ሱዳን፡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብ ሱዳን ኣትዮም ዘዳልውዎ ፍሉይ ጸብጻብ ጾታዊ ዓመጻት

ጓል ሰለስተ ዓመት ማነሰክ ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ማሲና’ያ ኣዲኣ ኢክራም ከኣ ዋጋ መግቢ ዘይልከፍ ምዃኑ ትሕብር

ምንጪ ስእሊ, Dany Abi Khalil / BBC

መግለጺ ስእሊ, ጓል ሰለስተ ዓመት ማነሰክ ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ማሲና’ያ ኣዲኣ ኢክራም ከኣ ዋጋ መግቢ ዘይልከፍ ምዃኑ ትሕብር

ኣብ ማእከል ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዘለዉ ሲቪል ሱዳናውያን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ገበናት ጾታዊ ዓመጽ፡ ዓሌታዊ ግጭትን ኣብ ማእከል ጽርግያ ዝግበር ምርሻን ሰባትን ከምዝርኣዩ ኣቓሊዖም።

ጋዜጤኛታት ቢቢሲ ናብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ክሳብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ካርቱም ክበጽሑ ክኢሎም’ዮም።

ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ሱዳን ዝተላዓለ ግጭት “ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ዝተረኣየ ዝኸፍአን ዘባህርርን ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ኣሎ” ድሕሪ ምባል ኣብታ ሃገር ኣብ ዓለም ካብ ዝተረኣየ ዝኸፈአ ቅልውላው ጥምየት ከስዕብ ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ዳርፉር’ውን እቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዘጋጠመ ጽንተት ሰባት ከይድገም ስግኣት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ጾታውን ኣካላውን ዓመጻታት ዝገልጽ’ዩ

ንኸተማ ኦምዱርማን በዚ መጺኡ ዘይበልናዩ መጥቃዕቲ ሞርታራት ኣናዊጽዋ፡ ሰባት እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም እናኣእወዩ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክሃድሙ ይርኣዩ፡ ገለ ከኣ “ንድሕሪት ኣብሉ ካልእ ሞርታር’ውን ኣብዚ ክዓልብ’ዩ” ክብሉ ይስመዑ፡ ሰማይ እቲ ከባቢ ብጸሊም ትኪ ዕብልኽ ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ሞርታር ዝዓለበሉ ጽርግያ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎን ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ናብ ንቡር ስርሑ ዝተመለሰ ኣብያተ ንግዲ ባኒ፡ ሩዝ፡ ኣሕምልቲ ብዝገዝኡ ሰባት ምልእ ኢሉ’ዩ ነይሩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ መፋርቕ ለካቲት’ዮም ንከተማ ኡምዱርማን ዳግማይ ተቖጻጺሮማ። ከተማ ኡምዱርማን ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል እትርከብ ሓንቲ ካብተን ምስ ካርቱም ዝዳወባ ዓባይቲ ከተማታት ሱዳን’ያ።

ሰለማውያን ሰባት ናብታ ከተማ ዳግማይ ክምለሱ ጀሚሮም’ዮም እንተኾነ ኣብታ ከተማ መዓልታዊ ደብዳብ ናይ ሞርታራት ኣሎ።

ዓለምለኻውያን ሚድያታት ናብ ማእከል ሱዳን ኣትየን ነቲ ካብ መፋርቕ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ጸብጻባት ክሰርሓ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፡ ቢቢሲ ግን ናብ ውሽጢ ክኣቱ ክኢሉ ኣሎ።

ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብታ ካብ ከመይ ዝበለት ከተማ ናብ ዝተኣከበ ጉሓፍ መሲላ ዘላ ኡምዱርማን ክበጽሑ ክኢሎም።

እተን ኣብ ማእከል ኡምዱርማን ክንቀሳቐሳ ዝርኣያ ተሽከርከርቲ ወተሃደራውያን መካይን’የን

ምንጪ ስእሊ, Dany Abi Khalil / BBC

መግለጺ ስእሊ, እተን ኣብ ማእከል ኡምዱርማን ክንቀሳቐሳ ዝርኣያ ተሽከርከርቲ ወተሃደራውያን መካይን’የን

እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኵናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ሞት 14 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ኣስዒቡ ኣሎ፡ ቁጽሪ ምውታት ግን ካብዚ ዝተገለጸ ቁጽሪ ክዛይድ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

