ብቲቢ ጀሽዋ ዝተሓብአ ጉድ ምፍራስ ህንጻ እንክኽሻሕ

ቲቢ ጆሽዋ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ቲቢ ጆሽዋ እቲ ዕንወት ብሓንቲ ምስጢራዊት ነፋሪት ከምዘጋጠመ እዩ ኵሉ ሻብ ዝዛረብ ነይሩ

ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺን መራሒ ሜጋ ቤተክርስትያን ዝነበረ ቲቢ ጀሽዋ፡ ኣብ 2014 ኣብ ቤተክርስትያኑ ብውሕዱ 116 ሰባት ዝቐተለ ህንጻ ኣብ ምፍራስ ዝነበሮ ተራ ንምሽፋን ሬሳታት ምሕባኡን ስድራቤታት ምፍርራሑን ዘርኢ ሓድሽ ጭብጥታት ቢቢሲ ኣቃሊዑ ኣሎ።

እዚ ምፍራስ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ቦታ ኣምልኾ ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ሓደጋታት እዩ።

ጠንቂ ናይቲ ቅድሚ ኣስታት 10 ዓመት ዘጋጠመ ፍጻመ እንታይ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን እቲ ፓስተር ከመይ ገይሩ ከምዝሸፋፈኖን፡ ካብ ውሽጢ ሲናጎግ ቤተክርስትያን ኦል ኔሽንስ (ስኮን) - ሌጐስ ብዝመጹ ሰባት መርትዖታት ከቕርብ እዚ መርመራ ቢቢሲ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ቢቢሲ ዘቃልዖ መርትዖታት፡ ነቲ ብመስራቲ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ክርስትያናውያን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለምና ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰትን ስቅያትን ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።

ጀሽዋ፡ ብ12 መስከረም 2014 - ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ምፍራስ’ቲ ህንጻ - እቲ ምፍራስ ምስታ ኣብ ልዕሊ እቲ በጻሕቲ ዘዕርፉሉ ህንጻ ዝዘንበየት ነፋሪት ምትእስሳር ከምዘለዎ ብዕሊ ገሊጹ።

መርማሪ ሬሳ ሌጐስ ዘካየዶ መርመራ ግን፡ ምስ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ዝሳነ ኰይኑ፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ በቲ ኣብ ትሕተ ቅርጻዊ ኣሰራርሓ ዝነበረ ጸገም ምዃኑን እቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ብዘይ ግቡእ ፍቓድ ከም እተሰርሐን ደምዲሙ።

መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ቲቢ ጀሽዋ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ከቢድ መዋቕራዊ ጸገማት ከምዘለዎ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ነይሩ። ንሳቶም ነቲ ብትሓልፍ ዝነበረት ነፋሪት ዝተመኽነየ መግለጺ ‘ሓሶት’ ኢሎሞ።

“እቲ ህንጻ ዘይጽኑዕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ" ይብል ኣማኑኤል፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ከም ሓደ ካብ ደቀ መዝሙር ‘ጉጅለ ውፉያት ሰዓብቲ’ ቤተክርስትያን ጀሽዋ።

ንሱ፡ ከም ኵሎም ቢቢሲ ቃለመሕትት ዝገበረሎም ደቀ-መዝሙር ነበር፡ ቀዳማይ ስሙ ጥራይ ክጥቀም መሪጹ።

ኣማኑኤል፡ እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ፡ ቅድሚ ገለ ሰዓታት እቲ ህንጻ የንቐጥቕጥን ነነው ይብልን ምንባሩ እቲ ፓስተር ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ይገልጽ።

ይዅን እንበር ብዙሓት መሰኻኽር ከም ዝገልጽዎ፡ እቶም ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ በጻሕቲ መጠንቀቕታ ኣይተዋህቦምን። እኳ ደኣ ከባቢ 200 ካብኣቶም ናብቲ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዝርከብ መመገቢ ክፍሊ ምስሖም ንኽበልዑ ተመሪሖም። ኣቡኡ ኮፍ ኢሎም እንከልዉ ድማ እዩ እቲ ሽዱሽተ ደርቢ መናድቕ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈረሰ።

