ክሪፕቶ፡ ሚልዮናት ዶላር ኤርትራውያን ኣበይ ኣተወ? በዓል መን ከ ረቢሖም?

ቢትኮይን ክሪፕቶ ካረንሲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ምስ ምምጻእ ዲጂታዊ ባጤራ ኣብ ናይ ‘ሓበሻ ኮምዩኒቲ’ ንግድ ክሪፕቶ ካረንሲ፡ ኣርባሒ ምዃኑን ሰባት ነቲ ዕድል ክጥቀመሉን ክጒስጐስ ጸኒሑ ኣሎ። ግን እቲ ዝተባህለ ማዕረ እቲ ዝንገር ሓቅነት ኣለዎ ድዩ? ሓደጋታቱ ኸ እንታይ ይመልስ? ኣብ ከምዚ ወፊሩ ዝበሃል ሚልዮናት ዶላር ኤርትራውያን ኣበይ ኣተወ፡ መን’ከ ረቢሑሉ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ብዝርዝር ዳህሲስዎ ኣሎ።

እዚ ዝተፈላለየ ኣስማት እናሓዘ ዝፍጠር መድረኻት ንግዲ ባጤራ-ክሪፕቶ፡ ብሓፈሻኡ ዝተወሰነ ገንዘብ ኣውጺካ፡ ከከም ዘውጻእካዮ ዝፈላለ ግን ብዕጽፍታት መኽሰብ ዝርከቦ መኣዲ ምዃኑ’ዩ እቶም ጐስጐስቲ ክሪፕቶ ክነግሩ ጸኒሖም።

ቢቢሲ ከም ዝዳህሰሶ፡ ኣብዚ ‘መሶብ ፍዮሪ’፡ ‘ቲቢሲ’፡ ‘ሃይፐርቨርስ’፡ ‘ሃይፐርኮስሞስ’፡ ‘ኡልትሮን’፡ ‘ቪዲሉክ’፡ ‘ዋስ’፡ ቪኤቪ፡ ስቴክ ቸይን፡ ‘ቢቲሲሲ-20’…. ወዘተ፡ እናተባህለ ዝተፈጥረ መኣዲታት ዲጂታዊ ባጤራ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝተመዝገቡን፡ ሚልዮናት ዶላራት ከምዝተኸፍለን፡ እንተዀነ፡ እቲ ዝተባህለ መኽሰብ ክርከብስ ይትረፍ፡ እንትርፎ ሒደት፡ መብዛሕትኦም ገንዘቦም ተበሊዖም ከምዝኸሰሩ እዮም እቶም ኣብቲ ዲጂታዊ ንግድ ዝተሳተፉ ግዳያት ዝገልጹ።

ንምዃኑ እዚ ዅሉ ሰብን ገንዘብን ከመይ ኢሉ እዩ ተኣኪቡ? እቲ መኣዲ’ኸ ከመይ ኢሉ’ዩ ዝዓዪን መኽሰባት ከብልዕን? ብድሕሪ’ዚ መድረኻት ዘሎ ምስጢራት ንምፍላጥ፡ ኣብ ዙርያ እዚ ጉዳይ ተፈጢሩ ንዘሎ ገንዘባዊ፡ ስነ ልቦናዊ ቅልውላው ንምርኣይ ነቶም ተኻፈልትን ኣካየድትን ተወኪስና ኣሎና።

ዲጂታዊ ባጤራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃይፐርቨርስ፡ እንታይ'ዩ እቲ ጉዳይ?

ነዊሕ ተኸታቲልናን ሓያለ ሰባት ኣዘራሪብና ከምዝተረዳእናዮ፡ ከም መስራቲን ኣካያዲን “እቲ ናይ ሓበሻ ብብዝሒ ድማ ኤርትራውያን ዘለውዎ ኮምዩኒቲ፡ ንመኣዲ ሃይፐርቨርስ ዘምጽኦ ተስፋይ ተኽለ ዝበሃል ኣብ ቴክሳስ ኣሜሪካ ዝነብር ኤርትራዊ” እዩ። በዚ መሰረት፡ ነቲ መኣዲታትን ኣሰራርሓኡን ዝምልከት ዝርዝራት ብመገዲ ተስፋይ ኣብ ናይ ዙም ኣኼባታት ሓበሬታን ስልጠናታት ይወሃብ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ቀንዲ ኣካያዲ ‘ሓበሻ ኮምዩኒቲ’ ተስፋይ ተኽለ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ምስዚ ተክኖሎጂ ከምዝተላለየ፡ ኣፍልጦኡ እናዕበየ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ዝገልጽ ተስፋይ፡ ካብ ተመኵሮኡ፡ ብዅሉ መዳያቱ እቲ ‘ሃይፐርቨርስ’ ዝበሃል ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ ዝሓሸ ኰይኑ ምስ ረኸቦ፡ ሓቢርና ክንዓብን ክንረብሕን የኽእለና እዩ ብዝብል መንፈስ ብወለንታኡ ናብቲ ኮምዩኒቲ ከምዘተኣታተዎ ይገልጽ።