ክልቲኦም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ካርቱምን ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ኣብ ዲቕ ዝበለ ኲናት’ዮም ተጸሚዶም ዘለዉ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንደቡባዊ ክፋል ካርቱም ክቆጻጸሩ እንከለዉ ንዝበዝሐ ክፋል ዳርፉር’ውን ኣብ ትሕቲኦም ኣእትየሞ።

ካብ ዳርፉር ናብ ጫድ ዝሃደማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዳርፉር ብዕጡቓት ጸታዊ ዓመጻት ከምዘጋጠመን ንቢቢሲ ክገልጻ እንከለዋ፡ እቶም ኣብ ጫድ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝረኸብናዮም ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ካብ ጭውያን ቅትለትን ሃዲሞም ከምዝመጽኡ ሓቢሮም።

ናብቲ ኣብ ኡምዱርማን ዝነበረ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ምስ እንምለስ፡ ኩሉ ምንቅስቓስና ኣብ ምሉእ ምቁጽጻር እቶም ሰራዊት’ዩ ነይሩ፡ ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክንስእል ከኣ ብፍጹም ተኸልኪልና ኢና።

እዚ ዝገበርሉ እቲ ምንቅስቓሳቶም ናብቶም ጸላእትና ዝብልዎም ሓይልታት ከይበጽሕ'ዩ።

ንካርቱምን ንኡምዱርማንን ዘርኢ ካርታ

ብዓል ሞያ ካሜራ ቢቢሲ እቲ ደብዳብ ምስ ሃድአ ክስእል ምስ ጀመረ ብረት ዝሓዙ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዕጉግ ኢሎም ከቢበሞ፡ ሓደ ከኣ ብረቱ ኣብ ርእሱ ተኺልሉ።

መብዘሕትኦም ወተሃደራት ኮይኖም ንምንታይ ትስእል ብምባል’ዮም ዘጓጥጥሉ ነይሮም። እቲ ወጥሪ ክሳብ ክንድዚ’ዩ።

ሰራዊት ሱዳን ዋላ ድኣ ንኦምዱርማን ይቆጻጸራ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝነበርናሉ ግና ኣብታ ከተማ ዘየቋርጽ ምልውዋጥ ናይ ቶኲሲ ይስማዕ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ጥቃ ዓቢ መስጊድ ኢምዱርማን ዝርከብ ገዛውቲ ዳርጋ ብምሉኡ ዓንዩ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Dany Abi Khalil / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቃ ዓቢ መስጊድ ኡምዱርማን ዝርከብ ገዛውቲ ዳርጋ ብምሉኡ ዓንዩ’ዩ

እቲ ግንባር ናይ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብቲ ንከተማ ካርቱምን ንኡምዱርማንን ዝፈሊ ገማግም ፈለግ ኒል’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ስናይፐራት [ቀጭ ሕርሙ] ናይ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ማዕዶ ስግር ኒል ኣብ ዘሎ ፈራስ ገዛውቲ ተጻዊዱ ከምዘሎ’ዮም ገሊጾሙልና።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ቅድሚ ምውልዑ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኡምዱርማን ማእከል መስሕብ በጻሕቲ’ያ ነይራ።

ሕጂ ግን ዓንያ’ያ፡ እቶም ዑሙራት ዶኳኩና ተሰሪቖም’ዮም።

እተን ኣብ ከተማ ዝንቀሳቐሳ ዝርካበን ተሽከርከርቲ ወተሃደራውያን መካይን ጥራይ’የን።

ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ ላዕሊ 3 ሚልዮን ካብ ነባሪ ካርቱም እግሩ ናብ ዝመርሖ ተፈናቒሉ’ዩ።

እንተኾነ ካብ ኡምዱርማን ኣይንወጽእን ኢና ዝበሉ ሰባት ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝረኸብናዮም ግን ኣረጋውያን’ዮም።

