ቅልውላው ሱዳን፡ ‘ቍርሲ ሎሚ ጽባሕ ኣይድገምን’

መዲና ያሕያ

“ሎሚ ምሸት ትበልዕ ትኸውን፡ ጽባሕ ግን የለን” ትብል መዲና ያሕያ ዝተበሃለት ሱዳናዊት ኣደ።

መዲና እዚ ዝበለት ብዛዕባ ኣብ ኣልፋሸር ዘሎ ህይወት ንምግላጽ እዩ። ኣልፋሸር፡ ቀንዲ ከተማ ሰሜን ዳርፉር እያ።

እታ ከተማ ክሳዕ ቀረባ እዋን ከም ውሑስቲ መዕቈቢት ትቝጸር ስለ ዝነበረት፡ መዲናን ስድራኣን መግብን ውሕስነትን ክረኽቡ ካብ ቁሸቶም ናብታ ከተማ ሃዲሞም።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን እታ ከተማ ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተኸቢባ ትርከብ።

መዲናን ካልኦት ኣሽሓት ሲቪላትን ድማ ህይወቶም ከጽንሑ ይቃለሱ ኣለዉ።

ኣብ መንጐ ምዱብ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን - ዳዕመ ሰሪዕ - ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣልፋሸር ድማ ገና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ትርከብ ናይ መወዳእታ ዓባይ ከተማዊት ማእከል እያ።

እታ ከተማ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ፤ እዚ ቍጽሪ ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ግጭት ናብታ ከተማ ዝሃደሙ 800,000 ውሽጣዊ ተመዛበልቲ የጠቓልል።

ኣልፋሸር ከም ታሪኻዊት ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ሱዳን እያ ትርአ፤ ብተወሳኺ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ጫድን ሊብያን ንዝግበር ንግዲ ከም ስትራተጂያዊት ማእከል ስለ ዝዀነት ልዑል ዞባዊ ኣገዳስነት ኣለዋ።

ብዓርቢ፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ግጭት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብውሕዱ 160 ሰባት ከምዝቘሰሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብቀዳም ድማ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሆስፒታል ህጻናት ቦምባ ብምውዳቑ፡ ብውሕዱ ክልተ ህጻናት ከምዝሞቱን ካልኦት ድማ ከምዝቘሰሉን ትካል ግብረ ሰናይ ሕክምና ኤምኤስኤፍ (መዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ) MSF ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈጸመ ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ መርገጺኦም እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፤ ነዚ ስዒቡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት እቶም ኣብታ ከተማ ተዓጽዮም ዘለዉ ሲቪላት ውሑስ መውጽኢ ስለ ዘይረኽቡ "ከቢድን ቅጽበታውን ሓደጋ" ክፍጠር ከምዝኽእል ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ንዓመት ዝቐጸለ ግጭት

ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዙ፡ ሱዳን ኣብ መንጐ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን “ሕመቲ” ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግጭት ተሸሚማ ትርከብ።

እቶም ጀነራላት ፈለማ ኣብቲ ኣብ 2019 ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ዕልዋ መንግስቲ መሻርኽቲ እዮም ነይሮም። ኣብ እዋን ምምሕያሻት ሓይሊ ጸጥታን ምትካል ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስትን ግን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ቀታሊ ናይ ስልጣን ቃልሲ ተሰጋጊሩ።

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ዝጀመረ ግጭት፡ ናብ ዳርፉር፡ ሰሜን ኮርዶፋንን ግዝኣት ጀዚራን ንኽዝርጋሕ ግዜ ኣይወሰደን።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብውሕዱ 15 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ግን፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ክሳብ 150 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል’ዩ ገሊጹ።

ውጽኢት እቲ ግጭት፡ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

ተበጻሕነት መግቢ፡ መጽለሊ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣገልግሎት ጥዕናን ዳርጋ የለን ክበሃል ይኽእል።

‘ብዙሓት ኣዝማደይ ስኢነ’

ሻሙ ኣብከር
መግለጺ ስእሊ, ሻሙ ኣብከር ብሰንኪ ከቢድ ደብዳብ ካብ ዓዲ ሃዲሙ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መበቆሉ ካብ ኣልፋሸር ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ታዊላ ዝዀነ ሻሙ ኣብከር፡ “ብሕጽረት መግቢ ንሳቐ ኣለና” ይብል።

"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዓልቲ ሓደ መግቢ ኢና ንረክብ፡ ንሱ’ውን ቁርሲ እዩ።"

ንሱ፡ ብሰንኪ ከቢድ ደብዳብ ምስ ደቁ ካብ ዓዱ ክሃድም ተገዲዱ’ዩ። ኣብ ወተሃደራዊ መፈተሺ ነቝጣታት ምእንቲ ከይተሓዙ ብጽንኩር መንገድታት እናተጓዕዙ ከለዉ፡ ሓደ ካብ ደቁ ብሓደጋ መኪና ሞይቱ። ሻሙ ንባዕሉ ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምና ምርኣይ ተሳኢንዎ ኣሎ።

