ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ቅሩብ ኣይበዝሐን’ዶ?

ሕርናኸ ደው ዘብል መተርኣስ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕርናኸ ደው ዘብል መተርኣስ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ

"ንዑ መተርኣስ ሰብሰርሖ ብልሒ ውሰዱ - ሎሚ ምሸት ምሕርናኽ ደው ክተብሉ ኢኹም!" ዝብል ድምጺ ሰሚዐ።

ማሕበር ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ምርኢት ሓደስቲ መሳርሒታት ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ እናተዘዋወርኩ ከለኹ እዩ እቲ ድምጺ ኣቓልቦይ ዝስሕብ።

ወይለከ መተርኣስ ሰብሰርሖ ብልሒኸ እንታይ ገባሪ እዩ?

ሞሽን ስሊፕ ዝተባህለ ኩባንያ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብቲ ምርኢት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣዳራሻት ዝሓዘ እዩ። ስለዝገረመኒ ናብኡ ኣትየ።

መጀመርታ ብዛዕባ ሳዕቤን ሕማቕ ድቃስ ገለ ርኽበታት ቀሪቡለይ። ሓደ ካብዚኦም ብሰንኪ ብዕጉግ ምግናሕ መኪና ክንደይ ዝኣክል ሓደጋታት ከምዘስዕብ ዘመልክት እዩ። ካልእ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ምቁራጽ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጽልዋ ይገልጽ።

እቲ ኩባንያ መፍትሒ ኢሉ ዘቕረቦ፡ ምሕርናኽ ዘለሊ መተርኣስ እዩ። ብድሕሪኡ ኣየር ናብ ዝተፈላለየ ክፍልታት እቲ መተርኣስ ይኣቱ እሞ ነቲ ርእስና ቀስ ኢሉ ልዕል ክብል ይገበር። እዚ ድማ ነቲ ዝሕርንኽ ሰብ ክግልበጥ ይገብሮ - ብክልሰ-ሓሳብ ነቲ ሕርናኸ የቃልሎ ኣሎ ማለት እዩ።

እዚ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝቐረቡ ጽቡቕ ፍርያት ሓደ እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተቐባልነት ክረኽቡን ዘይክረኽቡን ዝኽእሉ ምህዞታት ኣሽሓት እዮም።

እዚ መተርኣስ ግን ዝተፈለየ ከምዝዀነ ተነጊሩና። እዚ መተርኣስ ሰብሰርሖ ብልሒ ዝጥቀም እዩ።

"ብሰብሰርሖ ብልሒ፡ ብፍላይ ክትሕርንኽ ከለኻ እንታይ ዓይነት ድምጺ ከምእተስምዕ ንምፍላጥ ክኽእል ተገይሩ ዝሰልጠነ'ዩ" ይብል ሓደ ወኪል እቲ ትካል።

"በዚ መንገዲ ኣብ መንጐ ምሕርናኽ፡ ድምጺ ቲቪን ወይ ኣብ ደገ ዘለዋ መካይንን ክፈሊ ይኽእል።"

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ቫክዩም መጽረዪ ሰውራዊ ለውጢ ከስዕብ ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, SAMSUNG

መግለጺ ስእሊ, ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ቫክዩም መጽረዪ ሰውራዊ ለውጢ ከስዕብ ይኽእል ድዩ?
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መተርኣስ፡ ሰብሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ዝህቦ ፍሉይ ሓይሊ ንኽንኣምን ዝድርኽ እንኮ መሳርሒ ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ሳምሰንግ ምርኢት፡ ብሰብሰርሖ ብልሒ ንዝነጥፉ ናይ ገዛ መሳርሒታት ምሉእ ክፍሊ ተመዲብሎም እዩ።

