ቲቢ ጆሹዋ፡ ‘መንግስተ-ሰማይ መሲሉና. . .ለካ ኣብ ሲኦል ኢና ነይርና’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግርማ መጐስ ዝነበሮ ናይጀርያዊ መራሒ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ዝዀነ ቲቢ ጆሹዋ ብሕቡእ፡ ብጃምላዊ ደረጃ ጾታዊ ገበናት ከምዝፈጸመ ቢቢሲ ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ዘካየዶ መርመራ የረጋግጽ። ጆሹዋ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ሰሙን ደጋጊሙ ይገፍዕን ይዕምጽን ከምዝነበረ ዓሰርተታት ግዳያት ዝሃብዎ ምስክርነት ይሕብር።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ብዛዕባ ስቅያት፡ ዓመጽን ርእሰ-ጉድኣትን ዝምልከት ጸብጻባት ዝሓዘ እዩ!
ኣብ መጀመርታ 2002 ኣብ መዓሙቕ ሓምላይ ክረምቲ እንግሊዝ፡ ሬ ዝተበሃለት ጓል 21 ዓመት መንእሰይ ተሰዊራ።
ብዙሓት መሓዙታ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣይዋ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራይተን እዩ። ሕጕስቲን ተፈታዊትን ሬ፡ ግራፊክ ዲዛይን እናተማህረት ካብ ባሕሪ 25 ደቓይቕ ኣብ ዘኽይድ ናይ ሓባር ገዛ ትነብር ነይራ።
"ከም ዝሞተት ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡ ግን ድማ ወዲአ ክሓዝን ኣይከኣልኩን" ትብል ኣብቲ እዋን ቀንዲ መሓዛኣ ዝነበረት ካርላ።
ካርላ ሬ ናበይ ከም ዝኸደት ትፈልጥ ነይራ። እቲ ሓቂ ግን ንመሓዙተን ንምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ንሳን ሬን ብሓባር ናብ ናይጀርያ ተጓዒዘን ነይረን። ዕላማአን ድማ ብኢዱ ንሰባት ዝፍውስ ዝመስል ሓደ ምስጢራዊ ሰብኣይ ንምርካብ’ዩ። እቲ ጸሊም ጭሕሚ ዝነበሮን፡ ጻዕዳ ክዳን ዝለበሰን ክርስትያን ፓስተር ቲቢ ጆሹዋ ይበሃል። ሰዓብቱ ድማ "ነቢይ" ኢሎም ይጽውዕዎ።
ሬን ካርላን ንሓንቲ ሰሙን ጥራይ ናብታ ሲነጉግ ቸርች ኦፍ ኦል ነሽንስ (ስኮን) ዝተበሃለት ቤተ ክርስቲያኑ ክበጽሓ መደብ ነይርወን። ሬ ግን ናብ ገዛኣ ኣይተመልሰትን። የግዳስ ናብ ቀጽሪ ጆሹዋ ግዒዛ።
"ኣብኡ ገዲፈያ" ትብል ካርላ ንብዓታ እናወሓዘ። "ብሰንኪ’ዚ ድማ ንነብሰይ ፈጺመ ይቕረ ኣይክብላን እየ።"
እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ እታ ዝዓበየት ኣፍሪቃዊት ከተማ ሌጐስ ኣብ ከባቢ ኢኮቱን ከም ቤተ መቕደስ ጎቲክ ኰይኑ ይርአ። ንዅሉ እቲ 12 ደርቢ ናይቲ ምስኡ ዝዳወብ ቀጽሪ ዲዛይን ዝገበረ ባዕሉ ጆሹዋ ኰይኑ፡ ኣብኡ ምስ ብዙሓት ሰዓብቱ ይነብር።
ብውልቁ ህንጸት ናይቲ ናብ መደቀሲኡ ዝወስድ ብዙሕ መደያይቦታት ተኸታቲሉ’ዩ - እተን ናብ መደቀሲኡ ዘእትዋን ዘውጽኣን ሰለስተ ማዓጹ፡ ብንኣሽቱ መሳዅቲ ዝመልአ ሕቡእ ክፍሊ ጸሎት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብ "ክሊኒክ"።
ኣብኡ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት ምስ ብዙሓት ቃለ መሕትት ጌርና ኢና። ንሳቶም ብኮንክሪት ዝተሰርሐ መተሓላለፊ ካብ ክውንነት ሸተት ኢሉ ዝረሓቐ ራዕዲ ዝግለጸሉን መባህረር ዝመልኦ ዓለም ምዃኑ ይገልጹ።
ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብጆሽዋ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ይገልጻ፤ ገለ ካብኣተን ብተደጋጋሚ ኣብ ዕጹው ገዛ ከምዝተዓመጻ ይዛረባ። ገሊአን ድማ ድሕሪ ምጥናሰን ምንጻል ጥንሲ ክገብራ ከምዝተገደዳ ይጠቕሳ።