ዝሓሸ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ከብርህ እንከሎ ድማ ተስፋይ፡ ‘ዲጂታዊ ባጤራ’ ኵሉ ግዜ ሓደጋ ዘይተገማትነት ከምዘለዎ ከም ውሁብ ዝውሰድ ኰይኑ፡ በቲ እቲ ትካል ንኣሰራርሓኡ ዝገልጸሉ ዝርዝራትን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዘኽስቦ ረብሓታትን ምዃኑ የረድእ።

ሃይፐርቨርስ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝውቱር ዝነበረ ብዙሓት ዝተሳተፍዎ ‘ፒራሚድ’ ዝተፈልየ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ፒራሚድ፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ብቐንዱ ሕጋዊ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ብምሻጥ ዘይኰነስ ሓደስቲ ሰባት ከምዝጽንበሩ ብምግባር’ዩ መኽሰቡ ዝረከብ። ኣቃውማኡ፡ ፒራሚድ መሰል ኰይኑ፡ ኣብ ላዕሊ ውሑዳት ውልቀ ሰባት ኣለዉ፣ እናወረድካ ድማ ቁጽሪ ተሳተፍቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዓይነት ወፍሪ እዩ።

እዚ ግን፡ ኣባልነት ብምዕዳግ ጥራይ ረብሓ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ትሕተኻ ሰብ ከተምጽእ ግድን ኣይኰነን፡ ‘ፓሲቭ’ ኴንካ ክትከይድ ከም ዝከኣል የረድእ፡ ሰብ ምምጻእ ግን ነቲ ናይ ረብሓኻ ግዜ ከምዘቐልጥፎ ይገልጽ።

ኣሰራርሓ ክሮፕቶካረንሲ ግን ብሓፈሻ፡ ብመንጽር እቲ ተሳታፊ ዋጋኡ ክብ ከምዝብል ብኡ መንጽር እቲ ትሕዞ ዲጂታዊ ቶከን ዋጋኡ ረብሓኡን ከም ዝዓቢ እዩ ዝረድእ - ተስፋይ።

እዚ ይዅን ግን ሃይፐርቨርስ፡ ኣገባቡ ዝቐየረ ዓይነት ፒራሚድ ኰይኑ፡ ንዝተወሰኑ ኣብ ላዕሊ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ከምዘርብሐ ዝምጕቱ ሒደት ኣይኰኑን።

ሙሴ መንግስተኣብ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር፡ ኣብዚ ዓውዲ ክሪፕቶ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮይኑ ብወገኑ ብዛዕባ ተመኵሮኡ የካፍል።

ሙሴ፡ ከም ኵሉ ሰብ ፈለማ ብኣዕሩኽቱ ተዓዲሙ ናብቲ መኣዲ ከምዝተጸንበረ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ክሪፕቶን ብሓፈሻ ዕሙቕ ዝበለ ንባባት ብምክያድ፡ ንኣጠቓቕማኡ’ውን ብናቱ ተበግሶ፡ ንተጠቀምቲ ከሰልጥን ከምዝጸንሐን ዘሎን የዕልል።

ሙሴ፡ እቲ ኣነ ዝጀመርኩሉ ‘ፕላትፎርም’ ሃይፐርቨርስ እዩ፡ ብክሪፕቶ እዩ ዝሰርሕ። ብሓፈሻኡ ‘ገንዘብ ከፊልካ ኣባልነት ኢኻ ትዕድግ፡’ ገንዘብካ ድማ ተራቢሑ ይመጻካ ምዃኑ የቐምጥ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ካናዳ ንዝነብራ ተኻፈልቲ እዚ መኣዲ ዝዀና ሳሊትን በኒፈርን እውን ኣዘራሪብና ኢና። ንሳተን፡ ከም ኵሉ ሰብ ተዓዲመን ከም ዝኣተዋ እየን ዝገልጻ።

ሳሊት፡ ኣቐዲማ ነታ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ዙም ሓበሬታታት ደጋጊማ ድሕሪ ምስማዕ፡ “ዝተወሰነ፡ ከውፍሮ ይኽእል እየ ዝበልክዎ መጠን ገንዘብ ሰሊዐ” ኣትየ ትብል።

