እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ዝሰሓሓባሉ ቅዱስ ስፍራ ግጭት ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ዘሰሓሕበን ቅዱስ ስፍራ መስጊድ ኣልኣቕሳ ፖሊስ እስራኤል ብዓሰርታት ምስ ዝቝጸሩ ኣመንቲ ናብ ጐንጺ ኣትዮም።
ፖሊስ፡ ኣብቲ ቦታ ቅድሚ ወጋሕታ ተፍትሽ ከም ዘካየዱ፡ እቶም "ጐስጐስቲ" ዝበልዎም ድማ ርችት፡ በትሪን ኣእማንን ሒዞም ንነብሶም ኣብ ውሽጢ መስጊድ ኣልኣቕሳ ድሕሪ ምዕጻዎም ዝተላዕለ ምዃኑ ይገልጽ።
ፖሊስ ነቶም ሰባት ንምብታን ብዝወሰዶ ስጕምቲ 14 ሰባት ከም ዝተጐድኡ ፍልስጤማውያን ይገልጹ።
ድሒሩ ብውሕዱ ትሽዓተ ሮኬታት ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ተተኲሰን፡ ኣብ ጥቓ ስደሮት ድማ ሳይረን - መጠንቀቕታ ኣየር ተሰሚዑ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ሓሙሽተ ሮኬታት ከም ዝተዓገታን፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ "ኣብ ክፉት ቦታታት ከም ዝዓለባን" ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ግን ሓላፍነት ዝወሰደ ጕጅለ የለን፤ እንተዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ነቲ ተዅሲ ከም ዘካየዶ ይግመት።
ምክትል ሓላፊ ሓማስ ሳልሕ ኣልኣሩሪ፡ "ንእስላማዊ ቅድስናታት ምጥቃዕ ዓቢ ዋጋ ክህልዎ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ እግሮም [እስራኤላውያን] ድማ መሬት ከነቃጽል ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ኣብቲ እስራኤል ዝጐበጠቶ ምብራቕ እየሩሳሌም ዘጋጠመ ጐንጺ፡ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን ኣመንቲ ድሕሪ ጸሎት ሮመዳን ኣብቲ መስጊድ ንነብሶም ድሕሪ ምዕጋቶም እዩ ተላዒሉ።
ካብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ዝተወስዱ ቪድዮታት ግን ብተቓወምቲ ርችት ከም ዝተተኰሰ የርእዩ፤ ፖሊስ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕለና እምኒ ተደርብዩና ብምባል ሓደ ኣባል ፖሊስ ከም ዝቘሰለ ይገልጹ።
ካልእ ቪድዮ ድማ ፖሊስ ስራኤል ንፍልስጤማውያን ብበትሪ እናሃረሙዎም የርእዪ።
ቀይሕ መስቀል ክረሰንት ፍልስጤም፡ ሓይልታት እስራኤል ሓካይም ናብቲ መስጊድ ከይኣትው ይኽልክሉ ነይሮም ይብል።
ዕጡቓት ፍልስጤም፡ ኣመንቲ ኣይሁድ ነቲ ካብ ትማሊ ረቡዕ ዝጀመረ ‘ፓስኦቨር’ (ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ኣይሁድ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ካብ ባርነት ንምውጻእ ዝገበርዎ ጕዕዞ ዘኽብርሉ ዓቢይ ቅዱስ በዓል) ጤል መስዋእት ንኸይገብሩ ንምኽልካል እስላም ዓርሶም ኣብቲ መስጊድ ክዓጽው ጸዊዖም ነይሮም።
እቲ ኣብ በሪኽ ቦታ እየሩሳሌም ዝርከብ ቦታ ኣብ ኣይሁድ ቅዱስ ቦታ ኰይኑ ኣብ እስልምና ድማ ሳልሳይ ዝተቐደሰ ቦታ እዩ።
ኣይሁድ ክልተ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መቕደሳት ዝርከብሉ ደብረ ቤተ መቕደስ ተባሂሉ ይፍለጥ፤ ብእስልምና ድማ መሓመድ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ቦታ ሓረም ኣልሸሪፍ ተባሂሉ ይፍለጥ።
ምሉእ እቲ ቀጽሪ ብኣስላም ከም መስጊድ ኣልኣቕሳ ዝቝጸር ኰይኑ፡ እቲ ግጭት ግን ኣብ ውሽጢ ህንጻ መስጊድ ባዕሉ እዩ ነይሩ።
ኣይሁድን ካልኦት ኣስላም ዘይኰኑን ድማ ናብቲ ቀጽሪ ክኣትዉ ይፍቀደሎም’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