ምንጪ ስእሊ, CARLA STURT
ኣብዚ እዋን ሬ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሊሳ ኣብ ገጠር ኣብ እትርከብ ጽብቕቲ ቁሸት ትነብር ኣላ። ፍሽኽ ትብልን ብነጻነት ትስሕቕን’ኳ እንተዀነት፡ ብውሽጣ ግን ገለ ዕረፍቲ ዝኸልእ ነገር ኣሎ።
"ብደገ ንቡር እየ ዝመስል፡ ግን ኣይኰንኩን" ትብል።
ሬ ብዛዕባ ኣብ ሌጐስ ዘሕለፈቶ ዓመታት ክትዛረብ እንከላ ከንፈራ ይውጠር። ብዘይ ምስትንፋስ’ያ ትዛረብ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ሕብሪ ቆርበታ ካብ ገጻ ይጠፍእ። ንሳ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ጆሹዋ 12 ዓመት ኣሕሊፋ’ያ።
"እዚ ዛንታ ከም ሓደ ዘፍርሕ ዛንታ'ዩ። ኣብ ልቢ ወለድ ትዕዘቦ ነገር ይመስል፡ ግን ሓቂ'ዩ።"
እቲ ምስ ኦፕንዲሞክራሲ ዝተበሃለ ዓለምለኻዊ መድረኽ ሚድያ ብምትሕብባር ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ መርመራ፡ ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ዝርከቡ ልዕሊ 15 ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዘሳተፈ ነይሩ።
ምስክርነት ሬ ንምርግጋጽን ተወሳኺ ዘሕዝን ዛንታታት ንምቅላዕን ማህደር ቅዳሓት ቪድዮ፡ ሰነዳትን ኣማኢት ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ መሕትትን ተኣኪቡ እዩ። ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናይጀርያ፡ ጋና፡ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጀርመንን ልዕሊ 25 ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ግዳያት ኢና ዝብሉን፡ ህይወት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ጆሹዋ ከመይ ከምዝነበረ ጸብጻብ ኣቕሪቦም፤ እቶም ናይ ቀረባ እዋን ፍጻመታት ድማ ኣብ 2019 ዘጋጠሙ እዮም።
ሲነጉግ ቸርች ኦፍ ኦል ነሽንስ ብዛዕባ እቶም ክሲታት መልሲ ኣይሃበትን፡ እንተዀነ ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበ ክሲታት መሰረት ዘይብሉ ክትብል ገሊጻ ነይራ።
ቅድሚ ሕጂ ሰዓብቲ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ግህሰት ክዛረቡ ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፡ በታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ክብሉ ከምዝተገበሩ ወይ ስሞም ከምዝጸለመ ይዛረቡ። ክልተ ካብኣቶም ድማ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ይገልጹ። ቢቢሲ ኣፍሪካ ኣይ ካብቲ ቤተክርስትያን ወጻኢ ፊልም ኣብ ዝቐርጸሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ሓላዊ ጸጥታ ናውቶም ከረክቡ ሓቲቱ ምስ ኣበይዎ ኣብ ጥቓኦም ንላዕሊ ጥይት ተኲሱ።
ብዙሓት ካብቶም ቃለመሕትት ዝገበርናሎም ሰባት፡ ስሞም ናይ ምግላጽ ሕጋዊ መሰሎም ገዲፎም እዮም፤ መብዛሕትኦም ስም ኣቦታቶም ከይግለጽ ጥራይ እዮም ሓቲቶም። ገሊኦም ግን ሕነ ምፍዳይ ከይበጽሖም ስለዝሰግኡ መንነቶም ክጥቀስ ከምዘይደልዩ ገሊጾም።