ንቡር ዝመስል ግን ንእሽቶ ፍልልይ ዘለዎ ኤኣይ ቫክዩም መጽረዪ ኣርእዮምኒ።

"ኤኣይ" ዝበሃል መተግበሪ ዘለዎ ኰይኑ፡ እዚ ዓይነታት ቦታታት ክግምግም ዘኽእሎ ይመስል። ብድሕሪኡ ብኡ መሰረት ዝተፈላለየ ደረጃታት ምጽራይ ከካይድ ይኽእል።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጭርቕቲ ከተለሊ ትኽእል እያ ዝተበሃለት ኤኣይ መሕጸቢት ማሽን እውን ኣላ - ‘ኤኣይ ዎሽ’ ትበሃል።

"ኤኣይ ዋሽ ክብደትን ደረጃ ርስሓትን ናይቲ ክዳን ንምልላይ ሃዋሲታት (ሴንሰርስ) ትጥቀም፤ ብመሰረት እቲ ትረኽቦ ሓበሬታ ድማ መጠን ማይ፡ መንጽሂ ከምኡ'ውን ንክንደይ ግዜ ክሕጸብ ከምዘለዎ ትውስን" ይብል ጋዜጣዊ መግለጺ ሳምሰንግ።

እታ መሕጸቢት ማሽን ብሓቂ ከመይ ጌራ ኤኣይ ከምእትጥቀም ክሳብ ሕጂ ተገሪመ ኣለኹ።

እታ ማሽን፡ "ብዛዕባ ክዳውንትኻ ትርዳእ እያ" ይብል እቲ ዘርእየኒ ዝነበረ ወኪል ሳምሰንግ። እቲ ምድንጋረይ ግን ኣይጠፍአን።

ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ምርኢት፡ ኤኣይ መስትያትን ዋላ’ውን ኤኣይ ኣስባስላ ስኒ ከይተረፈ ርእየ። ብኤኣይ ክመሓየሽ ዘይክእል ዝዀነ ፍርያት ዘሎ ኣይመስልን።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ምናልባት ኵለን እተን ኩባንያታት ገለ ዓይነት ፍርያት ኤኣይ ከቕርባ ከምዘለወን ካብ ኣውፈርትን ወነንቲ ኣክስዮንን ጸቕጢ ይገጥመን ስለዘሎ እዩ፣ ምኽንያቱ ኤኣይ ኣቓልቦን ወፍርን ስለዝስሕብ።

ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ኤኣይ ዝዛረብ ዘሎ፡ ትካል ‘ኦፕንኤኣይ’ ንምእማኑ ዘጸግም ዕዉት ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ብምጅማሩን ከምኡ’ውን ኤኣይ ልዑል ዓቕሚ ስለዘለዎን እዩ።

ይዅን’ምበር ኤኣይ ኣስባስላ ስኒን ኤኣይ መተርኣስን ግን ካብ ቻትጂፒቲ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸደ እዩ።

እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸገማት ኤኣይ ክነልዕል ይገብረና። ኤኣይ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ መብርሂ ወይ ትርጕም የብሉን።

"ኤኣይ ዘይሕለፍን ዘይፍወስን ድሩትነት ኣለዎ" ይብል ኤሪክ ሲግል ዝተባህለ ክኢላ ትምህርቲ ማሽን።

ኣድማሳዊ ተቐባልነት ዘለዎ መብርሂ ወይ ትርጕም ዘይምህላው ድማ፡ ኵሎም ነገራት ኤኣይ ልዑል ምውዕዋዕ የጋጥሞም ኣሎ ማለት እዩ።

ገለ ካብዚኦም ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ዘይተነግረሎም ግን ድማ ድሮ ኤኣይ ዝነበሮም ፍርያት እዮም። ሕጂ ናይ ኤኣይ ዓቕሞም፡ ዋላ’ኳ ድሩት እንተዀነ፡ ይጋነን ኣሎ።

ኣብዚ ዕብዳን ነገራት ኤኣይ ግን ጸገም ኣሎ፤ ዓቕሚ ኤኣይ ከምዘለዎም ዝገልጻ ኩባንያታት ብሓቂ ፍርያተን ትምህርቲ ማሽን ዝጥቀሙ ኣይኰኑን።