“መርሚረ ተረዲአ፡ ብናተይ ሓላፍነት ዝኣተኽዎ ድማ ንዝዀነ ሰብ ኣይወቅስን እየ፡” ብምባል ኣብዚ ጉዳይ ዝተፍጥረ እወታዊ ይዅን ኣሉታዊ ውጽኢቱ ናይ ባዕላ ሓላፍነት ምዃኑ እያ ትገልጽ።

መብዛሕትኦም፡ ብፍላይ ኣብዚ ፕላትፎርም ገንዘቦም ዝተበልዑ ሰባት ግን፡ “እቲ ረብሓ ጥራይ ከም ንርኢ ተገይሩ እዩ ዝግለጸልና ነይሩ፣ ‘ከይሓልፈኩም፡ ኣይሰማዕናን ከይትብሉ፣ ካብዚ ንንየው ናትኩም ጉዳይ እዩ…’ እናተባህለ እዩ ዝተነግረ፡” ብምባል እዮም ዘማርሩ።

በኒፈር ሓይለኣብ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝተጸንበረት ኰይና፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ‘መሶብ ፊዮሪ’ ዝተባህለ መኣዲ ከተውፍር ከምዝጀመረት እውን ትገልጽ።

እቲ ትካል ሃይፐርቨርስ፡ ነቲ ካብ ኣባላት ዝቕበሎ ገንዘብ እንታይ ስለዝጥቀመሉ እዩ ኣራቢሑ ዘኽስበና ደኣ? ኣብዚ ብቕሉዕ ዝፍለጥ ወፍሪ ይዅን ንግዲ ኣሎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣብ ከምዚ ዝበለ መኣዲታት ብንጹር ዘይምለስ ሕቶ እዩ።

“ይብላዕ ኣሎ ኢሎምና ኢና ክንበልዕ ጥራይ ኣቲናዮ” ዝብል ስሙ ክዕቀብ ዝደለየ ሓደ ኣባል ሃይፐርቨርስ፡ “ገንዘብና ቅድሚ ምሃብና እዩ እዚ ቀዳምነት ክሕተት ዝነበሮ ሕቶ፡” ብምባል ይዛረብ።

ሙሴን በኒፈርን እውን ኣብዚ ጉዳይ፡ እቲ ገንዘብ ሓንሳእ ምስ ተኸፍለ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ እቲ ትካል እንታይ ይገብሮ፣ “ካበይ ኣምጺኡ እዩ ንዓና ዕጽፍታት ገይሩ ክህበና ዝኽእል?” ዝብል ዝርዝራት ግን ከምዘይፈልጥዎን ከምዘይተነግሮምን ይገልጹ።

ዲጂታዊ ባጤራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንሳቶም፡ ጥራይ ብእምነት ‘ይርባሕ ኣሎ’ ተበሃሂልካ ነንትፈልጦ ሰብ ተጸዋዊዕካ ዝተኣትወ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ‘ቅሩብ ሕርኽርኽ’ ስለዝብለካ ግን፡ ካበይ እዩ ዝመጽእ እዚ ዅሉ ገንዘብ፡ ተባሂሉ ሕቶ ኣብ ዝስምዓሉ ግዜ፡ “ንሕና ገንዘብና ድላዮም ይግበርዎ ካብ ዘምጽኡ የምጽእዎ ኣይምልከተናን፣ ኣብ ረብሓና ጥራይ ነተኵር፡” ዝብል ምላሽ ካብ ቀንዲ ኣካያዲ ናይዚ ኮምዩኒቲ ከምዝተዋህቦም ይጠቕሱ።

“ዳርጋ ንዅላትና ሓድሽ ተመኵሮ ምዃኑ ድማ ክንመራመረሉ ኣየኽኣለናን፣ ከምዘለዎ ነቲ ዝበሃለና ክንኣምን ተገዲድና፡” ይውስኽ ሙሴ።

እቲ ዝበሃል ዝነበረ እንታይ እዩ? እቲ ዝግለጽ መኽሰባት ብመንጽር መጠን ገንዘብን ግዜ ከ ዝብል ሕቶ እዩ ዝስዕብ?