ኣብ ማእከል እታ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሰብኣይ፡ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ካብቶም ጸለውቲ ፓስተራት ምዃኑ ይግለጽ። ንሱ፡ ብዙሓት ቃለመሕትትና ምስ ተቐረጹ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሃንደበት ኣብ ሰነ 2021 ዓሪፉ። ኣብ መዓልቲ ቀብሩ፡ ብዙሓት ሰባት ሓዘኖም ክገልጹ ናብ ጐደናታት ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ሌጐስ ዳርጋ ካልእ ምንቅስቓስ ኣይነበረን።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ሰሙን ኣስታት 50,000 ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ጆሹዋ ይሳተፉ ነይሮም፤ እታ ቤተክርስትያን ድማ ናብ ናይጀርያ ንዝመጹ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ቀንዲ መዓርፎ ኰይና። ዓለምለኻዊ ናይ ተለቪዥንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ግዝኣቱ ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ዕዉታት ክርስትያናዊ መርበባት እዩ፤ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ኣፍሪቃን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተዓዘብቲ ነይሮምዎ። ዩቱብ ቻነሉ ብኣማኢት ሚልዮናት ግዜ ተርእዩ እዩ።
እታ ብመበለቱ ኤቨሊንን ሓድሽ ጕጅለ ደቀ መዛሙርቲን ትምራሕ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ እውን ህቡብቲ እያ።
ኣብ 2013 ምስ ጓል ኔልሰን ማንዴላ ዝተገብረ ቃለመሕትት፡ ስእሊ ጆሹዋ ኣብ ሰደቓ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ተቐሚጡ የርኢ። ጆሹዋ ኣብ ዕድመኡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ፖለቲከኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ናብ ቤተክርስትያኑ ስሒቡ እዩ፤ ገለ ካብዚኦም ኣጥቃዓይ ክለብ ቸልሲ ዲድየር ድሮግባን ብውሕዱ ትሽዓተ ፕረዚደንታት ኣፍሪቃን ይርከብዎም።
ብዙሓት ሰዓብቱ በቲ ዝገበሮ ግብረሰናይ ተሳሒቦም እኳ እንተነበሩ፡ መብዛሕትኦም ግን በቶም ዝንገረሎም ተኣምራቱ እዮም መጺኦም።
ጆሹዋ ኣብ ምሉእ ዕድመኡ መስተንክር፡ "ፍወሳታቱ" ብስርዓታዊ ኣገባብ ክቕረጹ ገይሩ እዩ። ሰባት ንሱ ምስ ጸለየሎም፡ ካብ መንሽሮን ኤችኣይቪ/ኤይድስ፡ ክሳብ ሕዱር ማይግሬንን ዓይነ-ስውርነትን ዝበጽሕ ሕማማት ከምዝተፈወሱ ኣብ ቅድሚ ካሜራ መስኪሮም እዮም።
"ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ዝበለ ነገር ርኢና ኣይንፈልጥን" ይብል ሰሎሞን ኣሾምስ ዝተባህለ ኣብ ሃይማኖት ኣፍሪቃ ሽፋን ዝህብ ጋዜጠኛ።
"ሰባት ዝስዕብዎ [ዝነበሩ] ነቶም ምስጢራቱ፡ ነቶም ዝተሰከሞም ምስጢራት እዩ።"
ሓያሎ ቪድዮታት ጆሹዋ፡ ኣብ ብልዕቶም ከቢድ ረኽሲ ዘጋጠሞም ደቂ ተባዕትዮ፡ ጆሽዋ ቅልጽሙ ንጸሎት ከልዕል ከሎ፡ ብተኣምር ከምዝሓውዩ የርእዩ። ካልኦት ቪድዮታት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ንኽወልዳ ክቃለሳን ጆሹዋ ምስ ቀረበን ብቕጽበት ክወልዳን የርእዩ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ድማ፡ እቶም ኣብቲ ፍጻመ እተሳተፉ ሰባት ከምዝደሓኑ ይምስክሩ።

ምንጪ ስእሊ, JOURNEYMAN PICTURES
ኣብ መወዳእታ 1990ታትን መጀመርታ 2000ታትን ኣብ መላእ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ፈውሲ ጆሹዋ ዘርእዩ ቪድዮ ቴፓት ይዞሩ ነይሮም።