ሙክታር ኣል ባድሪ ሙሐዲን ዝተቐበሩ ጎረባቡቱን ዓዕሩኽቱን ብምዝርዛር “ኣነ ጥራይ’የ ተሪፈ” ይብል

ምንጪ ስእሊ, Dany Abi Khalil / BBC

መግለጺ ስእሊ, ሙክታር ኣል ባድሪ ሙሐዲን ዝተቐበሩ ጎረባቡቱን ዓዕሩኽቱን ብምዝርዛር “ኣነ ጥራይ’የ ተሪፈ” ይብል

ካብቲ ቀንዲ ግንባር ትሕቲ ሓደ ኪሎሜተር ሙክታር ኣል ባድሪ ሙሐዲን ዝተብሃለ ሽማግለ ምርኩስ ተደጊፉ ናብቲ ዝዓነወ መስጊድ ገጹ ክኸይድ ጸኒሑና።

ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓያለ መቓብር እናኣመልከተ ከኣ “ኣብዚ 150 ዝኾኑ ሰባት ተቐቢሮም ኣለዉ፡ ዳርጋ ንዝበዝሑ ይፈልጦም’የ መሓመድ፡ ዓብዱላህ፡ ጃላል” እናበለ ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝተቐበሩ ሰባት ክጠቅስ ጀመረ ኣብ ሞንጎ ዝን ድሕሪ ምባል ከኣ ሽም ናይ ሓደ ኣዝዩ ፍሉጥ ፕሮፌስር ብምዝካር “ዶክተር ዮሱፍ ኣል ባህር’ውን ኣብዚ’ዩ ተቐቢሩ” በለና።

ዝን ድሕሪ ምባል “ኣነ ጥራይ’የ ተሪፈ” በለና ብትካዘ።

ሰራዊት ሱዳን ብደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ ተባሂሉ ይንቀፍ’ዩ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዘለውዎ’ምበር ሰለማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ከምዘየካየደ’ዩ ዝገልጽ።

ህዝቢ ግን ነቲ ኣብ ካርቱምን ኣብ ከባቢኣን ዘጋጠመ ዕንወት ንኽልቲኦም ሓይልታት’ዩ ሓላፍነት ዘሰክሞም።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከኣ ኣብ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢታት ስርቕን መጥቃዕትታትን ከምዝፍጽሙ’ዩ ዝግለጽ።

ነባሪ ኡምዱርማን ሙሓመድ ዓብል ሙታሊብ “ንሓንቲ ገዛ እንተኣትዮማ ኩሉ ንብረት’ዮም ዝወስድዎ፡ መኪና ይሰርቑ፡ ቴሌቪዥን ይሰርቁ ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮን ይሃርሙ” ይብል።

ብምስዓብ “ሰባት ብጥምየት ኣብ ገዝኦም ይሞቱ ኣለዉ፡ ኣብ ገዝኦም ዝሞቱ ኣብኡ ከይበላሸዉ ኣውጺአ ዝቐበርክዎም ኣለዉ” ድሕሪ ምባል “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዝአንን ኣብቲ ዝእክብወን ቦታን ይዕምጽወን ኣለዉ” ይብል።

 ኣፋፍ መሓመድ ሳለም ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ንገዝኣ ከምዝሰረቕዎን ንሓዋ ኣብ ቅድሚ ዓይና ኣብ እግሩ ብጥይት ከምዝሃረምዎን ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Dany Abi Khalil / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣፋፍ መሓመድ ሳለም ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ንገዝኣ ከምዝሰረቕዎን ንሓዋ ኣብ ቅድሚ ዓይና ኣብ እግሩ ብጥይት ከምዝሃረምዎን ትገልጽ

ኣፋፍ ሙሓመድ ሳለም ኣብ መወዳእታ ሓምሳታት ትርከብ ሰበይቲ’ያ ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ ምስ ሓዋ ኣብ ካርቱም’ያ ትነብር ነይራ።

ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ናብ ገዛኦም መጺኦም ገዝኦም ሰሪቖም ንሓዋ ብጥይት ኣብ እግሪ ምስ ሃረምዎ ናብ ኡምዱርማን ሃዲማ ከምዝመጽአት ትሕብር።

“ንኣንስቲ ይሃርሙ ንጹሃት ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ የፈራርሑ” ትብል።