እቲ ረብሓ ብመንጽር እቲ ፈለማ ተውፍሮ ስለዝራባሕ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዘለዎ እዩ።

ንኣብነት ኣብቲ ሃይፐርቨርስ፡ ዘእተኻዮ ገንዘብ ብኣርባዕተ ተራቢሑ ይኽዘን፤ ካብቲ ዝተኸዘነ ድማ 0.5 ሚእታዊት ንመዓልቲ ይወርድ እሞ ብውሑዱ 50 ዶላር ዝኣክል ምስተዋህለለ ከተውጽኦን ክትጥቀመሉን ትኽእል፡ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ነዚ ዝያዳ ርዱእ ንምግባር፡ “ንኣብነት 1200 ዶላር እንተኸፊልካ፡ ብኣርባዕተ ተራቢሑ 4800 ኰይኑ ይኽዘነልካ። ካብዚ 0.5 ሚእታዊት መዓልታዊ ይውህለል እሞ 50 ምስ ኣኸለ ተውጽኦ ትኽእል፡ ብምባል ተስፋይ ዝገልጾ እዩ።

እዚ ዅሉ መብጽዓ ደኣ መወዳእታኡ እንታይ ኰነ? ዝብል ሕቶ እዩ ዝለዓል።

በኒፈር ሓይለኣብ

ምንጪ ስእሊ, Facebook. Benifer Haileab

መግለጺ ስእሊ, በኒፈር ሓይለኣብ

እዚ መኣዲ ኣብ መንጐ ጠፊኡ’ዩ ግን ብኸመይ?

ተስፋይ፡ ከምኡ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘይነበሮ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ዲጂታላዊ ዓለም ብዙሕ ናይ ስርቅን ምጥፍፋእን - ስካም፡ ኣሎ ይብል እሞ፡ እዚ ግን፡ ምስ ኣካየድቲ ናይቲ ትካል ብዝገበሮ ዝርርባትን መግለጺታቱን ፈቲሹ፡ ዝበለጸ፡ ኣርባሒ፡ ብዙሓት ህይወቶም ዝቕይሩሉ መኣዲ ክኸውን እምነት ከምዝነበሮ ይሕብር።

“ነቲ ካብቲ ትካል ዝመጽአ መምርሒታትን ሓበሬታን እዩ፡ ከም ዘለዎ ናብ ትግርኛ ተቐዪሩ ነቲ ናትና ኮምዩኒቲ ዝንገሮ ነይሩ፡ ዝውሰኽ ወይ ዝጐድል ኣይነበረን” ብምባል ንመግለጺ ተስፋይ እትሰማማዕ ሳሊት፡ “ከም ሃይፐርነሽን ሃይፐርኮስሞስን ካልኦት ተመሳሰልቲን ኣብ ዝመጽኡሉ’ውን፡ ዘየተኣማምኑ ብምዃኖም ክንስዕቦም ከምዘይብልና፡ ተስፋይ ብተደጋጋሚ ምኽሪ ሂቡ እዩ፡” ብምባል ሃይፐርቨርስ ግን ዝሓሸ ተኣማንነት ስለዝነበሮ ኢና ስዒብናዮ ትብል።

ብዝርዝር ቅድሚ ምብራሁ ሙሴ፡ “ብሓጺሩ፡ ውሱናት ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰባት ጥራይ ምስ ረብሑ እዩ ኣብ መወዳእታ ‘ኮላፕስ’ ኰይኑ ተዓጽዩ ብዙሕ ሰብ ገንዘቡ ተበሊዑ እዩ። ብዙሓት ኣብ ከቢድ ገንዘባዊ ቅልውላውን ጭንቀትን ዕዳን ወዲቘም ኣለው” ይብል።

በኒፈር ሓይለኣብ ኣብዚ ጉዳይ፡ “ኣነ ብውልቂ ኣይከሰርኩን፡ ዝተወሰነ ገንዘብ ረኺበ እየ፡” ብሓፈሻኡ ምስ ሙሴ እሰማማዕ፡ ብዙሓት ሰባት ገንዘቦም ተበሊዖም፡ “ሓላፍነት ዝወስደሎም ስኢኖም፡ እቶም ኣጐሳጕሶም ዘእተውዎም፡ ከምዘይፈልጥዎም፡ ካብቲ መድረኻት ዘተ ብሎክ ጌሮሞም፡ ዘይግቡእን ዘይሓለፍነታውን መልሲ፡ ክህብዎም ስለዝረኣኹ፡ እቲ ኣካይዳ ምትላል ዘለዎ ምዃኑ ስለዝተረድኣኒ እየ፡ ንሕልናይ ክዛረበሉ መሪጸ - እምበር ብውልቀይ ኣይከሰርኩን፡” ትብል።