ብዓቃባዊ ክርስትያናዊ ክብርታት ዝዓበየት ሬ፡ ነዘን ቪድዮታት ድሕሪ ምርኣያ እያ ናብ ሌጐስ ክትገይሽ ተደሪኻ።
"ሕደጾታዊት እየ ነይረ፡ ክኸውን ድማ ኣይደለኹን" ትብል። "ሽዑ ኣነ፡ 'እዋእ፡ ምናልባት እዚ መልሲ ጸገማተይ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ምናልባት እዚ ሰብኣይ ከቕንዓኒ ይኽእል'ዩ። እንተጸልዩለይ፡ ድሕሪ ሕጂ ሕደጾታዊት ኣይክኸውንን'የ' ኢለ ሓሲበ።"
ካልእ ካብ ሚድላንድስ ደርቢ ዝዀነት ኣነካ ዝተባህለት እንግሊዛዊት’ውን፡ በቶም ቪድዮታት'ውን ከምዝተመሰጠት ትዛረብ።

እተን ቴፓት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጉባኤ ቤተክርስትያና ክረኣያ እንከለዋ ጓል 16 ዓመት ዝነበረት ኣነካ፡ "እቲ ክፍሊ ምሉእ ብምሉእ ብስቕታ ተዋሒጡ" ትብል።
"የሱስ ከምዚ ምገበረ ነይሩ" ኢላ ከምዝሓሰበት ትዝክር። ብድሕሪኡ ናብ ናይጀርያ ተጓዒዛ።
ሬ ትኹን ኣነካ፡ ወይ ብዙሓት ካብቶም ኣብ መጀመርታ 2000ታት ንጆሽዋ ንምርካብ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ናይጀርያ ዝኸዱ መንእሰያት፡ ንትኬታቶም ገንዘብ ኣይከፈሉን። ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ ጕጅለታት ቤተክርስትያን ነዚ ተኣምራት ንምዕዛብ ናብ ሌጎስ ፈለስቲ ንምልኣኽ ገንዘብ ኣዋህሊለን እየን፤ ጆሹዋ እውን ባዕሉ ካብ ቤተ ክርስቲያኑ ገንዘብ ከምዘበርከተ ላዕለዎት ውሽጣውያን ሰባት ነበር እታ ቤተ ክርስትያን ይዛረቡ። ድሒሩ ግን እታ ቤተ ክርስቲያን ጽቡቕ ጌራ ምስ ተፈልጠት፡ ነጋድያን መጺኦም ኣብኣ ንኽጸንሑ ልዑል ዋጋ ክሓትት ጀሚሩ’ዩ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ 14 ዓመታት ዘሕለፈት ናይጀርያዊት ቢሶላ፡ ንምዕራባውያን ምዕጃብ ወይ ምስላፍ ቀንዲ ሜላ ምንባሩ ትዛረብ።
"ጸዓዱ ሰባት ተጠቒሙ ምልክቱ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ" ትብል።
ውሽጣውያን ነበር ከምዝግምትዎ፡ ጆሹዋ ካብ ፈለስቲን ከም ካብ ምትእኽኻብ ገንዘብ፡ መሸጣ ቪድዮን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስታድዩም ዘቕርቦም ኣገልግሎታትን ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ከምዝረኸበ ይግምቱ። ካብ ድኽነት ተላዒሉ ሓደ ካብቶም ዝሃብተሙ ፓስተራት ኣፍሪቃ ኰይኑ።

"እቲ ሰብኣይ ልዑል ብልሓት ነይርዎ" ይብል ኣብ ሓደ እዋን ኣብታ ቤተክርስትያን ከም ቍጽሪ ክልተ ጆሹዋ ዝቝጸር ዝነበረን ድሕሪ 10 ዓመት ካብቲ ቀጽሪ ዝወጸን ኣጎሞህ ፖል።
"ኵሉ... [ዝገበሮ] መደብ ዝተተሓዘሉ'ዩ ነይሩ።"
ዓቢ ክፋል ናይዚ ውጥን ድማ፡ እቶም ናይ ሓሶት "ተኣምራት" ምቕራብ እዩ ይብል ኣጎሞህ፡ እዚ ድማ ባዕሉ ኣጎሞህ ይቈጻጸሮ ከምዝነበረ ይዛረብ።
ንሱን ካልኦት ምንጭታትን ከምዝሕብርዎ፡ እቶም "ዝተፈወሱ" ሰባት፡ ብዙሕ ግዜ ቅድሚ እቲ ዝበሃል ሕውየቶም ምፍጻሙ፡ ምልክታቶም ንምፍጻም ወይ ንምግናን ይኽፈሎም ነይሩ። ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት፡ ገለ ሰባት ኣብታ ቤተክርስትያን እንከለዉ ኵነታቶም ዝበለጸ ተኣማኒ ንምግባር ብዘይፍላጦም ዕጸፋርስ ወይ መድሃኒት ይወሃቦም ከምዝነበረን፡ ድሒሮም ድማ ብዛዕባ ሕውየቶም ምስክርነት ክህቡ ከምዝግደዱን ይዛረቡ። ካልኦት ድማ ብሓሶት መርመራ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ከምዝነበሮምን ሳላ ኣገልግሎት ጆሹዋ ድማ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከምዝዀኑን ይንገሮም ነይሩ።
