ሱዳን፡ ‘ደቂ ሰባት ኣብዚ ዋጋ የብሎምን’

ሬሳታት

*መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ሰባት ከሰንብዱ ዝኽእሉ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ።

ነባሪት ኤል-ፋሸር፡ ሳድያ (ስማ ዝተቐየረ) ኣብ ገዝኣ ነታጒ ክዓልብ እንከሎ ኣብ እንዳ ጎረቤታ’ያ ነይራ።

ብጉያ ናብ ገዝኣ ምስ ከደት እቲ ኣብ ድሕሪ ገዝኣ ዝዓለበ ነታጒ ንኽልተ ደቓ ከምዝቐተለ ፈሊጣ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብታ ተኸቢባ ዝነበረት ከተማ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ከቢድ ግጭት ተላዒሉ ነይሩ።

ሳድያ፡ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ከምዝበለቶ፡ ናብ ገዝኣ ተመሊሳ ዝረኣየቶ ነገር ክትኣምን ኣይከኣለትን።

"ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ፡ ደቀይ ሰማርን ሳሃርን ኣብ ማእከል ቤተን ተቖራሪጸን ረኺበየን፤ ኣቦአን ኣብ ጥቓአን ተደፊኡ ይበኪ ነይሩ" ትብል።

ዛንታ ጉህይቲ ኣደ

“ኣብ ክንዲአን ኣነ እንተዝመውት ተመንየ።”

ሳድያ እቲ ዘጋጠማ ስንባደ ከይዘሓለ እንከሎ፡ ኣውያት ካልኦት ጎረባብቲ’ውን ሰሚዓ።

ፍንጭልጫል ናይቲ ኣብ ድሕሪ ገዛ ዝዓለ ነታጒ ኣብ ገዛ ጎረባብቲ ከም ዝበጽሐን ርያድ ዝተባህለ ወዶም ከም ዝቐተለን ድማ ፈሊጣ።

ሳድያን በዓል ቤታን ካብ ገዝኦም ወጺኦም ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መዓስከር ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ክኸዱ ወሲኖም።

ሳድያ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣቀባብላ ከምዝተገብረላን፡ ኣብ መጀመርታ ህድኣት ተሰሚዕዋ ከምዝነበረን ትዛረብ። እዚ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን - እቲ መዓስከር ዒላማ ነፈርቲ ሰራዊት ሱዳንን መዳፍዕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኰይኑ።

"ምስ ሓደ ወደይ ንሓዋሩ ካብ ኤል-ፋሸር ክወጽእ ወሲነ፡ በዓል ቤተይ ግን እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ከይቐትልዎ ወይ ከይኣስርዎ ስለዝሰግአ ኣብኡ ክጸንሕ ወሲኑ" ትብል።

ካብ ኤል-ፋሸር ምውጻእ ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን’ኳ እንተዀነ ሳድያ ግን ኣማራጺ ዘለዋ ኰይኑ ኣይተሰምዓን።

"ጸሓይ ቅድሚ ምብራቓ ኣንጊህና ምስ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ሓያሎ ስድራቤታት ብመኪና ተበጊስና። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ኵነታት ብተዛማዲ ሃዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ብዘይካ ውሑዳት [ዘይተሓሰቡ] ጠያይት ንኻልእ ሓደጋ ኣይተቓላዕናን።"

እታ ጉጅለ ንሓያሎ ሰዓታት ተጓዒዛ፡ ብሓያሎ ነቑጣታት ሓሊፋ ኣብ ከተማ መሊት ክትበጽሕ ከም ዝኸኣለት ወሲኻ ገሊጻ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣብታ ጉጅለ ዝዀነ ሓደጋ ዘይበጽሓሉ ምኽንያት ምስኦም ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ መንእሰያት ስለ ዘይነበሩ እዩ።

ብተወሳኺ እቲ መራሒ መኪና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቑጣ መፈተሺ ንወተሃደራት ገንዘብ ይኸፍል ነይሩ።

"ኣዝዩ ንግሆ ስለዝነበረ ኣብ ገለ ነቑጣታት መፈተሺ ሰብ ኣይነበረን" ትብል።

ምዉታት ብዘይ ወረቐት ምስክር ይቕበሩ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤል-ፋሸር ኣብ መላእ ዞባ ዳርፉር ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን እትርከብ እንኮ ከተማ ኰይና፡ ብስትራተጂካዊ መዳይ ኣገዳሲት እያ።