ብዙሓት ካብኣቶም ብቕጽበት ክሞቱ እንከለዉ፡ ላዕሊ 100 ድማ ብሂወት ኣብቲ ፍርስራስ ተጸቒጦም።

“ሰባት፡ ‘ሓግዙኒ’፡ ‘ሓግዙኒ’፡ ‘ሓግዙኒ’ እናበሉ ክበኽዩ እሰምዕ ነይረ” ይብል እቲ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣብቲ ቦታ ድሕሪ ደቃይቕ ዝበጽሐ ኣማኑኤል።

“ድምጾም እናደኸመ ይኸይድ ብምንባሩ፡ እቶም ሰባት ይሞቱ ምንባሮም ክነግር እኽእል።”

ካልኦት ድማ ብዘስካሕክሕ መልክዑ ዝተጐድኡ፡ ኣዒንቶምን ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶምን ዝጠፍኡ - በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወደቐ መናድቕ ግዳያት ምዃኖምን ይግለጽ።

“እቲ ህንጻ በቲ ጀሽዋ ዝደለዮ ደርቢታት ንኽህነጽ ከም ዘይተደኮነ ንጹር እዩ ነይሩ፡" ትብል ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ከይዳ ከም ደቀመዝሙር ኣብታ ቤተክርስትያን ን12 ዓመታት ትንብር ዝነበረት ረይ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀሽዋ ንሰራሕተኛታቱ ተወሰኽቲ ደርቢታት ክሃንጹሉ ክእዝዞም እንከሎ ኣብኡ ከምዝነበረት ብምጥቃስ፡ “እቲ መሰረት ብዙሕ ደርቢታት ከህንጽ ከምዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰረተን፡” ትብል።

‘ክትውስኽ ደልየ ኣለኹ! ልዕል ኣብልዋ፡ ክትብርኽ ደልየ ኣለኹ ወስኹላ፡ ግድን ክትብርኽ ኣለዋ፡’ ኢሉ ጸቕጢ ይገብር ነይሩ።

እቶም ካብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን ንቢቢሲ ዝተዛረቡ እውን፡ ጀሽዋ ነቲ ዘጋጠመ ብቕልጡፍ ምላሽ እንተዝህብ ነይሩ፡ ህይወት ክድሕን ይኽእል ከምዝነበረ ይዛረቡ። ኣብ ክንድኡ፡ ን24 ሰዓታት ህጹጽ ኣገልግሎታት ናብቲ ቦታ ከይኣትዉ ከምዝዓገቶም ይዛረቡ፤ እዚ ክሲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ጸብጻባት ዜና ዝተረጋገጸ እዩ።

ኣብዚ ወሳኒ ህሞት ሰባት ንምድሓንን ንዝተጐድኡ ንምሕጋዝን፡ ገለ ሰራሕተኛታት ቤተክርስትያን ብዘይግቡእን ብሃውሪን ህይወት ንምድሓን ከምዝፈተኑ፣ መካኒካዊ መሳርሒ ወይ ሕክምናዊ ስልጠና ከይተጠቐሙ፡ ካብ ክፍሊ ጽገና ቤተ ክርስቲያን ዝመጹ መሳርሒታት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ መሰኻክር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ሰራሕተኛ ቤተክርስትያን ብበሊሕ ሓጺን ኣብ ትሕቲ ዝወደቐ ምድሪቤት ተዓጽዩ ዝነበረ ሰብኣይ እግሩ ቈሪጹ ይበሃል።

"ይጭድር ነይሩ!" ይብል ኣማኑኤል ኣብቲ ቃለመሕትት ንባዐሉ እቲ ዝኽሪ ብዝፈጠሮ ስምዒት እናኣንቀጥቀጠ። እቲ ሰብ ሞይቱ ድዩ ብሂወት ሰሪሩ እውን ርግጸኛ ኣይኰነን።