ኣፋፍ እዚ ኣብ ባህሊ ሱዳን ኣዝዩ ነውሪ ከምዝኾነ ብምግላጽ “ንሓደ ሰብ ካብ ክትጸርፎን ከተጋፍዖን ሰልዱ ክትወስደሉ ይሓይሽ” ትብል።

“ጾታዊ ዓመጽ፡ ከም ሕነ መፍደዪ”

ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስድራአን እንከይተረፈ’ዩ ተነጽሎ ዘጋጥመን።

ብዙሓት ነበርቲ ኡምዱርማን ከኣ ነዚ ኣርእስቲ [ጾታዊ ዓመጽ] ክዛረብሉ ኣይደልዩን’ዮም።

ካብ ኡምዱርማን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቓ ኣብ ጫድ ኣብ እትርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ግን ነቲ ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጻት ብኽፉት’የን ዝዛረባሉ።

 ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ጫድ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣጽሊሎም ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Marek Polaszewski / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ጫድ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣጽሊሎም ይርከቡ

መንነታ ንምሕባእ ኣሚና ኢልና ንጽውዓ ሱዳናዊት ጓል ኣንስተይቲ ብዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ጥንሲ ስለዝሓዘት ንኸተስድዶ ናብ ‘ሜዲሰን ሳንስ ፍሮንተርስ’ ዝብሃል ትካል ገባሪ ሰናይ ምስ መጽአት ኢና ረኺብናያ።

ካብ ዳርፉር ሃዲማ ናብ ጫድ ዝመጽአት ጓል 19 ዓመት ኣሚና፡ ናብዚ ምስ መጽአት’ያ ነብሰ ጾር ከምዝኾነት ፈሊጣ። ብዛዕባ ጥንሳን ዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽን ስድራኣ ከይፈልጡ ብዙሕ ፍርሒ ኣለዋ።

ኣሚና “ኣይተመርዓኹን ድንግል’ውን እየ ነይረ” ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር’ዮም ሚሊሻታት ካብ ኣረዳማታ ትብሃል ዓዳ እናሃደማ እንከለዋ ምስ ሓትንኣን ኣሞታታን ሒዞማ።

“ካልኦት ኩለን ሃዲምን ንዓይ ግን ሒዞሙኒ፡ ክልተ’ዮም ነይሮም ቅድሚ ምህዳመይ ከኣ እቲ ሓደ ደጋጊሙ ዓሚጽኒ” ትብል።

ኣሚና ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢምዋ ጠኒሳ ጥንሲ ከተስድድ ትፍትን ከምዘላ ስድራኣ ከይፈልጡ ዓቢ ፍርሒ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Marek Polaszewski / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣሚና ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢምዋ ጠኒሳ ጥንሲ ከተስድድ ትፍትን ከምዘላ ስድራኣ ከይፈልጡ ዓቢ ፍርሒ ኣለዋ

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብሚሊሻታት ዓረብ እናተሓገዙ ዳርጋ ንዳርፉር ብምሉኣ ተቖጻጺሮማ’ዮም።

ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ዳርፉር ኣብ ሞንጎ ሚሊሻታት ዓረብን ማሳሊት ዝብሃሉ ጸለምቲ ብሄርን ብዝተኻየደ ኵናት ዓሌታዊ ግጭት ተወሊዑ ነይሩ’ዩ።

ዛንታ ኣሚና ቁንጭል ኣቢልና ደኣ ነልዕሎ ኣለና’ምበር ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ 4 ሕዳር ንኣረዳማታ ምስ ተቆጻጸርዋ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሓያለ ገበናት’ዮም ፈጺሞም።

ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ቢቢሲ ዝተዓዘቦ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣስታት 120 ጾታዊ ዓመጻት ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ዝሃብኦ ቃለ-ምስክር ሰኒዱ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ ወተሃደራዊ ክዳን ናይ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ዝገበሩን ምስኦም ዝተሓባበሩ ጉጅለታትን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታትን ዓመጻትን ነቲ 80 ሚኢታዊት ሓላፍነት ከምዝወስድሉ ይገልጽ።

ብሰራዊት ሱዳን ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ከምዘለዉ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ሰራዊት ህጹጽ ሰደፍን ካልኦት ሓይልታትን ሒዘምዎ ዘለዉ ቦታታት ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሱዳን፡ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍን ካልኦት ሓይልታትን ሒዞምዎ ዘለዉ ቦታታት ዘርኢ ካርታ