ሳሊት ኣብዚ ጉዳይ፡ “እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ሓበሬታ፡ ኢንፎርምድ-ደሲሽን [ኣብ እኹል ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ውሳነ] ንምውሳድ ዘኽእል፡ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ፡” ብምባል፡ “ሰባት ንነገራት እንርድኣሉ መገዲ ከከም ድሕረ ባይታና ግን ይፈላለ” ምዃኑ ትገልጽ።

እቲ ሓበሬታ፡ ሰባት ንውሳነኦም ንኽሕግዞም ምዃኑ ገይራ ከም እትርድኦ'ውን ትዛረብ።

“ምሉእ ብምሉእ እምነት ዘይብሉ ሰብ፡ ዋላ ሓንቲ ሚእታዊት እውን ትዅን ጥርጣረ ዘላቶ ሰብ፡ ክሳብ ሚእቲ ሚእታዊት ዝኣምን ከይኣቱ ግንዛበ ሂብና ኢና” ብምባል፡ ተስፋይ ተኽለ ብዛዕባ’ቲ ብዙም ዝወሃብ ዝነበረ ሓበሬታ የረድእ።

በኒፈር፡ ምልስ ኢላ ነቲ ዝበሃል ዝነበረ ብምዝካር፡ “ገንዘብና ኣብ ባንክ ካብ ዝነቅዝ፡ ኣብዚ ኣዋፊርና ዘይንረብሕ፣ ሓቢርና ዘይንዓቢ፡ ይበሃል ስለዝነበረ፡ ብዙሓት ብቐረባ ዝፈልጦም፡ ኣብ ባንኪ ዝነበረ ገንዘቦም ኣውጺኦም፡ ካብ ባንክ ተለቂሖም፡ ካብ ኣንስቶም ኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ኣምጺኦም ኣሽሓት ዶላራት ከፊልም ተዀርምዮም ኣለዉ፡” ብምባል፡ “ድኻ ኤርትራዊ ክህልወና የብሉን፡ ንዝረኸብኩሞ ንገሩ…” ዝበሃል ዝነበረ ሕጂ ከምዘተሓሳስባ ተዘንቱ።

እቲ ቀንዲ ንኸምዚ ዝበለ ከቢድ ክሳራታት ዘቃልዐ ግን እንታይ እዩ? እቲ መስርሕ ከመይ እናበለ’ዩ ዓብዩ?

ኣብዚ እዋን፡ ብተበግሶኡ ሓድሽ ተለግራም ግሩፕ ከፊቱ፡ “ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝሕግዝ ኣስተምህሮታት” ዝህብ ሙሴ፤ “ብዛዕባ’ዚ መኣዲ ዝወሃብ ዝነበረ ሓበሬታ፡ ‘ቅድሚ ሕጂን ድሕሪ ሕጂን ከምዚ ዓይነት ትካል ኣይተመስረተን ኣይክምስረትን’ውን እዩ፤ ንምሉእ ሂወት ዝኸይድ ፕሮጀክት እዩ፤ ነቲ ዘዝተጠራቐመ ገንዘብ እናውጻእካ ቀቈንጢርካ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ ኣዋህሊልካ ዳግማይ ምስ እተውፍሮ - እንደገና ናብኡ እንተመሊስካዮ [‘ሪባይ’ - ወይ ‘እንደገና ዓድግ’ ዝብል ናቱ ኣገባብ ኣለዎ] ረብሓኻ ዝተዓጻጸፈ እዩ ዝኸውን፡" ዝብል ካብ ቀንዲ ጐስጓሳት፡ ሰብ ዘዳህለለ ዘረባታት ከምዝነበረ፡ እቲ ሰብ ድማ "ሕጂ ተጸሚመ ንመዋእል ዝረብሓሉ መኽሰብ ይሓይሽ ኢሉ፡ ነቲ ዝውህለል ዝነበረ ስቕ ኢሉ ይርእዮ ነይሩ፤ ሃንደበት ግን እቲ ትካል ደው ኢሉ፡ ሕጂ ህጣሙ’ውን ዳርጋ የለን- ዝበዝሕ ተበሊዑ ተሪፉ፡” ኢሉ ይዝርዝር።

ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ እቲ ዝውህለል ገንዘብ ብመጠን 50 ዶላር ምስ ኣኸለ ከተውጾኦ ዝከኣል ኰይኑ፡ ሰባት ግን ካብ ምውጻእ እንደገና ከም ዘውፍርዎ ብምግባር ድርብ ረብሓ - ኮምፓውንድ ኢንተረስት - ንኽረኽቡ ከም ምኽሪ ዝንገር ዝነበረ እምበር፡ “ገንዘብካ ኣይተውጽእ!” ዝብል ግዴታ ከምዘይነበረ፣ ተስፋይን ሳሊትን የብርሁ።

ብዛዕባ እቲ ትካል እንታይ ይፍለጥ?

