ሮሞዳንን ፋሲካን ኣብ ቅዱስ ቦታ እየሩሳሌም ወጥሪ የልዕል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ከምቲ ወትሩ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፍጸም ዝነበረ፡ ኣብቲ ንኣስላምን ኣይሁድን ኣገዳሲ ዝዀነ ቅዱስ ቦታ እየሩሳሌም ዝኽሰት ዘሎ ጐንጺ፡ ሰፊሕ ቁጥዐ የልዕል ኣሎ።
ኣብ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ብብዝሒ ዝዓጠቝ ፖሊስ እስራኤል፡ ሰደፍ ብረትን በትሪን ተጠቒሞም ነቶም ኣብ ውሽጢ መስጊድ ኣልኣቕሳ ተዓጽዮም ንዝነበሩ ፍልስጤማውያን ኣማልኽቲ ክሃርምዎም የሪኢ።
ፖሊስ እስራኤል እውን ብግዲኦም ብፍልስጤማውያን ዝተደርበዩ ርችት ኣብቲ ኣደራሽ ጸሎቶም ተተኲሱ እናበርሀ ዘርኢ ዝመስል ናይ ገዛእ ርእሶም ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ኣብቶም ድሒሮም ዝተራእዩ ስእልታት ድማ፡ ኣብ ናይ ጸሎት ምንጻፍ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ዝተገላበጡ ኣቝሑት የርእዩ።
ብሰሪ’ቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምብራቕ እየሩሳሌምን ድሮ ልዑል ወጥሪ ዓሪጉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰበስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ኣብ ተኣፋፊ እዋን ከም እንደገና ወጥሪ ክይለዓል ከጠንቅቝ ካብ ዝጸንሑ ኣዋርሕ ኣቝጺሮም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE
እቲ ብሓራም ኣ'ሸሪፍ ወይ'ውን መስጊድ ኣልኣቕሳ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ እስልምና ሳልሳይ ቅዱስ ቦታ እዩ ዝስራዕ። ኣብ ኣይሁድ'ውን ከም ዝተቐደሰ ቦታ ኰይኑ፡ ደብረ ቤተ መቕደስ ተባሂሉ ይፍለጥ።
ኣብቲ ቀጽሪ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጐ ፍልስጤማውያን ኣምለኽቲን ሓይልታት ጸጥታ እስራኤልን ብዝለዓል ተደጋጋሚ ግጭት ሰፊሕ ናዕቢ ከስዕብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ግንቦት 2021፡ እስራኤል ኣብዚ ቦታ ብዘካየደቶ ዘመተ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተባህለ ንወሽመጥ ቓዛ ዘመሓድር እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለን፡ 11 መዓልታት ዝወሰደ ኲናት ንኽውላዕ ምክንያት ኰይኑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን እስላማዊ ቅዱስ ወርሒ ሮሞዳንን፡ እቲ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ናይ ኣይሁድ በዓል ፋሲካን ኣብ ሓደ ግዜ ተራኺቡ።
ፖሊስ እስራኤል ንኣይሁዳውያን በጻሕቲ ናብቲ ቀጽሪ ቅድሚ ምቕባሎም፡ ነቲ መረባ ኣብ ዘጽረዩሉ እዋን፡ ኣብተን ዝሰዓባ መዓልታት ዓመጽ ዝመልኦ ትርኢታት ተራእዩ።
ብተወሳኺ ናብ ምዕራባዊ መንደቕ ገጹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቀጽሪ ዝርከብ ኣይሁድ ክጽልዩሉ ዝፍቀድ ዝተቐደሰ ቦታ፡ ኣእማን ከምዝተደርበየ ይዛረቡ።
ካብ ረቡዕ ምሸት ጀሚሩ ሮሞዳንን ፋሲካ መሊሶም ተጋጢሞም ኣለዉ። ብሓፈሻ እዞም ዝቕጽሉ ክልተ ሳምንታት’ውን ኣብያተ ክርስትያናትን ምዕራባውያንን፣ ኣብያተ ክርስትያን ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ፋሲካ ዘብዕላሉ እዩ።
ኵሎም እቶም በዓላት፡ ናብታ ጥንታዊት ከተማ ብዙሓት ሃይማኖታውያን በጻሕቲ እዮም ዝሰሓቡ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣስታት 60 ሽሕ በጻሕቲ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ከምዝነበሮም ወግዓዊ ኣሃዛት ይሕብሩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት'ውን ኣብ ኣፍደገታት ናይ ቀደም ከተማ እየሩሳሌምን ኣየራታን ናይ በዓል ጭራሕ-ምራሕን ይስማዕ ኣሎ።
ከባቢ 250ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ካልኣይ ዓርቢ ሮሞዳን ንጸሎት ምእካቦም፡ ነቲ ቦታ ዘመሓድር እስላማዊ ዋቕፍ ይሕብር። ገለ ዘዘራረብናዮም ፍልስጤማውያን’ውን ዓቢ ተሳትፎ ብምህላዉ ከምዝተሓጐሱ ገሊጾም። ሰብመዚ እስራኤል ኣስታት 70 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ናብ እየሩሳሌም ክኣትዉ ፈቒዶም።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክርስትያናት እውን ነቲ ናይ ሰንበት ሆሳእና ዑደት 'ማውንት ኦሎቭስ' ተኣኻኪቦም ኣለዉ።