"ብዙሕ ናይ ብሓቂ ስንባደ ዝፈጠረለይ ነገራት ርእየ... ገጻት ተጨፍሊቘም" ይብል ኣብቲ እዋን ኣብ መወዳእታ ናይ ዓሰርተታት ዕድመ ንእስነቱ ዝነበረ ወደ መዝሙር ማይክል።

ድሕሪቲ ዝሰካሕክሕ ፍጻመ ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን ከም ምስጢር ክሕዝዎ ብምምሓሎምን፡ እቲ ህንጻ ዝፈረሰሉ ቦታ ብዓቢ መንደቕ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ብምግራዱን፡ ዝዀነ ምስክርነት ተዓቢሱ።

ማይክል ዝርከቦም ስለስተ ምንጪታት፡ ቲቢ ጀሽዋ ንሰራሕተኛታቱ እኩብ ሬሳታት ካብቲ ህንጻ ዝፈረሰሉ ቦታ ካብ ማዕከናት ዜናን ሰበስልጣንን ንምሕባእ ብለይቲ ከጋዓዐዝዎም ከምዝኣዘዞም ሓቢሮም።

ክልተ ድማ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ብ ቪድዮ ክርጽዎን ነቲ ቅዳሕ ናብ ጀሽዋ ናብ ቤት ጽሕፈቱ መጺኦም ከረክብዎን ከምዝተሓተቱ ተዛሪቦም።

‘ኣብ ሳናጡ ሬሳ ከእትዉዎም እንከለዉ ንቀድሖም ኔርና .....እልቢ ዘይብሎም ሰባት’ ይብል ማይክል።

ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጸት ካብ ደቀ መዝሙር ጀሽዋ ዝዀነት ክሎይ እውን ሳዕቤን እቲ ምፍራስ ርእያ እያ። ናብ ኣውቶቡስ ምስ ቀረበት ሕማቕ ሽታ ሃንገፍ ኢልዋ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት

ምንጪ ስእሊ, PIUS UTOMI EKPEI

መግለጺ ስእሊ, ሰብመዚ ሓገዝ ህጹጽ እዋን ን 24 ሰዓታት ናብቲ ቦታ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ምንባሮም ይገልጹ

እቲ መራሒ መኪና እታ ኣውቶቡስ ድማ "ሬሳታት መሊኣ እያ... ሜድያ [ጋዜጠኛታት] ከይርእይዎ ድማ ብለይቲ ነጓዕዞ ኣለና" ኢሉዋ።

ብዙሓት ምንጭታት ቍጽሪ ሞት ካብቲ ቤተክርስትያን ዝሃበቶ 116 ኣሃዝ ዝለዓለ ምዃኑ ይኣምኑ። ኣብ እዋን ምፍራስ ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣዕሩኽን ሰራሕተኛታት ቤተክርስትያንን ኣብ ወግዓዊ ዝርዝር ናይቶም ዝሞቱ ኣይተመዝገበን ዝብሉ ኣለዉ።

ሰበስልጣን ናይጀርያ ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ጽኑዕ መርገጺ ወሲዶም። መርማሪ ሬሳ ሌጎስ ጆሹዋ ብገበን ሸለልትነት ክኽሰስ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ጻውዒት እንተተገብረሉ፡ እቲ ፓስተር ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን።

ብርክት ዝበሉ ደቀ መዛምርቱ ነበር፡ ኣብዚ እዋን ጽልዋ ንዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘዓደለ ይዛረቡ። እዚ ድማ ኣሽሓት ዶላር ኣሜሪካ፡ ራንድ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይራ ናይጀርያን ንስድራቤት ግዳያት ምፍራስ እቲ ህንጻ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 85 ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ እዮም።.