ሙሴ፡ ክንዮ’ዚ ኮምዩኒቲ ዘሎ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝኣከቦ ሓበሬታ ከካፍል እንከሎ፡ ‘እቲ ትካል እንታይ እዩ፣ ኣካየድቱ በዓልመን እዮም፣ ኣካይዳኦምን ስርሖምን ከ ሕጋውነት ነይርዎ’ዶ ንዝብል ሕቶ ዝተሓላለኸን ብቐሊሉ ክምለስ ከምዘጸግምን፡ የረድእ።

በኒፈር ብወገና፡ ዲጂታዊ ባጤራ ካብቲ ብልሙድ እንፈልጦ ኣሰራርሓ ባንክን ገንዘብን ፍልይ ዝበለ ዘይተማእከለን ካብ ቍጽጽር ሓራ ዝዀነን ስለዝዀነ፡ ክትርድኦ ከቢድ እዩ፡ ትብል።

ሙሴ፡ ‘ሓደ ካብቶም መስረትቲ፡ ሪያን ሹ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጸጥታ ኣሜሪካ ነበር ቻይናዊ እዩ፤ ካልኣዩ ሳም - ሊ ዝተባህለ ቻይናዊ ኣውስትራልያዊ እውን፡ ምስ ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ናይ ዓበይቲ ሃገራት ዝራኸብ፡ ኣብ ጉዳይ ክሪፕቶ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ መግለጺ ዝገብር ዓቢይ ሰብ እዩ፤ ነዚ ኢና ሒዝና ዘለና ነዚ ምስዓብ ማለት … ‘ እናተባህለ ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ፤ ኵሉ እዚ ግን ሓሶት’ዩ ክብል ይምጕት።

ብፍላይ ሳም-ሊ ብምትላል ‘ስካመር’ ዝድለ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ በሪሁሉ እዩ ሕጂ፡ ኢላ በኒፈር ትውስኽ።

ንሳም-ሊ ግን ተስፋይ ብኣካል ኣብ ዱባይ ረኺቡ ብዕቱብ ከም ዘዘራረቦ ብምግላጽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ብቐጥታ ብዙም ቀሪቡ፡ ክኽሕስን ሰባት ዝረብሑሉ ኣገባብ ኣሰራርሓ ከተኣታቱን ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወ ብምግላጽ፡ “ንሕና ድማ ሰባት ኢና ኣሚንናዮ፡” ብምባል ነቲ ኵነታት ተረድእ።

ንዝወረደ ክሳራ ኣመልኪታ በኒፈር ሓሳባ ክትህብ እንከላ፡ ኵሉ ከሲሩ’ዩ ማለት ኣይኰነን እቶም ፈለማ ዝኣተዉን ብቐጻሊ ገንዘብ ዘውጽኡ ዝነበሩን ግን መጠኑ ዝፈላለ፡ ዘይከሓድ መኽሰባት ረኺቦም እዮም፡ ትብል።

ሙሴ ግን እቶም ዝረብሑ፡ ሒደት ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ እዮም፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ጥራይ እዮም፡ ምስቲ ዝኸሰረ ሰብ ክነጻጸር ዘይክእል’ዩ፡ ብምባል ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ከምዝፈልጥ ይዛረብ።

ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ ካብ ናይ ዓመታት ትዕዝብቲን ዘዋህለሎ ሓበሬታን ተመኵሮን ነቒሉ፡ “እቲ ናይ ሓበሻ ኮሚኒቲ ዝበሃል ልዕሊ 10 ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ዝነበርዎ እዩ፤ በብግዚኡ ከሲሮም ዘልገሱን ሓደስቲ ዝመጹን ዝወጹን ዘለዉን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡” ይብል።

“ቪኣይፒ 5፡ ቪኣይፒ 4 እናተባህለ ደረጃታቱ ብዝፈላለ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ መዓልታዊ ብታሕቲ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ዝኣትዉሉ እቶም ላዕሊ ዘለዉ በዓል ተስፋይ ረብሓታቶም እናተባዝሐ እዩ ዝኸይድ… ከምኡ እዩ ኣቃውማ ናይቲ ፕላትፎርም፡ ሰብ እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ እቲ መዓልታዊ ትረኽቦ ይበዝሕ” ብምባል የረድእ።