ልክዕ ካብቲ መዓስከር ውጽእ ኢልካ 30 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ እክብ ኢለን ይርኣያ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ “ጾታዊ ዓመጽ ጽሕፍቶ ኣይኮነን ደው ክብል ዝኽእል ተግባር’ዩ” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ባላንቺናታት ሒዘን ነበራ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ኮይነን ነቲ ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ እናነብዓ’የን ዝጸውያሉ ነይረን።

እተን ደቂ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ እናንብዓ ንሓድሕደን ክጸናናዓ ይርኣያ

ምንጪ ስእሊ, Marek Polaszewski / BBC

መግለጺ ስእሊ, እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ እናንብዓ ንሓድሕደን ክጸናናዓ ይርኣያ

ሽማ ብምቕያር ማርያሙ ኢልና ክንጽውዓ ዝመረጽና ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ዳርፉር ጀኑንያ ኣብ ዝብሃል ዓዳ፡ እቶም ዓረባውያን ዕጡቓት ዝኽደንዎ ክዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት’ዮም ኣብ ሕዳር ዓሚጾማ።

ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ኣጋጠማ ብድሕሪኡ ክትንቀሳቕስ ናይ ዘይትኽእለሉ ደረጃ’ያ በጺሓ “ሰባት ይሃድሙ ነይሮም ኣነ ግን ክትንቀሳቐስ ዘይትኽእል ዓባየይ ምሳይ ስለዝነበረት ገዲፈያ ክሃድም ኣይክኣልኩን መጺኦም ከአ ሒዞሙኒ” ትብል።

ዛህራ ቃስም ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት’ያ ነይራ ሕጂ ግን ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ስደተኛ ኮይና ትነብር ኣላ፡ ነተን 30 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንሳ’ያ ትጥርንፈን።

ኣሚናን ማርያሙን ካብቶም ጸለምቲ ነበርቲ ዳርፉር’የን። ዛህራ ቃስም ከኣ ካብ ዓሌት ማሳሊት ኮይና ዓሌታ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ኣብ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኮይኖም ከምዘለው ትሕብር።

ባላንቺናትን “ጾታዊ ዓመጽ ጽሕፍቶ ኣይኮነን ደው ክብል ዝኽእል ተግባር’ዩ” ዝብል ጽሑፍን

ምንጪ ስእሊ, Marek Polaszewski / BBC

መግለጺ ስእሊ, ባላንቺናትን “ጾታዊ ዓመጽ ጽሕፍቶ ኣይኮነን ደው ክብል ዝኽእል ተግባር’ዩ” ዝብል ጽሑፍን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዳርፉር እቶም ጃንዳዊ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕራብ ሚሊሻታትን ብፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር እናተሓገዙ ነቶም ዘይዓረባውያን ዓሌታት ንምጥፋእ ይሰርሑ ነይሮም’ዮም።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከኣ ብቶም ዓረብያውያን ሚሊሻታት ዓቢ ደገፍ’ዩ ዘለዎም።

ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዳርፉር ዝተካየደ ኲናት ኣስታት 300 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን እቶም ዘይዓረባውያን ዓሌታት ካብቲ ቦታ ሃጽ ኢሎም ንኽጠፍኡ ጾታዊ ዓመጻትን ካልእን ይፍጸሞም ከምዝነበረ ይገልጽ።

ገለ ሓለፍቲ ጃንጃዊን ዑመር ኣል በሽርን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ተባሂሎም ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ተኸሲሶም’ዮም።

እንተኾነ ንሶም ነቲ ገበን ኣይውዓልናዮን ስለዝበሉ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ የለን።

ዛህራ ቃስም “ጾታዊ ዓመጽ ልክዕ ከም ብረት ሕነ መፍደዪ” ይውዕል ከምዘሎ እምንቶ ከምዘለዋ ትገልጽ።

ዛህራ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጻት ዝፍጽምሉ ዘለዉ ምክንያት ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስትይቲ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ስድራን መላእ ሕብረተሰብን ዓቢ ጽልዋ ስለዝሓድግ’ዩ” ትብል።