ሬ ኣብ ሌጐስ ምስ በጽሐት፡ ንሳ እውን ተኣምራት ርእያ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት መጺኦም ካብ ከቢድ ሕማማት ከምዝሓወዩ መስኪሮም እዮም።
"ብሓቂ ዘይፍቓደኛ ግብረ መልሲ ፈጢሩለይኒ። በቃ ንብዓት ኣውሒዘ" ትብል።
ሽዑ እያ ሬ ዝተመርጸት። ጆሹዋ "ደቀ መዝሙር" ክትከውን ፈሊዩ ሓርይዋ - እቶም "ደቀ መዝሙር" ኣብ ውሽጢ ቀጽሩ ዘገልግልዎን ምስኡ ዝነብሩን ዝተሓረዩ ጉጅለ ሰዓብቲ እዮም።
ሬ ኣብ ትሕቲ ጆሹዋ ኰይና ክትመሃር፡ ጾታዊ ዝንባልኣ "ክትፍውስ"፡ ሰባት ከመይ ጌይራ ከምእትፍውስ ክትመሃር መሲልዋ ነይሩ።
እቲ ክውንነት ግን ካብዚ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።
"ኵላትና ኣብ መንግስተ-ሰማይ ዘለና መሲሉና፡ ግን ኣብ ሲኦል ኢና ነይርና" ትብል። "ኣብ ሲኦል ድማ ዘስካሕክሑ ነገራት ተፈጺሞም።"
ሬ እትርከበን ቃለመሕትት ዝገበርናለን 16 ደቀ መዛሙርቲ ነበር ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ዓመጽ ጆሹዋ ብቐዳማይ ኢድ ምስክርነት ኣቕሪበን። ብዙሓት፡ ኣብቲ ቀጽሪ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ብተደጋጋሚ - ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ሰሙን - ከምዘጋጠመን ይዛረባ። ገሊአን ድማ ንምትንፋስ ክሳብ ዝጽገማ ወይ መፍሰስቲ ደም ክሳብ ዘጋጥመን ከምዝተዓመጻ ይገልጻ።
መብዛሕትአን ንሳተን ጥራይ ዝዕመጻ ከምዘለዋ ይኣምና ነይረን፡ ኵለን ድማ ብዛዕባ ዘጋጠመን ነገር ንካልኦተን ክነግራ ድፍረት ኣይነበረንን፤ ብዛዕባ ነንሕድሕደን ክጽብጽባ’ውን ኣይተተባብዓን።
ንድሕነታ ክትብል ስማ ክንቅይር ዝሓተተትናን ኣብቲ ቀጽሪ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሐትን ቪክቶርያ ከምዝበለቶ፡ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ መብዛሕትኡ ካብ ጉባኤ ቤተክርስትያን ብኢድ ጆሽዋ ይምረጻ ነይረን።
ንሳ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እናተማህረት ከላ ከምዝተመርጸትን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ወለዳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ምስ ኣረከብዋ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ጆሹዋ ከምዝተዓመጸትን ትዛረብ። ብድሕሪኡ ከም ነባሪት ደቀ መዝሙር ተቘጺራ።
ቪክቶርያ፡ ጆሹዋ ንገለ ካብቶም ኣዝዮም ዝኣምኖም ናይጀርያውያን ደቀ መዛሙርቱ፡ ሓደስቲ ግዳያት ንምልላይ ክሕግዙ ከምዝኣዘዞም ትዛረብ። እቲ ጕጅለ ብዘይወግዓዊ መንገዲ "ክፍሊ ምግፋፍ ዓሳ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ጕጅለ ንኽትጽንበር ከምዘገደዳ ትገልጽ።
ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ ምልመላ ዝተሳተፈት ደቀ መዝሙር ድማ ቢሶላ እያ።

"ቲቢ ጆሹዋ ደናግል ክምልምለሉ ሓቲቱኒ... ናብ መጓሰ ደቀ መዛሙርቲ ኣምጺኡ ድንግልነአን ንምውሳድ" ትብል።
ብሰንኪ "ኢንዶክትሪነሽን"ን ምፍርራሕ ዓመጽን ክትሳተፍ ከምዝተገደደት ትዛረብ፡ ንባዕላ ብተደጋጋሚ ብጆሽዋ ተዓሚጻ እያ።
ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተዓመጻሉ እዋን፡ ትሕቲ ዕድመ ከምዝነበራ ይዛረባ - እዚ ድማ ኣብ ግዝኣት ሌጐስ ትሕቲ 18 ዓመት ማለት እዩ። እዚ ገበን ኣብ ናይጀርያ ናይ ሞት ፍርዲ ከስዕብ ይኽእል።