ሲሕለ ሓንቲ ካብ ደቀ መዝሙር ነበር ኰይና፡ እቲ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኬድካ ነቶም መቕርብ መወትቲ ገንዘብ፡ ሳንጣታት ገንዘብ ናይ ምሃብ ስራሕ ከም ዕማም ተዋሂቡዋ ከም ዝኸደት ንቢቢሲ ሓቢራ።

"ንዝዀነ መራኸቢ ብዙሃን ከይዛረቡን ዝዀነ ሓበሬታ ከይህቡን ንነግሮም፤ በቃ ንዓብሶም ኢና ኔርና” ትብል።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሰለስተ ስድራቤታት እውን ወኪላት እቲ ቤተክርስትያን ገንዘብ ክህብዎምን ንዝዀነ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ምዝራብ ክዓብስዎምን ከም ዝፈተኑን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

በቲ ሓደጋ ንሓፍቱ ፑምዚለ ዝሰኣነ ልዋንድለ ምኩሊሲ ካብ ጆሃንስበርግ፡ ነዚ ጥረ ገንዘብ "ገንዘብ ደም" ክብል ብምግላጽ ነጺግዎ።

ፑምዚለ
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ሓደጋ ዝሞተት ፑምዚለ

ካብታ ኣብ ከባቢ ጆሃንስበርግ ትርከብ ቤኖኒ ዝዀነት ሶኒ ማድዚየ፡ ካብታ ቤተክርስትያን ዝመጸ ናይ መጀመርታ ህያብ፡ 50,000 ራንድ (ኣስታት 2,500 ዶላር) ድሕሪ ምቕባል፡ ነቲ ብሰንኪ ሞት ጐርዞ መንእሰይ ጓላ ሲቦንጊለ፡ ስዒቡ ዝመጸ ጥማራት ገንዘብ ከም ዝነጸገቶ ትዛረብ።

እቲ ገንዘብ ዝዀነ ስጕምቲ ንኸይትወስድ ተባሂሉ ዝወሃባ ከምዝዀነ ከተስተውዕል ከምዝጀመረት ድማ ትዛረብ። ነቲ ዝተመጠወላ ግንዖ ከምዘይትቕበሎ ምስ ኣፍለጠት ድማ ቲቢ ጀሽዋ ብተለፎን ከምዝዘንጠላን ከምዘፈራርሓን ብምጥቃስ፡ ‘ኣብዚ ሞት እንተኣቕሊብኪ ኵሉ ነገርኪ ከተጥፊኢ ኢኺ’ ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምዝሰደደላ ትዛረብ።

"ልክዕ ከምቲ ጓለይ ዝጠፍኣቶ፡ ምሉእ ስድራቤተይ እውን ከምዝጠፍእ ከፈራርሓኒ ጀሚሩ።"

ኵሉ እቲ ካብ ጀሽዋ ዝተደወለላ ናይ ድምጺ ቅዳሕን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን እውን ንቢቢሲ ኣረእያ።

ወይዘሮ ማድዚየ ብድሕሪኡ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ ክትከስስ ፈቲና፤ ንሞት ጓላ ካሕሳ ክትሓትት ጸኒሓ። እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ።

ስሕለ፡ ጋዜጠኛታት ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ጸብጻቦም ጽልዋ ንምፍጣር፡ ገንዘባዊ ጉቦ ከምዝተዋህቦም ይዛረብ።

"ጋዜጠኛታት ብሓደ ነገር ወይ ብኻልእ ነገር ናብ ቤተክርስትያን እኳ እንተመጹና፡ ጋዜጠኛታት ግን ፖስታ ሒዞም ይኸዱ ነይሮም... ብዶላር ይህብ ነይሩ" ትብል።

ሲህለ

ምንጪ ስእሊ, SIHLE

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ካብ ደቀመዝሙር ዝነበረት ሲህለ፡ ነቶም በቲ ሓደጋ ቤተሰቦም ዝሞትዎም ሰባት ገንዘብ ክትህብ ተነጊርዋ ነይሩ

ኣብ ክፍሊ ፕረስ ቲቢ ጀሽዋ እትሰርሕ ዝነበረት ክሎይ፡ ኣብዚ እዋን ንብዙሓት ጋዜጠኛታት ገንዘብ ከምዝተዋህቦም ኣረጋጊጻ። እዚ ድማ ብ ክልተ ን ቢቢሲን ኦፐን ዲሞክራሲ - መሻርኽቲ ናይዚ መርመራን ዘዘራረቡ ጋዜጠኛታት ተረጋጊጹ።

