ሱዳን፡ ኣብ መንጐ ጥሜትን ሞትን ዝተቐርቀሩ ዕሸላት

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
እዛ ኣዝያ ዝሓዘነትን ብስቕታ እትጥምትን ሰበይቲ ቅስማ ዓብዲራሕማን ዓሊ ኣቡበከር ትበሃል።
ንሳ፡ ሓንቲ ካብቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኲናት ሓድሕድ ዝተላዕለ ሱዳን ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ እያ።
ከምኣ ዝኣመሰሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሕጂ ኣብ መዓስከራት ይነብሩ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ድማ ሱዳን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየት" ዝበሎ ኣጋጢምዋ ኣሎ።
ቅስማ ዓብዱራሕማን ዝዕደላ መግቢ ክትቅበል መስርዕ ተኸቲላ ትንቀሳቐስ’ኳ እንተነበረት፡ ልባ ግን ኣብኡ ኣይነበረን።
እታ ንእሽቶ ቦርሳ ንስድራኣ ከም ቀደማ መሊኣ ክትውጠር ኣየድልያን እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰለስተ ደቃ ብሕማምን ሕጽረት መግቢን ከምዝሞቱ ትዛረብ። እቲ ዓቢ ወዲ ሰለስተ፡ እቲ ካልኣይ ወዲ ክልተ ዓመት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን እዮም ነይሮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ክፋል ዞባ ሰሜናዊ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዛምዛም ተዓቚባ ትርከብ።
እቲ ኣብታ ሃገር ነዊሕ ዝጸንሐን ዝዓበየን መዓስከር፡ ኲናት ሱዳን ናብ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝጽጋዓሉ ዘሎ እዋን ግን ሓድሽ ተስፋ ምቝራጽን ሓዘንን ዓሲልዎ ይርአ።
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዳርፉር ዝነጥፍ ዘሎ ሕክምናዊ ግብረ ሰናይ ትካል መዲስንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ (ኤምኤስኤፍ) ኣብ ጥሪ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓታት እንተወሓደ ሓደ ህጻን ከምዝመውት ኣረጋጊጹ’ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ክሕከሙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሕማማት ሕጂ ቀተልቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ውጽኢት ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዛምዛም ዘካየዶ መርመራ ዝተቓልዑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንቢቢሲ ጥራይ ኣካፊሉ ኣሎ።
እቲ ትካል፡ ኣብ ሰለስተ ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ከምኡ'ውን ኣብ ሲሶ ካብተን ነፍሰጾራትን ዘጥብዋን ኣደታት ጽዑቕ ሕጽረት መግቢ ከም ዘጋጠመ ረኺቡ። እዚ ድማ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝነበረ "መዓት" ከይፍጠር ዝብል ስግኣት ዘረጋግጽ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
ቅስማ ዓብዱራሕማን ደቃ ናብ ሆስፒታል ክትወስዶም ወይ መድሃኒት ክትገዝእ ዓቕሚ ኣይነበራን።
"ቀዳማይ ውላደይ ካብ ፋርማሲ ናብ ገዛኡ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሞይቱ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሞይቱ" ትብል።
እቲ ዕሸል ድማ ምስ ሓመመ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞይቱ።
ስድራቤታ ከምቶም ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ንኣሽቱ መሬት ዝነጥፉ ሓረስቶት እዮም። እኹል መግቢ ንምብቋል ተቓሊሶም እዮም፤ ዓመጽን ዘይውሕስነትን እቲ ኲናት ድማ ንውጽኢት ሕርሻ ኣዝዩ ኣበላሽዩዎ ኣሎ።
"ሰባት ሓሚሞምን ጠምዮምን እዮም ዘለዉ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። "እቶም ተመዛበልቲ ስራሕ ኣልቦ ኰይኖም፡ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ድማ ሰራሕተኛታት [መንግስቲ] ጥራይ እዮም። 90 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ዝሓመመ እዩ።"