ሕጂ ኣብ ናሚብያ ጋዜጠኛ ፈነወ ዝዀነት ጀሲካ ካይሙ፡ ጆሹዋ ኣብ ሽቓቕ ናይቲ ዝነብረሉ ገዛ ክዕምጻ ከሎ፡ ጓል 17 ዓመት ጥራይን ድንግል ከምዝነበረትን ትዛረብ፡ እዚ ድማ ደቀ መዝሙር ካብ እትኸውን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት እዩ ተፈጺሙ።

"ኣነ የእውይ ነይረ፡ ንሱ ድማ ቈልዓ ኣይትዅኒ ኢሉ ኣብ እዝነይ ሕሹኽ ይብል ነይሩ... ኣዝዩ ስንባደ ተሰሚዑኒ፡ ክበኪ ኣይከኣልኩን" ትብል።
ጀሲካ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብተን ከም ደቀ መዝሙር ዘሕለፈተን ሓሙሽተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ከምዘጋጠማ ትገልጽ። እዚ ጸብጻባ ናይተን ካልኦት ቢቢሲ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣካላዊ መርትዖ ናይዚ ግህሰት ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ ውልቃዊ ኣገልገልቲ ጆሹዋ ዝሃብዎም ጸብጻባት እውን ምስዚ ዝቃዶ እዩ።
ብዙሕ ዝርዝር ናይቶም ቃለመሕትት ዝገበርናሎም ሰባት ኣብዚ ዛንታ ንምጥቃስ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ተቐንጢጠን ብገለ ብኣቑሑት ከምዝተዓመጻ ዝገልጹ ብዙሕ ናይ ቀዳማይ ኢድ ጸብጻባት የጠቓልሉ - ሓንቲ ካብዚአን ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ 15 ዓመት ዕድመኣ ክልተ ግዜ ከምዘጋጠማ ትዛረብ።
"ኣዝዩ መሪር እዩ ነይሩ፡ ንሱ ዓሚጹኒ" ትብል እታ ስማ ክይግለጽ ዝሓተተት ሰበይቲ። "ቃላት ብግቡእ ክገልጾ ኣይክእልን። ኣብ ህይወተይ በሰላ ኣሕዲሩ’ዩ።"
ብርክት ዝበላ ቃለመሕትት ዝተገብረለን ሰባት፡ ብጆሽዋ ተዓሚጸን ከምዝጠነሳን ድሕሪኡ'ውን ብኸመይ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ - ኣብቲ ብ"ክፍሊ ሕክምና" ወይ "ክሊኒክ" ዝፍለጥ ከባቢ - ብግዴታ ምንጻል ጥንሲ ክፍጽማ ከምዝተገብራን ይሕብራ።
"ኵሉ ብሕቡእ እዩ ዝፍጸም" ትብል ሲህለ ዝተባህለት ደቀ መዛሙርቲ ነበር። ንሳ ኣብታ ቤተክርስትያን ሰለስተ ግዜ ብግዴታ ምንጻል ጥንሲ ከምዝገበረት ትዛረብ።
"ክትሰትዮ ዝዀነ ሕውስዋስ ነገር ይወሃበካ’ሞ ትሓምም። ወይ ድማ ገለ ብረት ኣብ ርሕምኻ ኣእትዮም ዝዀነ ይኹን ዘሎ ነገር የውጽኡ። [ብኣጋጣሚ] ማህጸንካ ይስሕቡ ድዮም ኣይስሕቡን ኣይትፈልጥን ኢኻ።"
ሲህለ ኣብ ምሉእ ቃለመሕትታ ትበኪ እያ ነይራ፤ እታ ሓሙሽተ ግዜ ብግዴታ ምንጻል ጥንሲ ከምዝተገብረላ እትዛረብ ጀሲካ’ውን ከምኣ።
ቢሶላ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝጸንሓትሎም 14 ዓመታት "ዓሰርተታት" ምንጻል ጥንሲ ከምዝተዓዘበት ትዛረብ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናብቲ ዝለዓለ ደርቢ ናይቲ ቀጽሪ ደይባ፡ ንኣምላኽ ከድሕና እናለመነት ትበኪ ከምዝነበረት ድማ ትዝክር።

ምንጪ ስእሊ, EMMANUEL TV, SCOAN
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንዅሉ ድሌታት ጆሹዋ የገልግሉ ነይሮም። ማሳጅ ገይሮምሉ፡ ክኽደን ይሕግዙ፡ ጨና ይነጽጉሉ። ገለ ከይተንከፈ መግቡ ክበልዕ ምእቲ ኣብ ኣእዳዉ ፕላስቲክ ጓንቲ ይገብሩሉ።
ኵሎም ኣብ ክንዲ ስሙ "ባባ" ኢሎም ክጽውዕዎ ይተባብዑ። ኣብ ትውፊት ጴንጠቆስጠ ዝርከብ ናይጀርያዊ ፓስተር በዚ ኣገባብ ክግለጽ ልሙድ ኣይኰነን፡ እንተዀነ ግን እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጆሹዋ ኣጽኒዑ ዝደልዮ ቃል ምንባሩ ይገልጹ።