ኣብ መስከረም 2014፡ ናይጀርያዊ ጋዜጠኛ ኒኮላስ ኢቤክዌ ኣብ ዝገበሮ ምስጢራዊ ቅዳሕ፡ ጀሽዋ ገንዘብ ዝሓዘ ፖስታታት ድሕሪ ምቕራብ፡ "ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ክትጽሕፍ ኢኻ?" እናበሎ ብንጹር ይስማዕ። ኢቤክዌ ግን ነቲ ናይ ገንዘብ ግንዖ ነጺግዎ።

ነፍሲ ወከፎም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘሕለፉ ኣማኑኤልን ማይክልን፡ መርመራ መርማሪ ሬሳ ሌጐስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፖስታ ገንዘብ ኣብ መካይን ናይጀርያውያን ፖለቲከኛታትን ሰበስልጣን ቤት ፍርድን ከቐምጡ ከምዝተኣዘዙ ይዛረቡ።

"ንዅሉ ሸፊንዎ" ይብል ኣማኑኤል።’’ ንዅሉ ዘሎ ኣሰራርሓታት ገዚእዎዩ!"

ጀሽዋ፡ ኣብ ሰነ 2021 ኣብ መበል 57 ዓመቱ'ኳ እንተዓረፈ፡ እታ ቤተክርስትያን ግን ብበዓልቲ ቤቱ ኤቨሊን ትመሓደር ኣላ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሌጐስ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ዘጋጠመ ሓደጋን ክስታት ዓመጽን ስቅያትን ንህሉው ኣመራርሓ ቤተክርስትያን ምስ ሓተተ፡ "ኣብ ልዕሊ ነቢይ ጀሽዋ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ምቕራብ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን፤ ካብቲ ክስታት ዝዀነ ይዅን መርትዖ ዘለዎ ኰይኑ ኣይፈልጥን፡" ኢሎም።

ሶኒ ማድዝየ
መግለጺ ስእሊ, ሶኒ ማድዝየ ሕጂ እውን ንሞት ጓላ ፍትሒ ትጽበ ከምዘላ ትገልጽ

ክሳብ ሎሚ ብዙሓት ኣባላት ስኮን ጠንቂ ምፍራስ እቲ ህንጻ፡ ምስጢራዊት ነፋሪት ከም ዝነበረት ይኣምኑ። እዚ ዝብሉ ቪድዮታት፡ ብቤተ ክርስቲያን ዝተዳለዉ ኰይኖም፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቻነሎም ኣማኑኤል ተሌቪዥን ሳተላይት ቻነል ተዘርጊሖም ኣብ ዩቱብ ብሰፊሑ ይርኣዩ ኣለዉ።

ን14 ዓመታት ካብ ደቀ መዝሙር ቲቢ ጀሽዋ ኰይና ዘሕለፈት ክሎይ፡ "ስድራቤታት [እቶም ግዳያት] ዓቢ በደል ከምዘጋጠሞም" ትኣምን።

ድሕሪ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት፡ በቲ ምፍራስ ተኸሲሱ ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ወ/ሮ ማድዚየ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለምልልስ ብምሉኡ እናበኸየት፡ "ጓለይ ንኽትቅተል ናብ ቤተክርስትያን ይልእካ ምንባረይ ኣይፈለጥኩን" ትብል። ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ መደቀሲ ክፍሊ ጓላ ከምታ ክትወጽእ እንከላ ዝገደፈታ፡ እቲ ዓቢ ባምቡላ ድቢ ብድቁሱ ከምታ ዝነበራ ከምዘሎ ትዛረብ።

"ጓለይ ብህይወታን ረዳኢ ዘይብላን ተቐቢራ፤ እቲ ቃንዛ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ይጽበ ኣለኹ።"

እዚ መርመራ ኣፍሪቃ ኣይ ብቻርሊ ኖርዝኮት፡ ሄለን ስፑነር፡ ማጊ ኣንድሬሰን፡ የሚሲ ኣደጐከን ኢነስ ዋርድን ዝተኻየደ እዩ።