መኽሰብን ክሳራን

እታ ብውልቂ፡ ከም ብዙሓት ንሳ’ውን ከምዝኸሰረት እትገልጽ ሳሊት፡ “ይሰርሕ ከምዘለኹ’የ ዝርእዮ፡ ከጋጥም ንዝኽእል ክሳራ ይዅን መኽሰብ ድማ ተዳልየ እየ ነይረ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብዚ እዋን ናይ ኵሉ ሰብ ገንዘብ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ፡ ተስፋይ’ውን ከምሰቡ ገንዘቡ ተታሒዙ እዩ ዘሎ፡” ትብል።

ሙሴ ግና “እወ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ፡ ግን መዓልታዊ ይረኽብዎ ብዝነበሩ ገንዘብ፡ ርእሰማሎም ኣምሊሶም ዘይተኣደነ መኽሰብ ረኺቦም እዮም፡” ዝብል ምላሽ ይህብ።

ተስፋይ ንክሳራን መኽሰብን ኣመልኪቱ፡ ዝኸሰበን ዝኸሰረን ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኮምዩኒቲ ሓበሻ ክንደይ ገንዘብ ተዋፊሩን ዝምልከት ዝርዝራት ግን ካብቲ ትካል ጥራይ ክርከብ ከምዝኽእል የመልክት።

ሳሊት፡ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባት፡ “ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰብ፡” ገንዘቡ ከምዘውፈረ ትገልጽ። ብመጠን ገንዘብ ክርአ እንከሎ ድማ ሙሴ እቲ ናይ ሓበሻ ኮሙኒቲ ክግመት ይከኣል እዩ ብምባል፡ “200 ሽሕ ዶላር፡ 150 ሽሕ… 100ሽሕ ዘእተዉ ኣለዉ፤ 80፡ 60፡ 50 ሽሕ ብዙሕ እዩ ከምኡ እናበለ ክሳብ ዝተሓተ 100 ዶላር ዝኸፈሉ፡ ብጠቕላላ ብገምጋም ኣብታ ሃይፐርቨርስ እትበሃል ጥራይ ብዙሓት ዝተጠርነፍናላ መኣዲ፡ ብውሑዱ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ካብ ናትና ኮምዩኒቲ” ኣትዩ እዩ ዝብል ገምጋም ከምዘለዎ ይገልጽ።

እዚ ዅሉ ገንዘብ ዝተቐበለ ትካል ግን ኣበይ ኣተወ? ብዛዕባኡ ኸ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ዝፍለጥ ነገር ኣሎ? ቀንዲ ክምለስ ዝግባኦ ሕቶ እዩ።

ሙሴ፡ “ፈለማ ንጽገና 1-2 ወርሒ ግዜ የድሊ ተባሂሉ እዩ ጀሚሩ፤ ብኡ ኣቢሉ ግን ሃጢሙ። ግዜ እናነውሐ ምስ ከደ፡ ሰብ ብዛዕባ ገንዘቡ ክዛረብን ክሓትትን ምስ ጀመረ፡ ተስፋይ ብቓሉ “ዋን ኤክስ፡ ማለት እቲ ፈለማ ዝኸፈልካዮ ከይተራብሐ - ናብ ዝኸዶ የብሉን፡ ረብሓ እንተተረፈ ገንዘብኩም ክምለሰልኩም ምዃኑ የረጋግጸልኩም፡” ክብል ከም ዝሓበረ ይዝክር።

እቲ፡ ብተበገሶይ እምበር ወግዓዊ ተወካሊ ናይቲ ትካል ኣይኰንኩን ዝብል ኣቶ ተስፋይ ግን፡ ነቲ ገንዘብ ንምምላስ ብዙሕ ጻዕሪታትን ርክባትን ከምዝገበረን ይገብር ከምዘሎን ይጠቅስ።

ብዙሓት ኣብዚ መኣዲ ገንዘቦም ዝሓወሱ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰባት፡ እቲ ቅድሚ መበሃሃሊ ዝነበረ መድረኽ ተሌግራም፡ ንዝተወሰኑ ጥራይ ኰይኑ፡ እቲ ዝበዝሕ ሰብ ተኣጊዱ፡ ኣብ ኣኼባታት ድማ እቶም ተዳልዮም ዝመጹ ‘ኣምባሳደራት’ ዝተሰምዩ ተረባሕቲ ጥራይ ምስክርነት ከም ዝህቡ ክግበር ጸኒሑ’ዩ ኢሎም የማርሩ።