“ብሰንኪ’ቲ ኲናት ብዙሓት ኣዝማድ ስኢነ፡ ኵሎም ክዝርዝሮም ኣይክእልን’የ” ይብል።

“ኣብ ገዛይ ዝነበረኒ ድሕነት ይናፍቕ። ሕጂ ኣብ ትሕቲ ገረብን ኣብ ትሕቲ እዚ ድንኳንን ኮፍ ኢለ ንቤተይ ዘለኒ ሃረርታ የስተማቕር ኣለኹ።”

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ስድራኣ ናብ ኣልፋሸር ዝኣተወት መዲና ያሕያ እውን ተመሳሳሊ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒት ኣለዋ።

ብኡንብኡ ኣብቲ ንተመዛበልቲ ዝተዳለወ መዓስከር፡ ኣብ መንጐ እቶም ሓገዝ ዘድልዮምን ሓገዝ ዝህቡን ወጥሪ ዝመልኦ ዝምድና ከምዘሎ ተሰሚዕዋ። ዝዀኑ ሓደስቲ ተመዛበልቲ ክመጹ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ድሮ ሕጽረት ዘጋጠሞም ጸጋታት ከም ተወሳኺ ጸቕጢ ከምዝረኣዩ ትዛረብ።

“ደቅና ግዳያት ኰይኖም፤ በቃ ስልክዩና።”

ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጹ ተመዛበልቲ ዝጥመቱሉ ኣገባብ ብዝምልከት፡ "ልክዕ ሳንዱቕ ወይ ኣቕሓ ከምዝዀንና ሓደስቲ ወይ ዝጸንሑ እናበሉ ይጽውዑና ኣለዉ" ትብል ።

“ንዓና ንምሕጋዝ ዓቕሚ የብሎምን። ኵላትና ተመዛቢትና ኢና፡ ንሳቶም ግን ዝጸንሑን ሓደሽትን ኢሎም ምፍልላይ ይቕጽሉ ኣለዉ።”

መዲና ብዛዕባ ፍሉይ ድሌታት ኣዋልዳ እውን ስክፍታ ኣለዋ።

“ንኣሽቱ ኣዋልድ ኣለዋና፡ መንእሰያት፡ ትሕቲ ዕድመ እየን። ንሕና ክነቕርበለን ዘይከኣለና ነገራት ዘድልየን ዝበጽሓ ኣዋልድ ስለዘለዋ፡ ሰባት ንክምዝምዝወን ዕድል ይህብ’ዩ” ትብል።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ደብዳባት፡ ምትህልላኻት፡ ጃምላዊ ቅትለታት፡ ዝምታን ምቅጻልን ይፍጸም ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝሰነዱ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይጠቕሱ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቲ ሚሊሻታትን ብዘሰንብድ ቍጽሪ ዓመጽን ካልእ ገበናት ኲናትን ተሓተትቲ ይመስሉ” ምባሉ ዝዝከር’ዩ።

‘ተስፋ ሰላም የለን’

ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ረዲአት ክቕበላ ኣብ መስርዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ ዳርፉር ረዲአት ንምዕዳል ኣመና ኣጸጋሚ እዩ

ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት፡ ዝኸድሉ ኣማራጺ ቦታ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ፤ ተበጻሕነት ሓገዝ ድማ ትሑት ብምዃኑ ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ይነብሩ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

ዓለምለኻዊ ትካል ረድኤት ኦክስፋም፡ ተመዛበልቲ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሚሊሻታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግእ፡ ከም ምሩኻት ንኽተሓዙ ሓደጋ ከምዘንጸላለዎም ይገልጽ።

“ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ሲቪላውያን ካብ ኵሉ ማሕበረሰባት ዳርፉር ዝመጹ እዮም። እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንኣልፋሸር ንምቍጽጻር እንተተቓሊሶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ዳርፉር፡ ዓረብን ኣፍሪቃውያንን ግዳያት ክዀኑ እዮም” ይብል ቶቢ ሃርዋርድ ዝተባህለ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት።

ንኣልፋሸር ንምቍጽጻር ዝግበር ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ተዅሲ ደው ክብል እዩ ዝብል ተስፋ የለን።

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኣልቡርሃን ብ7 ግንቦት “ነዚ ናዕቢ ምስ ሰዓርና እንተዘይኰይኑ ዝዀነ ዘተ ሰላምን ምቍራጽ ተዅሲን ኣይክህሉን’ዩ” ከምዝበለ ይፍለጥ።

ዋላ’ኳ ካብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ተበግሶታት እንተሃለዉ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንኽብጻሕ ዝተገብሩ ጻዕርታት ኣይሰመሩን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ሱዳን ጥሜት ኣጋጢምዎ ከምዘሎን 8.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) የመልክቱ።