ዓለም ንጉዳይ ሱዳን ጸማም እዝኒ ሂባቶ ከም ዘላ ሰብ ሞያ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም

ኣብ ብዙሕ ክፋል ሱዳን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከቢድ ኲናት ተጸሚዶም ከምዘለዉ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብዙሕ ክፋል ሱዳን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከቢድ ኲናት ተጸሚዶም ከምዘለዉ ይፍለጥ

ዓለም ኣቓልቦኣ ብኲናት ቓዛን ዩክረይንን ኣብ ዝተጸመደሉ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ስግኣት ምጽናት ዓሌት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰብ ሞያ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

ፍልይቲ ኣማኻሪት ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ምጽናት ዓሌት ኣሊስ ዋይሪሙ ንደሪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “ኣብቲ ቦታ ምጽናት ዓሌት ይፍጸም ከይህሉ ወይ’ውን ተፈጺሙ ከይከውን ተኽእሎታት ከም ዘሎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ኢላ።

እታ ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብታ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጽዕጹዕ ኲናት ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ኢል ፋሸር ሰላማውያን ሰባት ብሰንኪ ዓሌቶም ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ገሊጻ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 700 ሞት ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተመዝገበ ኣብቲ ቦታ ዝሰርሕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ግብረ ሰናይ ገሊጺ ኣሎ።

ኢል ፋሸር ኣብ ዞባ ዳርፉር እታ ናይ መወደእታ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሱዳን ዘላ ከተማ’ያ።

ሰራዊት ሱዳን ኣንጻር መሣመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕመቲ] ዝምርሑ ሰራዊት ውሃቢ ደገፍ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ሓድሕድ ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ ይፍለጥ።

ነባሪ ከተማ ኢል ፋሸር ኢብራሂም ኣል ታይብ ኣል ፋኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓፍቱ ብደብዳብ ነፋሪት ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተቐተለትን ገዝኦም’ውን ምሉእ ንምሉእ ከም ዝዓነወን ገሊጹ።

ወዲ 47 ዓመት ኢብራሂም ኣል ታይብ ኣል ፋኪ ገዝኡ’ውን ብደብዳብ ከም ዝዓነወ ብምግላጽ ንሰለስተ ደቂ ምስ እንዳኣባሐጎኦም ክነብሩ ከም ዝሰዶዶም ሓቢሩ።

ንሱ “ኣብ ኢል ፋሸር ድሑን’ዩ ዝብሃል ቦታ የለን” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፍልይቲ ኣማኻሪት ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ምጽናት ዓሌታት ኣሊስ ዋይሪሙ ንደሪቱ ነቲ ብሰብ ሞያ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር፤ እቲ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዝተፈጸመ “ምጽናት ዓሌት” ዝመሳሰል ከም ዝዀነ ገሊጻ።

“ኣብቲ ቦታ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተጻብኦታት፤ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር እቲ እኸፈአ’ዩ” ኢላ።

ኣሊስ ዋይሪሙ ንደሪቱ ብምስዓብ “ህዝቢ ዓለም ነዚ ፍሉይ ክስተት ኣቶክሮ ክህቦ’የ ዝጽውዕ። ኣነ ብወገነይ ድምጸይ ከስምዕ ይፍትን ኣለኹ፤ እንተዀነ ጉዳይ ሱዳንን ብዛዕብኡ ዝብሃል ነገርን ብጉዳይ ቓዛን ብኲናት ዩክረይን ይዕበጥ ኣሎ” ኢላ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ዳርፉት ምጽናት ዓሌት ዝመስል ተግባራት ይፍጸም ኣሎ ኢሉ ስክፍትኡ ኣሰንዩ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዕራብ ዘይኰኑ ዓሌት ማሳሊት ብሓይልታት ሕሜትን መሻርኽቶም ዝዀኑ ኣዕራብ ሚሊሻታትን ምጽናት ዓሌት ተባሂሉ ክግለጽ ዝክኣል ግፍዕታት፡ ቅትለትን ዓመጽን ይፍጸም ከም ዘሎ’ዩ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ሓላፊ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ብሕሜቲ ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እግዳ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ እትርከብ ከተማ ኢል ጀነይና ኣስታት 15 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ቃሲም ኣባካር ሰራዊት መሓመድ ሓምዳን ዳጋሊ ምጽናት ዓሌት ይፍጽሙ ኣለዉ ኢሉ ምስ ተዛረበ ድሕሪ ውሑድ ሰዓታት ከም ዝተቐተለ ዝዝከር’ዩ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅመር ቃስም ኣባካር እቲ ዝልዓለ ጽፍሒ ዘለዎ ዝተቐተለ ሱዳናዊ’ዩ።

ሰራዊት መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ዳርፉር ንዓሌት መሰረት ዝገበር ዝዀነ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ከም ዘየሎ’ዩ ዝገልጽ።

ሰራዊት መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ 2003’ውን ኣብ ዳርፉር ተመሳሳሊ ጽንተት ፈጺሙ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ይኽሰስ ከም ዝነበረ ይዝከር።