ነዚ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ብምስታፍ ተኸታቲሉ ኣረጋጊጽዎ እዩ።

ሙሴ መንግስተኣብ

ምንጪ ስእሊ, Mussie

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ሙሴ መንግስተኣብ

ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ

እዚ ተሓታቲ ዘይብሉ ስራሕ፡ ብዘይካ’ቲ ገንዘባዊ ዕንወቱ፡ እቲ ኣብቲ መኣዲ ዝተሳተፈ ኣባል’ቲ ኮምዩኒቲ ፈጢርዎ ዘሎ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ሕማም፡ ኣብ ሰብ ሓዳር ተፈጢሩ ዘሎ ምጭቕጭቕ፡ ዕዳኻ ንምምላስ ይዅን ካብ ኣለቃሕትኻ ዘሎ ምህዳምን ዕግርግርን ንምግላጹ ከቢድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ይገልጹ።

ንሓደ ካብቶም መስረትቲ ዝዀነ ሳም-ሊ ኣብ ዱባይ ንምኽሳሱ ሕጋዊ ተበግሶ ተጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ግን ተስፋ ኣለዎ ድዩ?

ተስፋይ፡ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ብውሑዱ ፊርማኻ ምሃብ ወሳኒ ምዃኑን፡ ኣብኡ ኣተኲርካ ምስራሕ ከምዝግባእን የዘኻኽር።

ብዙሓት ግን፡ ዲጂታዊ ባጤራ ዘይምእኩል ስለዝዀነ እንታይ ኣበይ ኣሎ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምግላጽ ብዙሕ ተስፋ ከምዘይብሎም ይገልጹ።

ንባዕሉ እቲ ሚልዮናት ገንዘብ ሕጋውነት ነይርዎ ድዩ? ግብሪ ተኸፊልዎ ዶ? ዝብል ጣጣ እውን ሒዙ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ትብል በኒፈር፡ “እንዳ ሕጊ እንተኼድካ ንዅልኻ እዩ” ብምባል ከኣ ስክፍታኣ ትገልጽ።

እዚ ይዅን ግን ኮሙኒቲ ሓበሻ ክቕጽል ጸኒሑ’ዩ፤ እዚ ኵሉ ክሳራን ቅልውላውን ኣጋጢሙ እናተባህለ ደኣ ብኸመይ?

ተስፋይ፡ ብሓፈሻኡ ነቲ ዝተጀመረ ገንዘብና ዘፍሰስናሉ ዝምልከት ሓበሬታ ምውህሃብ ጥራይ እምበር ሓድሽ ተበግሶ ከምዘየለ ይገልጽ። እዚ ኸኣ፡ ምስ ሃይፐርቨርስ ተተሓሒዙ ዝመጸ መድረኻት ከመይ ኣቢልካ ገንዘብካ ተወጽእን ሓበሬታ ትህብን፡ ግድን ክግበር ስለዝግባእ ምዃኑ ገሊጹ።

በኒፈር፡ እቶም ገለ ዝተጠቕሙ፡ ገለ ድማ ገንዘብና’ዶ ነምልስ ንኸውን ብዝብል ተስፋ ዝሓዙ፡ ሓደስቲ ድማ ልክዕ ከምቲ ንሕና ዝኣተናሉ፡ ተጸዋዊዖም ረብሓ ኣሎ ኢሎም እዮም ዝመጹ ዘለዉ ክትብል ትገልጽ።

ሙሴ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ፕላትፎርም፡ ክሳብ ስልጠናታትን ኣስተምህሮታትን ይህብ ከምዝነበረ ብምእማን፡ ደሓር ግን “እቲ ኣካይዳ ተዓዚበ ተኣልየ፡” ብምባል፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኵላትና ኣሚንናሉ ፈቲንናዮ ኔርና ኢና ብምባል፡ ደሓር ግን ኵነታት ርኢኻ፡ እዚ ኵሉ ሰብ ኣብ ከቢድ ክሳራ ቅድሚ ምውዳቝ ደው ክብል ይግባእ ከምዝነበረ ይገልጽ።

እዚ ዝተረኽበ ተጓንፎ ዘሕዝን ምዃኑ ዝገልጽ ተስፋይ፡ “ዝዀነ ኰይኑ ዲጂታዊ ባጤራ ብሓፈሻ፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዝመጸ ስለዝዀነ፡ ክትሃድመሉ ከምዘይከኣልን፡ እናተመኰርካሉ እተመሃርካሉን፡ ምስ ኵሉ ዘይተገማቲ ሓደጋታቱ፡ ብዝበለጸ ውሑስ መገዲ ብውልቂ ይዅን ከም ሕብረተሰብ - ክንፈልጦን ክንርድኦን ግን ግድን እዩ፡” ብምባል የዘካኽር።