"ኣእምሮይ ከም ዝተናወጸ እዩ ነይሩ" ትብል ኣነካ። "ፍጹም ኣእምሮኣዊ ንጹርነት ኣይነበሮን... ክውንነት ምሉእ ብምሉእ ተገላቢጡ ነይሩ።"
ኣካላዊ ንድፊ ናይቲ ቀጽሪ ንኣንፈቶም ምዝንባል ኣዕሚቝዎ።
ኣብ 2014 ንዓለምለኻውያን ኣጋይሽ ዝተሃንጸ ሽዱሽተ ደርቢ ዘለዎ ገዛ ፈሪሱ ብውሕዱ 116 ሰባት ሞይቶም።
ድሕሪኡ ዝተወሃበ ጸብጻብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ፡ ውድቀት መዋቕርን ትሑት ኣሰራርሓ ህንጻን ጠንቂ ናይቲ ምፍራስ ምዃኑ ይጠቅስ። ዝዀነ ዝተኸሰሰ ሰብ ኣይነበረን።
ገለ ካብቶም ቃለመሕትት ዝገበርናሎም ሰባት፡ ቍጽሪ ሞት ካብቲ ዝተገልጸ ዝዛይድ ምዃኑ ከምዝኣምኑ፡ ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ክሰርሑ ዝጸንሑ ብርክት ዝበሉ ናይጀርያውያን ዜጋታት ከም ግዳያት ከምዘይተዘርዘሩ፡ ኣባላት ቤተክርስትያን ድማ ዕዉት ፈተነታት ምድሓን ህይወትን ከምዘየካየዱን ብለይቲ ብሕቡእ ሬሳታት ከምዘውጽኡን ኣመልኪቶም።
ጆሹዋ'ውን፡ ኣብቲ ቅጽበታዊ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ህጹጽ ኣገልግሎት ረድኤት ከይወሃብ ከምዝኸልከለ ይዛረቡ።
ኣብ ርክብ ዝነበሮ ምትእስሳር ኵሉ ግዜ ጽኑዕ ምንባሩ ምንጭታትና ይሕብሩ።
ሬ፡ ስድራኣን ፈተውታን ኢመይላት ክሰዱላ ከምዝጸንሑ ዝፈለጠት ድሕሪ ምኻዳ ከምዝነበረ እያ ትዛረብ። ናብኣ በጺሖም ኣይፈልጡን።
ጆሹዋ ደቀ መዛሙርቲ ተለፎንን ኢመይልን ከይረኽቡ ገዲብዎም ከምዝነበረ እቶም ቃለ መሕትት ዝገበርናሎም ሰባት ይዛረቡ።
እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብዘይ ደሞዝ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝተገብረ ይዛረቡ - ኹሉ መዳያት ናይታ ኣባይ ቤተ ክርስትያን ኣካይዶም እዮም። ኩሎም ድቃስ ምስኣን ልሙድ ምንባሩን፡ ኣብ መደቀሲ ክፍልታት ለይቲ መብራህቲ ከምዘይጠፍእን ይዛረቡ።
ኣነካ ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ደቂሶም ከምዘይፈልጡ ትዛረብ።

ዝዀነ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ሓጺር ድቃስ ደቂሱ እንተተታሒዙ፡ ወይ ካልእ ሕጊ ጆሹዋ እንተጥሒሱ ይቕጻዕ እዩ። ዓሰርተ ትሽዓተ ደቀ መዛሙርቲ ነበር ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ብጆሽዋ ወይ ብናቱ ትእዛዙ ዝፍጸሙ ከበድቲ መጥቃዕቲ ወይ ስቅያት ከምዝረኣዩ እዮም ዝገልጹ።
ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ዕርቃኖም ተቐንጢጦም ብገመዳት ኤለክትሪክን ብኮቦኮ ተባሂሉ ዝፍለጥ መግረፊ ፈረስን ንርእሶም ከምዝገረፉ ገሊጾም። ካብቶም በዚ መንገዲ ዒላማ ተገይሮም ዝተባህሉ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድመኦም ሰልጠንቲ ደቀ መዛሙርቲ ይርከብዎም።
እቲ ኣብ ሌጐስ ዝርከብ ቀጽሪ 3.7 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ መናድቕን ዕጡቓት ሓለውትን ነይሮምዎ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ከይሃድሙ ዝገበሮም ግን፡ እንተ ሃዲሞም እንታይ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ጆሽዋ ዘስረጾ ሱር ዝሰደደ ፍርሒ እዩ።