ኮሚሽን ንግዲ ፌደራል ኣሜሪካ፡ ትርጕም ኤኣይ ዘጋንና ኩባንያታት ዝምልከት መዘኻኸሪታት ምኽሪ ኣውጺኡ እዩ።

"እቲ ፍርያት ብሓቂ ብፍጹም ኤኣይ ይጥቀም ድዩ? ፍርያትኩም ክእለት-ኤኣይ ኣለዎ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ምጕት ሒዝኩም ተምልጡ እንተመሲልኩም ደጊምኩም ሕሰብሉ" ይብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ዝወጸ መዘኻኸሪ።

ይዅን እምበር ኣብቲ ተመሳሳሊ መዘኻኸሪ፡ እቲ ኮሚሽን ኤኣይ "ብዙሕ ትርጕማት ክህልዎ ዝኽእል ዘይንጹር ቃል" ምዃኑ ከምዝቕበል’ውን ይገልጽ።

እዚ ድማ ንተጠቀምቲ ጸገም ምዃኑ ብንጹር ይርአ - ንጋዜጠኛታት እውን ጸገም እዩ። ንዓመታት ኣብ ፍርያተን ኤኣይ ንጥቀም ኣለና ዝብላ ኩባንያታት ጸብጻባት ሰሪሐ እየ። እተን ኩባንያታት መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ምጕት ዝድግፍ መርትዖ ኣይህባን።

እዚ ድማ ብሓቂ ኤኣይ ይጥቀማ ድየን ኣይጥቀማን ንምፍላጥ ጸገም ዝፈጥር እዩ።

ብኩባንያ ራቢት ዝተሰርሐ ኣር1 (R1) ጀነሬቲቭ ኤኣይ ይጥቀም

ምንጪ ስእሊ, RABBIT

መግለጺ ስእሊ, ብኩባንያ ራቢት ዝተሰርሐ ኣር1 (R1) ጀነሬቲቭ ኤኣይ ይጥቀም

ገለ ኩባንያታት ድሮ ኣጠቓቕማ ናይቲ ኤኣይ ዝብል ቃል ኣንጻር ኣፍራይነት ከምዝዀነ ተረዲአን ኣለዋ። ኣብዚ ዓመት ኣብ ማሕበር ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ጽቡቕ ግምገማ ዝረኸበ ሓደ ፍርያት፡ ብኩባንያ ራቢት ዝተሰርሐ ኣር1 (R1) እዩ። እቲ ከም ስልኪ ዝመስል መሳርሒ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ይጥቀም - ተጠቀምቲ ድማ መተግበሪታት ምጥቃም ከየድለዮም ንጥፈታት ክእዝዙ የኽእሎም። ንኣብነት ከም በረራ ወይ ታክሲ ንምእዛዝ ይውዕል።

እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣር1 ግን ኤኣይ ዳርጋ ኣይተጠቐሰን። ኣብ ክንድኡ እቲ ኩባንያ ብዛዕባ መሰረት ሞዴላት እዩ ዝገልጽ።

ናብ ሳምሰንግ ምስ ተመለስኩ፡ ብንጹር ጀነሬቲቭ ኤኣይ ዝጥቀም ፍርያት ፍሪጅ ረኺበ፤ እቲ ፍሪጅ ዝሓዞ መግቢ ዝትንትንን ኣሰራርሓ መግቢ ክሕብር ዝኽእልን እዩ። ኣብ መወዳእታ ቅሩብ ኤኣይ ዝመስል ነገር እየ ርእየ።

ደሓር ግን ካልእ ሕቶ ተራእዩኒ። ፍሪጀይ ኣሰራርሓ መግቢ ክነግረኒ የድልየኒ ድዩ? ፍሪጀይ ምኽሪ ኣሰራርሓ መግቢ ስለዘይህበኒ ተስፋ ምቝራጽ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።

ስለዚ ንሕጂ፡ ኤኣይ ዘይብሉ ፍሪጅ፡ ኤኣይ ዘይብሉ መሕጸቢ ማሽንን ከምኡ’ውን ኤኣይ ዘይብሉ መተርኣስ ክጥቀም እየ።

ካልኦት ሰባት እውን ከምኡ ዝገብሩ ይመስለኒ።