ሓደ ንነብሱ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለሪ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ምዃኑ ዝገለጸ ኣብ ሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጻት ክፍጸም ከተባብዕ እንከሎ ይርአ።

ንሱ ኣብቲ ድሒሩ ዝተደምሰሰ ቪድዮ “ንሕና ንደቅኹምም እንተዓሚጽናየን ነቲ ንስኹም ዝገበርኩሞ ኢና ሕነ ንፈዲ ዘለና፡ እዚ ሃገርና’ዩ ከምኡ ክንገብር ከኣ መስልና’ዩ ንገብሮ ከኣ ኣለና” እናበለ ክዛረብ እንከሎ ይስማዕ።

ነቲ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ይፍጽምዎ ኣለዉ ዝብሃል ዓመጻት ኣምልኪትና ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ሓለፍቲ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ “ሰራዊት ሱዳን ንሰባት ናትና ወተሃገራዊ ክዳን ገይሮም ገበናትን ዓመጻትን ከምዝፍጽሙ ይገብሩ ኣለዉ እዚ ከኣ ሰራዊት ህጹጽ ገደፍ ገበናትን ዓመጻትን ይፍጽሙ ኣለዉ ንኽብሃል ኢሎም ዝገብርዎ ዘለዉ’ዩ” ዝብል መልሲ’ዩ ተዋሂብና።

ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት መራሒ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ዝኾነ ዖምራን ዓብደላሂ ሓሰን “ሓደ ክልተ ዝኾኑ ብሰራዊትና ዝተረኣየ ነገራት ነይሩ’ዩ እቶም ዝፈጸምዎ ከምዝሕተቱ ጌርና ኢና” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ብሰራዊቱ ተፈጺሙ ንዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መርመራታት ከምዘካይደሉ’ኳ ሓቢሩ እንተነበረ ሕቡራት ሃገራት ግን ዝኾነ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ከምዘይጽሖ’ዩ ዝሕብር።

“ማሳሊት እንተኮይንካ ይቐትሉኻ”

ኣብ ጫድ ኣብ ዝርከብ ካልእ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ ኣሕማት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ኣብ ከተማ ኣርዳማታ ኣብ ሕዳር ዝተሰኣለ ሓሙሽተ ብረት ዘይሓዙ መንእሰያት ተሰሪዖም እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ክርእዮ እንከሎ የእዳዉ ቀጥቀጥ ይብል ነይሩ።

ኣብቲ ቪድዮ ሓደ ብላህጃ ዓረብ ናይ ሱዳን ዝዛረብ ሰብ “ሕጂ ክውድኦም’የ” ክብል ይስማዕ ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ ካብ ቀረባ ርሕቐት ኣድራጋ ጠያጥት ብምትኳስ ንሓሙሽቲኦም ሃረሞም።

ኣሕማት ንብዓቱ እናዛረየ “እዚ ኣሚር’ዩ እዚ ኸኣ ዓባስ” እናበለ ኣስማት ናይቶም ዝተቐተሉ መንእሰያት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድያ ሓሙሽቲኦም መንእሰያት ተሰሪዖም እናተረሸኑ እንከለዉ የርኢ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድያ ሓሙሽቲኦም መንእሰያት ተሰሪዖም እናተረሸኑ እንከለዉ የርኢ

እዚ ወዲ 30 ዓመት ንሕና ዓባስ ኢልና ንጽውዖ ዘለና ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ሰባት’ዩ ነይሩ፡ ነዚ ቪድዮ ከኣ ንመጀመርታ ግዜ’ዩ ዝርእዮ ዘሎ፡ እቲ ክስተት ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ብ5 ሕዳር ናብቲ ቦታ ምስ ኣተዉ ዝፈጸምዎ’ዩ።

ኣሕማት ወዲ ሓወብኡ ኣሚርን ዓባስ ዓርኩን ብቅጽበት ክሞቱ እንከለዉ ንሱን ካልኦት ክልተን ግን ተሃሪሞም ከምዝሃደሙ ይገልጽ።

ኣሕማት ናይታ ብሞንኩቡ ኣትያ ብሕቁኡ ዝወጽአት ጥይት በሰላ ኣለዎ።

ንሱ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረን ሓሙሽቲኦም ሰለማውያን ሰባት ምዃኖምን ይገልጽ።

