብርግጽ ግዜ ክወስድ እዩ።

ሰሜናዊ ሸነኽ ናይታ ወሽመጥ - ንቓዛ`ውን ሓዊሱ - ፍጹም ዕንወት ዘጋጠሞ ቦታታት እዩ።

ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከም ዝቀልጾ፡ ልዕሊ 46,700 ሰባት ኣብቲ ግጭት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከም ዝቀልጾ፡ ልዕሊ 46,700 ሰባት ኣብቲ ግጭት ተቐቲሎም

ትካል ሳተላይት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝግምቶ፡ ኣብ መላእ ቓዛ ዝርከቡ ህንጻታትን መሰረተ-ልምዓታትን ዳርጋ 60 ሚእታዊት ብመጥቃቲታት እስራኤል ከም ዝዓነዉ ይገልጽ።

እዚ ማለት፡ እቶም ተመዛበልቲ ንግዜኡ ኣብ መዕቈቢ ቦታታት ክጸንሑን ንዝጸንሐ ዓብዪ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከናውሖን እዩ።

ካብ ቓዛ ዝተፈናቐለት ሰራሕተኛ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኖራ ዛኮውት፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዕቈቢ ካን ዩኒስ ኰይና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዘጓነፈ `ዕንወትን ብርሰትን` ብዘየገድስ፡ ንእለቱ ናብታ ከተማ ክትምለስ ምዃና ገሊጻ።

"ናብታ ከተማ ከይደ ኣየራ ከስተንፍስ ጥራሕ እየ ዝደሊ፡" ትብል`ሞ፡ "እንኣትዎ ቤት ከም ዘይብልና ንፈልጥ ኢና። በዚ ምቍራጽ ተዅሲ እንተ ወሓደ ጽሩይ ኣየር ከነስተንፍስ ኢና፡" ትውስኽ።

ኣብ እስራኤል`ውን እቲ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ስምምዕ፡ ነቶም ን15 ኣዋርሕ ኣብ ጓሂ ዝጸንሑ ስድራቤታት ዓቢዪ ሩፍታ ዝፈጥር እዩ።

እቲ ብሰንበት ምሸት፡ ጅሆ ዝተታሕዛ ምስ ስድራቤተን እናተራኸባ ዘርኢ ዝተፈነወ ቪድዮ፡ ንብዓት ሓጎስ ዝተሓወሶ ዳግማይ ምርኻብ ምንባሩ ኣጕሊሑ ዘመልክት እዩ።

ማንዲ ዳማሪ፡ "ጓለይ ኣብ ቓዛ ዝጸንሓ ራዕዲ ኣብቂዑ፡" ብምባል፡ ነቶም "ንስለ ኤሚሊ ክብሉ ቃልሶም ዘየቋረጹ ኵሎም፡" ኣመስጊና።

እተን ጅሆ ተታሒዘን ዝጸንሓ ሰለስተ ደቀንስትዮ ብሰንበት ምስ ተፈትሓ፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ እስራኤል`ውን 90 ፍልስጤማውያን ከም ኣምሳያኡ ናብ ቀይሕ-መስቀል ኣረኪቡ።

ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንተቐማጦ ቓዛ ሓጎስ ይፈጥር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንተቐማጦ ቓዛ ሓጎስ ይፈጥር