ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ስለምንታይ እዩ ዘይማዕርነት ከየጋድድ ዘስግእ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሰብሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ንኣስታት 40 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ስርሓት ክጸሉ ምዃኑ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ) ዘውጸኦ ሓድሽ ጽብጻብ የመልክት።
ማነጂን ዳይረክተር ኣይኤምኤፍ ክርስታሊና ጆርጂቫ “ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት፡ ሰብሰርሖ ብልሒ ሓፈሻዊ ዘይፍትሓውነት ከጋድድ እዩ” ትብል።
“እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ማሕበረሰብ ተወሳኺ ወጥሪ ከይፈጠረ፡ ኣርቀቕቲ ፖሊሲ “ነዚ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ መስርሕ” መፍትሒ ክገብሩሉ እውን ጸዊዓ።
ምስፍፋሕ ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ጥቕሙን ጉድኣቱን ኣብ መርመራ ክኣቱ ገይሩዎ ኣሎ።
ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ኣስታት 60 ሚእታዊት መጠን ስራሕ ጽልዋ ከምዝህልዎ እዩ ኣይኤምኤፍ ዝገልጽ። ካብዚ ተርእዮ ኣብቲ ፍርቂ፡ ሰራሕተኛታት ምስ ሰብሰርሖ ብልሒ ብምውዳድ ምህርቶም ኣብ ምስሳን ክጥቀሙ ትጽቢት ይገብሩ።
ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታት ግን ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብዚ እዋን ብሰባት ዝስርሑ ቀንዲ ስርሓት ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ክህልዎ እዩ። እዚ ድማ ጠለብ ሰራሕተኛታት ክቕንስ፡ መሃያ ክጸሉን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ስርሓት ከጥፍእ ይኽእል።
ብተመሳሳሊ ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ቴክኖሎጂ ን 26 ሚእታዊት ስርሓት ክጸሉ እዩ ይብል ኣይኤምኤፍ።
“መብዛሕተአን ካብዘን ሃገራት ረብሓ ሰብሰርሖ ብልሒ ንምዕባይ ዘኽእል ትሕተ ቅርጽን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን የብለንን፤ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ፡ ቴክኖሎጂ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘይማዕርነት ክዓቢ ናይ ምግባር ሓደጋ ኣለዎ” ትብል ጆርጂቫ።
ብሓፈሻ፡ ዝለዓለ መሃያ ዝኽፈሎምን መንእሰያትን ምስ ሰብሰርሖ ብልሒ ምስተላመዱ፡ ምስ ካልኦት ዘይመጣጠን ዝለዓለ ወሰኽ መሃያ ክረኽቡ ይኽእሉ።
ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ድማ ድሕሪት ክተርፉ ከምዝኽእሉ ኣይኤምኤፍ ይኣምን።
ክርስታሊና ጆርጂቫ ከምእትብሎ፡ ሃገራት ተቓላዕነት ንዘለዎም ሰራሕተኛታተን “ዝተዋደደ ማሕበራዊ ውሕስና ከተኣታትዋን ስልጠናታት ክህባን” ኣለወን።
“ነዚ ብምግባር ምስግጋር ሰብሰርሖ ብልሒ ሓቋፊ፡ መነባብሮ ዝሓለወን ዘይማዕርነታዊነት ዝከላኸልን ክንገብሮ ንኽእል ኢና።”
ትንታነ ኣይኤምኤፍ ነጋዶን ፖለቲከኛታትን ዓለም ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ዓቢይ ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካቦም፡ ሰብስርሖ ብልሒ ሓደ መዘራረቢ ዛዕባ ናይቲ ኣኼባ እዩ።
እንተዀነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ቴክኖሎጂ ጥቡቕ ቍጽጽር እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰብመዚ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ዓለም ፈላማይ ዝተበሃለ ሰብሰርሖ ብልሒ ንምቍጽጻር ዘኽእል ሕጊ ንምውጻእ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ፡ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ረቂቕ ሕጊ ሰብሰርሖ ብልሒ ድምጺ ዝህብ ኰይኑ፡ ክሳብ 2025 ግን እቲ ሕጊ ተፈጻሚ ኣይክኸውንን እዩ።
ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ ቻይናን እውን ነናይ ገዛእ ርእሰን መምርሒ ኣጠቓቕማ ሰብሰርሖ ብልሒ ከውጸኣ ገና ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