ብኸመይ ከምዝሃደሙ ክገልጽ እንከሎ “ልክዕ ከምዛ ዝሞትና ስቕ ኢላን፡ ይዝከረኒ ምማተይ ኣይተርፈንን’ዩ ኢለ ጸሎት ጀሚረ ነይረ” ይብል።

ኣሕማት ብሰራዊት ህጹጽ ደገፍን መላፍንቶምን ካብ ጥቃ ገዝኡ ተጎቲቱ ከምዝተወሰደን ይሕብር። ኣብቲ ቪድዮ ዝርኣዩ ዕጡቓት’ውን ወተሃደራዊ ክዳኖም ልክዕ ከም ናይ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ’ዩ።

ካልኦት ክልተ ሰባት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ተጨውዮም ተወሲዶም ብዙሕ ኣደራዕ ከምዝወረዶም ተዛሪቦም።

ሓደ ካብኦም ወዲ 55 ዓመት ዮሱፍ ዓብደላሂ ኮይኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትተ እቶም ዕጡቓት ምስ ሓዝዎ ክሃድም’ኳ ኣንተኸኣለ ሓንቲ ሓራስ ምስ ውላዳ ክቐትልዋ እንከለዉ ብዓይኑ ከምዝተዓዘበ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣሕማት ናይታ ብሞንኩቡ ኣትያ ብሕቁኡ ዝወጽአት ጥይት በሰላ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Marek Polaszewski / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣሕማት ናይታ ብሞንኩቡ ኣትያ ብሕቁኡ ዝወጽአት ጥይት በሰላ ኣለዎ

ዮሱፍ “ምስ ሓዙና ካብ ዓሌት ማሳሊት እንኮይንና ሓቲቶሙና፡ እወ ማሳሊት’የ እንተኢልካዮም ይቐትሉኻ” ይብል።

ሱዳን ኣብ 2021 ኣልበሽር ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ’ያ ናብ ሓዲሽ ዘይርጉእ ኩነታት ኣትያ።

ኣብቲ እዋን ንሲቭልን ወተሃደራትን ዝሓቖፈ መንግስቲ ተመስሪቱ ነይሩ’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ዝተመስረት ሓዲሽ መንግስቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ብስራዊት ሱዳንን ብሰራዊት ህጹጽ ደገፍን ካብ ስልጣን ተኣልዩ።

እንተኾነ ክልቲኦም ሓይልታት ብኸመይ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንሰጋገር ኣብ ዝብል ዛዕባ ክረዳድኡ ስለዘይክኣሉ ናብ ውግእ ኣምሪሖም።

ሰራዊት ሱዳን ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ይጸንበር ዝብል ሓሳብ ሒዙ ስለዝምጽአ ነዚ ዘይተቐብልዎ ብሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ናብ ኲናት ኣትዮም። ካብ 15 ሚያዝያ 2023 ጀሚራ ከኣ ሱዳን ቀልጢፉ ናብ ዘይቅህም ባርዕ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ።

‘ኣብ ጥርዚ ዓጸቦ'

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጀመር ዓመቱ ክገብር ቀሩብ ምዓልታት'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ከኣ ኣብታ ሃገር ኣጋጢመ ዘሎ ስእነት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎ የጠንቅቓ ኣለዋ።

ዩኒሴፍ ኣብ ገለ ከባቢታት ሰባት ኣብ ጥርዚ ዓጸቦ በጺሖም ከምዘለዉ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።

ጓል ሰለስተ ዓመት ማነሰክ ሓንቲ ካብቶም ኣማኢት ኣሽሓት ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ዝማስኑ ዘለዉ ህጻናት ሱዳን'ያ።

ብእግራ ክትከይድ ኣይትኽእልን’ያ ክሳዳ’ውን ንርእሳ ናይ ምሽካም ዓቕሚ የብሉን። ማሲና’ያ።

ኣደ ማነሰክ ኢክራም ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ብዩኒሴፍ ዝምሓደር ሆስፒታል ሒዛት ትመላለስ ኣላ።