ቅድሚ 20 ዓመት ንዓሌታዊ ዓመጽ ብዝተቓልዑ ሰባት ዝተመስረተ መዓስከር ዛምዛም ድሮ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ኰይኑ ይርከብ።
እቲ ቀረብ መግቢ ግን ምስቲ ኲናት ደው ኢሉ። ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ሰፊሕ ክፋል ናይቲ ዞባ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፡ መብዛሕትአን ትካላት ረድኤት ካብቲ ቦታ ወጺአን እየን።
ተቓለስቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቱን ዝዀኑ ምልሻታትን ሆስፒታላትን ድኳናትን ብምዝማት ይኽሰሱ፤ እቲ ጕጅለ ብቐጻሊ ነዚ ይነጽግ።
በቶም ግጭት ዝካየደሎም መስመራት ሓደስቲ ቀረብ ክበጽሕ ምግባር ዳርጋ ዘይከኣል እዩ። ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝብልዎ፡ ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ቪዛን ፍቓድ መገሻታት ውሽጢ ዓዲን ንምሃብ ኣዝዮም ይንድጉዩ ኣለዉ።
ብተወሳኺ ሰራዊት ሱዳን ናብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዝለኣኽ ኣጽዋር ንምዕጋት ክብል፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ጫድ ዝመጽእ ናይ መሬት መስመራት ዓጽይዎ እዩ።
ሕጽረት መግቢ ምስ ምብትታን ኣገልግሎት ጥዕና ተደሚሩ እቲ ኵነታት ክጋደድ ይገብር ኣሎ።
ኣብ መላእ ሃገር ካብ 20-30 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ጥራይ እየን ክሳዕ ሕጂ ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
ሓደ ካብዚኦም ኣብ ከተማ ፋሸር ኣብ ጥቓ መዓስከር ዛምዛም ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ባቢከር ናሃር እዩ፡ ንህጻናት ዝኸውን ፍወሳዊ መመገቢ ማእከልን ጽዑቕ ክንክን ሕክምናን ኣለዎ።
ኣብታ ኣብኡ ዝበጻሕናላ መዓልቲ ክልቲአን ክፍሊታት እቲ ሆስፒታል ብተሓከመቲ መሊአን ነይረን።
ኣብ ኣፍንጫኦም ቱቦታት ዝተሰኩዖም ዕሸላት ኣብ ሕቝፊ ኣደታቶም ይረኣዩ ነይሮም።
ኣሚን ኣሕመድ ዓሊ ነቲ ንእሽቶ ወዳ ብመርፍእ ኣቢላ ፈሳሲ መግቢ ትህቦ ነይራ - ካብ ንሰሙናት ዝጸንሐ ጸገም ቀስ ብቐስ እናሓወዩ ዝርከቡ ደቂ ሽዱሽተ ወርሒ መናቱ ኣለዉዋ። ካልኦት ህጻናት ድማ ብካሎሪ ዝሃብተመ መግቢ ይምገቡ ነይሮም።
ዶክተር ዕዘዲን ኢብራሂም፡ እቲ ሆስፒታል ቅድሚ እቲ ኲናት ንሕጽረት መግቢ ዝምልከት ጉዳያት ይከታተል ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ሕጂ ግን "እቲ ቍጽሪ ብዕጽፊ ወሲኹ" ይብል።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እቲ ቍጽሪ ይውስኽ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ስርዓት እንተነበረና፡ ምሉእ መደብ ኣመጋግባ ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት ተቛሪጹ።"
እዚ ኣብ ዳርፉር እቲ ዝሓሸ ማእከል ጥዕና ህጻናት እዩ፤ ካልኦት ቦታታት መስመራቶም ዝያዳ ስለ ዝተቘርጸ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ይርከቡ።
ኣብ ዛምዛም 50 ዓራውቲ ዘለዎ ናይ ዳስ ሆስፒታል ክኸፍት ምዃኑን ዝገልጽ ኤምኤስኤፍ፡ ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ናብቲ ከባቢ ተመሊሶም ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምካት ክሕግዙ ጻውዒት የቕርብ።
"ናብቲ መስመራቱ ዝተቘርጾ ህዝቢ ንምብጻሕ ሰፊሕ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት የድልየና'ዩ" ይብል። ከምኡ'ውን ፍቓድን ቪዛን ምርካብ ክቐልል፡ ዶባት ክኽፈቱን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሲቪላትን ክኽበሩ ከምዘድሊ ድማ ወሲኹ ይሕብር።
ብዘይ እዞም መሰረታዊ ኵነታት ነዚ ዓቢ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣይከኣልን፣ ብዙሓት ካልኦት ህጻናት ድማ ክሞቱ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







