ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ን‘ነብዪ’ ጩፋ ከምዝኸስስ ኣፍሊጡ

‘ነብዪ’ እዩ ጩፋ፡ ንውልቀ ረብሕኡ ክብል ሓላፍነት ብዝጎደሎ መልክዕ ናይቲ ሰራዊት ስምን ተኣማንነትን ንምጥፋእ ብዝፈጸሞ ተግባር ብሕጊ ከምዝሕተት ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ገሊጹ፡
ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ‘‘ እዩ ጩፋ ዝተባህለ ብሽም ሃይማኖት፡ ሰዓብተይ እዮም ናይ ዝበሎም ውልቀ ሰባት ክብሪ ብዘይሓለወ፡ ምስ ናይ ደንቢ ክዳኖም ብቪድዮን ፎቶን ቀዲሑ ኣብ ኣደባባይ ክዝርጋሕ ገይሩ’’ ክብል ከሲስዎ፡፡
‘‘ውሑዳት ኣባላት ሰራዊትና እውን ነዚ ድልየት ንምምላእ፡ ነቲ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን መለለዪ ዝኾነ ዩኒፎርም ተኸዲኖም ከምዝተረኸቡ ዘርእይ ምስሊ ተዘርጊሑ እዩ’’ ክብል ወሲኹ።
ኣብዚ ቅነ፡ እዩ ጩፋ ኣብ ዘገልግለሉ ቤተ ክርስትያን፡ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክዳን ዝተኸደኑ ሰባት ኣብ መድረኽ ወጺኦም ዘርእይ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብበዝሒ ተራእዩ ነይሩ፡፡
ብኣዝራራብነቱ ዝፍለጥ ‘ነብዪ’ እዩ ጩፋ፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እግሩ እናልዓለ ኣጋንንቲ ከምዘውጽእ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብዚ ጉዳይ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ፡፡
"ኣባላት ሰራዊትና ዝደለይዎ እምነት ናይ ምስዓብ መሰል ኣለዎም፡፡ ኮይኑ ግና ነቲ ዝተኸበረን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምከሓሉን ክዳን ደንቢ ጌርካ ኣምልኾ ምፍጻም ክልኩል እዩ’’ ክብል ኮሎኔል ኣዳነ ተዛሪቡ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Defence Forces Official
ሰራዊት ምክልኻል ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ እቶም ናይ ደንቢ ክዳን ተኸዲኖም ዝተሳተፉ ኣባላት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ጉዳዮም ናብ ወታሃራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ምጽራይ ይካየድ ኣሎ’’ ኢሉ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ሃይማኖት ዝተረኸቡ ኣባላቶም ናይ መአረምታ ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ፡ ‘‘ ንድሕሪ ሕዚ እውን ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ናይ ዝኾነ እምነት ሰዓቢ ይኹን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር እንተተረኺቡ ተሓታቲ ክኸውን እዩ’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ሰራዊትና ኣብ መርዓ፣ ቀብርን ናይ እምነት ቦታታትን ክብሩ ብዝሓለወ ኣገባብ ዝፍጸሙ ስርዓታት ኣለዉዎ፤ እቲ ሰራዊት እውን ካብ ህዝቢ ዝወጸ ስለዝኾነ ናይ ውልቅኡ ሃይማኖት ከምዘለዎ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ብወገንና ብሕጊ ዝተፈቐዱን ዝተኸልከሉን ጉዳያት ናይ ምርዳእ ስራሕ ክስራሕ እዩ’’ኢሉ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