ካብ ቁጽጽሮም እንተወጺኣ ድማ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ዝያዳ ብሑመድቲ ዝፍለጥ መራሒኦም መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ንምሉእ ዞባ ዳርፉር ክቆጻጸሩ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ሰሜናዊ ማእከላት ሱዳን ምብጻሕ ዝከኣለላ እንኮ ዓባይ ከተማ እያ፤ ብተወሳኺ ድማ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ካብ ወደብ ፖርት ሱዳን ንዝመጽእ ቆንስልታት ሰብኣዊ ረድኤት ቀንዲ መእተዊት’ያ።

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭታት ብዓቢኡ ካብ ዓለምን መርበብ መራኸቢታትን ተቖሪጹ ይርከብ።

ዋና ጸሓፊ ማሕበር ጠበቓታት ዳርፉር ሳዲቅ ሓሰን ዝጸልመተ ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ። ወግዓውያን ሰብመዚ ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ግጭት ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 150 ክኸውን ከምዝኽእል ክግምቱ እንከለዉ፡ ማሕበር ጠበቓታት ዳርፉር ግን ብዕጽፊ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግምት።

ገለ ነበርቲ "ዝሞቱ ኣዝማዶም ብዘይ ወረቐት ምስክርን ከምኡ’ውን ናብ ሆስፒታላት ከይወሰዱን ይቐብሩ ኣለዉ" ይብል ሳዲቅ ሓሰን።

"ደቂ ሰባት ኣብዚ ዋጋ የብሎምን።"

ሲቪላት "ብዘይ ምኽንያት ብጭካነ ይቕተሉ፡ ተቓለስቲ ድማ ሰላማውያን ሰባት በጃ ገይሮም ይዋግኡ ኣለዉ" ይብል።

ሓሰን ከምዝሕብሮ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት ይጥቀመሉ ኣለዉ። "ኣብ መንጎ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ነብሰ ቅትለት ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጹ ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለዉ።"

ኣብታ ከተማ ካብ መላእ ዳርፉር ዝመጹ ኣዝዮም ብዙሓት ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ይሕብር። መኽዘናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ስለዝተዘመተ፡ ምግቢ ይኹን ዝስተ ማይ ብዘይምህላዉ ኣብ ጽንኩር ኵነታት እናነበሩ ከምዝርከቡ ወሲኹ ይገልጽ።

ሱዳናውያን ስደተኛታት

ሆስፒታል ብቦምባ ተደብዲቡ

ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ እንኮ ሆስፒታላት እታ ከተማ ክዓጽው ከምዝተገደዱ ሓካይም እቲ ሆስፒታል ገሊጾም እዮም።

እቲ ሆስፒታል፡ ብሕክምናዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ሜዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ (MSF) ክድገፍ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ዝተጎድኡ ሲቪላት ሕክምና ዝረኽቡሉ ቀንዲ መወከሲ መሳለጥያ እዩ ነይሩ።

ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ሆስፒታል እታ ከተማ ዝተኻየደ ደብዳብ ስዒቡ መጉዳእትን ሞትን ከምዘጋጠመ ጸብጻባት ክወጹ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ሆስፒታል ንጥፈታቱ ምቁራጹ፡ ንነበርቲ ኤል-ፋሸር ዓቢ ዕንቅፋት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 1300 ዝተጎድኡ ሰባት ኣብኡ ሕክምና ከምዝረኸቡ ዝገልጽ ሜዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ፡ እቲ ሆስፒታል፡ "እንኮ ጃምላዊ ጉድኣት ንምምሕዳር ዝተዓጠቐን ሓደ ካብቶም ክልተ መጥባሕቲ ንምክያድ ዓቕሚ ዘለዎም ሆስፒታላትን እዩ" ይብል።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ተዋጋእቲ ወገናት ንኣገደስቲ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ’ዩ።

"ብዙሕ ክፋላት ኤል-ፋሸር ብዘይ ኤሌክትሪክን ማይን ተሪፉ'ሎ፡ ካብ ህዝቢ ድማ ውሑድ ሚእታዊት ጥራይ እዩ መግብን ክንክን ጥዕናን ዝርከብዎም መሰረታዊ ኣገደስቲ ነገራትን ኣገልግሎታትን ዝረክብ ዘሎ" ትብል ኣተሓባባሪት ክሊመንታይንን ሰላሚ።