ፍልስጤማዊ ሸያጢ መዘከርታታት ማርዋን፡ “እዚ ጽቡቕ ነይሩ፡ እንተዀነ ኵሉ ግዜ ሓዊ ዝእጐድ በቶም ናይ ፖለቲካ ሰባትዩ። ኵሉ ሰብ ድማ ንሱ እዩ ዝፈርሕ” ብምባል ነቶም ናብታ የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እዩ ተሰቒሉ፡ ተቐቢሩን ተንሲኡን ኢሎም ዝኣምኑ፡ ናብታ ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ዝተሰርሐት ቤትመቕደስ ንምብጻሕ ዝግስግሱ ዝነበሩ ክርስትያናት ነገድቲ ጥዋፍ እናሸጠ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, RAFFI BERG
ቅድሚ እቲ ብረቡዕ ዝተኸስተ ዕግርግር፡ ሓማስ ነቶም ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ኣልኣቕሳ ክዕጸዉ ጸዊዑ። እዚ ድማ ነቲ ብኣኽረርቲ ኣይሁዳውያን ዝተመደበ ኣብቲ ኣብ በሪኽ ጎቦ ዝርከብ ቦታ ናይ ፋስጋ ምራኽ ንምስዋእ ዝዓለመ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትውፊት ውጥን ደው ንምባል'ዩ።
ድሕሪ'ዚ ሒደት ኣማኢት ፍልስጤማውያን ድሕሪ ሰላት ሮሞዳን ኣብቲ መስጊድ ንነብሶም ድሕሪ ምዕጋቶም ድማ’ዩ እቲ ግጭት ጀሚሩ።
እቶም ዝበዝሑ ብፖሊስ እስራኤል'ኳ እንተለቐቝ፡ ዓሰርተታት ግን ኣብ ውሽጢ ተሪፎም። ፖሊስ፡ እቲ ዝሰዓበ "ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ" በቶም ነቲ መስጊድ ኣራኺሶሞ ዝብሉ “ሕጊ ዝጠሓሱ” ዝተፈጸመ ምዃኑ ገሊጹ።
መራሕቲ ፍልስጤም “እቲ ቀይሕ መስመር" ትጣሒሱ'ሎ ብምባል ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣምለኽቲ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ገበን እዩ ኢሎም ብትሪ ኮኒኖሞ። ኣብ ቓዛ ዝነበሩ ዕጡቓት ብወገኖም፡ ብቕልጡፍ ምላሽ ብምሃብ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ሮኬታት ብምትኳሶም ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ናብቶም ምስ ሓማስ ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ቦምባ ክድርብያ ደሪኽወን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ብዋሽንግተን ዝድገፍ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕርታት ዝተሳተፋ ዮርዳኖስን ግብጽን እውን ንተግባራት እስራኤል ብትሪ ነቒፈን።
ብፍላይ ከም በዓል ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን ግቪር ዝኣመሰሉ ሰበስልጣን እስራኤል ዑደት እንተገይሮም፡ ወይ ድማ ፖሊስ እስራኤል ንኣይሁዳውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ተኣፋፊ ቦታ ክጽልዩ እንተፈቒዱሎም፡ ምስቲ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኣብቲ ከባቢ ዝትግበር ተነቃፊ ሕግታት ዝጻረር ብምዃኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክህሉ ዝኸእል ስግኣት ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣኽረርቲ ኣይሁዳውያን ነቲ ዝጸንሐ ኵነታት ንምርባሽ ዝገብርዎ ፈተነታት ወትሩ የሻቕለና'ዩ። ብታሪኽ ኣብዘን 10 መዓልታት ኣኽረርቲ ኣይሁድ ከይኣትዉ'ኳ እስራኤል እንተኸልከለት፡ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ምስ ዝህሉ ግን ክፈቕዱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ኣለና" ክብል ዶክተር ሙስጣፋ ኣቡስዋይ ዝተባህለ ሊቅ እስልምናን ኣባል ኣብ እየሩሳሌም ዝርከብ ባይቶ እስላማዊ ዋቕፍን ገሊጹ።
እዘን ካብ ሰሉስ ዝጅምራ ኣዝየን ኣገደስቲ 10 መዓልታት ሮሞዳን፡ ናብ 'ላይለቱ-ኣልቐድር' [ለይቲታት ሓይሊ] ዝወስዳ መዓልታት ቀንዲ ዛዕባ ምዃነን'ውን ይዛረብ።
ሰበስልጣን እስራኤል ነቶም ኣብ ኣብ ሃገራዊ ትረኻታት እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ልዑል ምሳልያዊ ተራ ዝጻወት ሃይማኖታዊ ቦታታት ናጽነት ኣምልኾ ንምዕቃብ ከም ይጽዕሩ ይገልጹ።
እቲ ቦታ ብኣመንቲ እስልምና ነቢይ መሓመድ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ቦታ ምዃኑ ክእመን እንከሎ፣ ኣይሁድ ድማ ክልተ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቤተ መቕደሳት ዘለዎ ቦታ ብምዃኑ ኣኽብሮት ኣለዎም። ብርግጽ እቲ ሓደ ካብኡ ኣብ ግዜ ሮማውያን ዓንዩ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