ወላዲታ፡ ማነስክ ካልእ ተወሳኺ ሕማም ከይህልዋ መርመራ ነኸይተግብረላ ንመርመሪ ዝኸውን ሰልዲ የብላን።

ብዓል ቤታ ንስድርኡ ዝኸውን ገለ እንተረኸበ ናብ ሰሜን ሱዳን ኣብ ሕርሻታት ስራሕ እንተረኸበ ኬይዱ’ዩ “ህይወትና ስራሕና ኩሉ ኢና ከሲርና” ብምባል ኢክራም ተማርር ንብዓታ ስለዝሰዓራ ኪንኡ ክትዛረብ ኣይክኣለትን።

ዙባይዳ [ማእከለይቲ] ሉኮምያ ዝብሃል ዓይነት መንሽሮ ኣለዋ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ምስ ዓባያ፡ ኣዲኣን ሰለስተ ደቃን ኣጽሊላ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Marek Polaszewski / BBC

መግለጺ ስእሊ, ዙባይዳ [ማእከለይቲ] ሉኮምያ ዝብሃል ዓይነት መንሽሮ ኣለዋ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ምስ ዓባያ፡ ኣዲኣን ሰለስተ ደቃን ኣጽሊላ ትርከብ

ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝበጻሕናሉ ኩሉ እቲ ክፍልታት ብስደተኛታት’ዩ መሊኡ ጸኒሕና።

ብማእከል እቲ ህጻናት ዝጻወትሉ ሜዳ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ክሓልፍ ይርአ፤ ርስሓት ከኣ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሓሙሽተ ህጻናት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝሞቱ ተነጊርና።

ኣደ ሸሞንተ ቆልዑ ዙበይዳ ዑመር ኣሓመድ ሉከምያ ዝብሃል ዓይነት መንሽሮ ከምዘለዋ ክትነግረና እንከላ ደጋጊማ ትስዕል ነይራ። ንሳን ስድራኣን ካብ ካርቱም ሃዲሞም’ዮም ናብ ፖርት ሱዳን መጺኦም።

ካብ ሚያዝያ ጀሚራ ዝኾነ መድሃኒት ክትረክብ ስለዘይክኣለት ብርቱዕ ቃንዛ ከምዘለዋ ሓቢራትና።

ብዓል ቤታ ብድሌቱ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ ይዋጋእ ኣሎ። ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ ድሃዩ ኣይሰመዐትን።

ኣዲኣ ዓባያን ሰለስተ ደቃን ምስኣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ’ዮም ተዓቒቦም ዘለዉ።

ኣብ ፖርት ሱዳን ካልእ ካብ ካርቱም ሃዲሞም ዝመጽኡ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ኮፕቲክ’ውን ረኺብና ኔርና።

ሓንቲ ካብኦም ዝኾነት ሳራ ኢሰያስ “እቲ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ሓይሊ ኣየር ኣዕንይና’ዩ” ትብል።

ንሳ ብዓልቤታ ብደብዳብ ነፋሪት ከምዝተቐተለን ካልእ ደብዳብ ከኣ ኣብ ጎረቤቶም ዓሊቡ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ትገልጽ። እቲ ደብዳብ ናይ ነፈርቲ ነቶም ኣብ መንበሪ ኣባይት ቤተ ክርስትያንን ተሓቢኦም ዝነበሩ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ዝተተኮሰ ከምዝኾነ ከኣ ትገልጽ።

ኣሜሪካ ክልቲኦም እቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ገበን ኲናት ከምዝፈጸሙ’ያ ትገልጽ እነተኾነ ክልቲኦም ወገናት ነዚ ክሲ ኣሜሪካ ይነጽግዎ’ዮም።

ነዚ ልዕሊ 11 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ብኽልቲኦም ወገናት ውሑድ ድሌታት’ዩ ተራእዩ።

እቶም ክሃድሙ ዓቕሚ ዘለዎም ካብታ ሃገር ወጺኦም’ዮም ኣብታ ሃገር ግን ኲናት፡ ጥምየትን ሕማምን ገና ይቅጽል ኣሎ እቲ ካብዞም ክልተ ወገናት ተዓዊተ ኢሉ ክገልጽ ዝኽእል ጽባሕ ኣብታ ሃገር እንታይ ሒዙ ከምዝተርፍ ብዙሓት ዝሓትዎ ዘለዉ ሕቶ’ዩ፡ ሱዳን ትበርስ’ያ ዘላ።