"ስነ-ኣእምሮኣዊ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ" ትብል ሬ። "ሓደ ሰብ ክሳብ ኣተሓሳስባኡ ዝስእን ከመይ ገይሩ ብስነ-ኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ ክሓልፍ ከምዝኽእል ንምርዳእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ።"
"እታ ቤተ ክርስቲያን ምስ ትርጕም ጕጅለ ኣምልኾ ዝያዳ ብልክዕ ትሰማማዕ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ ናይ ክብሪ ብጻይን ኣባል ናይቲ ንቕሓት ህዝቢ ብዛዕባ ጕጅለታት ኣምልኾ ዘዕቢ ዘ ፋሚሊ ሰርቫይቫል ትራስትን ዶክተር ኣሌክሳንድራ ስታይን።
ብዙሓት ካብታ ቤተ ክርስቲያን ዝደሓኑ ሰባት ከምዘጋጠምዋን፡ ጆሹዋ "ዝቈጻጸሮ ግዴታዊ መስርሕ ጸቕጢ፡ ፍርሒ፡ በደልን ሕፍረትን" ግዳያቱ ክንጸሉ ከምዝገበረን ትዛረብ። እዚ ማለት ድማ ወጺኦም ከይከዱ ብልዑል ፍርሒ ከምዝተተሓዙ ተብርህ።
ኵሎም እቶም ቃለመሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ብዛዕባ "ምሕጻብ ሓንጐል"፡ "ፕሮፖጋንዳ"ን "ምቍጽጻር ኣእምሮን" ይዛረቡ - ብዙሓት ድማ ኣብ ትሕቲ ጆሹዋ ከም ደቀመዝሙር ዝነበሮም ህይወት ኣብ "ጕጅለ ኣምልኾ" ከምዘለኻ ይገልጽዎ።
ሬ ንዓኣ፡ እቲ ዝዓሞቐ በሰላ ዝገደፈ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቅያት እዩ ትብል። ንሳ፡ ጆሹዋ ንኽልተ ዓመት ብ"ኣዶብ" ኣብ ዝፍለጥ ዓይነት መቕጻዕቲ ከምዘጽንሓ፡ ኣብቲ እዋን ካብቲ ቀጽሪ ከይትወጽእ ከምዝኸልከላን፡ ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት ከዛርብዋ ከምዘይፍቀደሎምን ትዝክር።
"ብመሰረቱ ኣብ ፍጹም ተነጽሎ እየ ነይረ... ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ መትኒ ኣጋጢሙኒ" ትብል። "ሓሙሽተ ግዜ ነብሰይ ክቐትል ፈቲነ" ክትብል ድማ ትውስኽ።

ክሳብ መወዳእታ ዝተደፍአት ሬ ኣብ ኣእምሮኣ ገለ ሓሲባ። ዓሰርተው ክልተ ዓመት ዝወሰደ ትምህርቲ ፕሮፖጋንዳ (indoctrination) ክግለጽ ጀሚሩ።
"ዓቢ ጌጋ ፈጺሙ፡ ኣባይ ዝነበሮ ቍጽጽር ስኢኑ፡" ትብል።
ሬ ምስታ ቤተክርስትያን ናብ ሜክሲኮ ዑደት ኣብ ዝገበረትሉ እዋን ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሸተት ኢላ ርሒቓ። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ተመሊሳ ኣይትፈልጥን።
ሕጂ ህይወታ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ንሳ ግን ጆሽዋ ክሕተተሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ስለዘየለ ምስ ተስፋ ምቑራጽ ክትነብር ኣለዋ።
"ቲቢ ጆሹዋ በቲ ዝፈጸሞም ግፍዒታት ናብ ፍትሒ ቅድሚ ምቕራቡ ምማቱ፡ ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ'ዩ። እዚ ድማ ነቲ ኵላትና ከም ግዳያቱ ዝስምዓና ድኹም ስምዒት በደል ዘጋድድ ጥራይ'ዩ።"
ኣብ መርመራና ዝነበረ ክስታት ሒዝና፡ ሲነጉግ ቸርች ኦፍ ኦል ነሽንስ ርእይቶ ክትህብ ሓቲትና። መልሲ ኣይሃቡን፡ እንተዀነ ግን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ቲቢ ጆሹዋ ዝቐረቡ ክሲታት ነጺጐም።
"ኣብ ልዕሊ ነቢይ ቲቢ ጆሹዋ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ምቕራብ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን... ካብቲ ክስታት ዋላ ሓደ ጭቡጥ ኰይኑ ኣይፈልጥን" ክብሉ ጽሒፎም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







