‘ሰብና ናብ ካናዳ ከነእቱ ኣዋርቕና ንሸይጥ ኣለና’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣያ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብፍጹም ኣይደቀሰትን።
ኣያ ካብቲ ንሳ ትነብሮ ዘላ ካናዳ ከተማ ኦንታርዮ 6000 ማይልስ ኣብ ዝርሓቐ ቦታ ሓዋ ፡ ሓትኖኣ፡ ኣኮኣን ሓወቦኣን ኣብ ማእከል እታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሱዳን’ዮም ዘለዉ።
ኣብታ ሃገር ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ 2023 ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር ከኣ ኵሎም ኣዝማድ ኣያ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣብ ህድማ’ዮም ዘለዉ።
ከቢድ ስንክልና ዘለዎ ሓዋ፡ ሃዲሙ ናብ ግብጺ ክኣቱ ክኢሉ ኣሎ፤ እቶም ዝተረፉ ዓጽመ ስጋኣ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን’ዮም ዘለዉ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣያን ስድራኣን ንመጀመርታ ግዜ ባና ተስፋ ክርኣዮም ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2023 መንግስቲ ካናዳ ኣስታት 3250 ዝዀኑ ሱዳናውያን ብምጥርናፍ ስድራቤት ክቕበል መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ፤ እዚ ከአ ንዅሉ ዘዕግብ’ኳ እንተዘይኰነ ንገለ ግን መስተርሆት ክፈጥረሎም ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መን’ዩ ናብ ካናዳ ክኣቱ ዝኽእል?
ብምጥርናፍ ስድራቤት ናብ ካናዳ ንምእታው እቶም ክኣትዉ ዝኽእሉ ሱዳናውያን ናይቲ ኣብ ካናዳ ቀዋሚ መንበሪ ወይ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ውላዱ፡ ደቂ ደቁ፡ ወለዱ፡ ኣቦሓጎታቱ ወይ የሕዋቱ ክዀኑ ኣለዎም።
እቲ ኣብ ካናዳ ዝርከብ ሰብ ከኣ ነቶም ካብ ሱዳን ዘምጽኦም ስድራኡ ንገንዘባዊ ወጻኢታቶም ክሽፍኖ ከምዝኽእል ከረጋግጽ ኣለዎ።
እቶም ናብ ካናዳ ክኣትዉ ዝደልዩ ሱዳናውያን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ረቋሒታት ምስ ኣማልኡ ብመንገዲ ኤምባሲ ካናዳ ንዝግበረሎም ሕክምናዊ መርመራ ክሓልፉ ኣለዎም፤ ካብዚ ብተወሳኺ ንዝዀነ ሰብ ስግኣት ዘይፈጥሩ ሰባት ምዃኖም ንምርግጋጽ ዝግበረሎም ናይ ጸጥታ መርመራታት’ውን ክህሉ’ዩ።
እቶም ስደተኛታት ኮይኖም ካናዳ ዝኣትዉ ሱዳናውያን፡ ክምሃሩን ዝኽፈልሉ ስራሕ ክጅምሩን ኣለዎም ኣብዚ ደረጃ ኰይኖም ከኣ ዜጋታት ካናዳ ንምዃን ከመልክቱ ይኽእሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ካናዳ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብምዝማድ ናብ ካናዳ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኣተዉ’ሞ ቪዛኦም ዝወደቐ፡ ንመንግስቲ ኣመልኪቶም ብዘይዝኾነ ጸገም ክጸንሑሉ ዝኽእሉ ዕድል ከፊቱ ኣሎ።
ዩኤንኤችሲኣር ከምዝሓበሮ፡ ካናዳ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ንሱዳናውያን ምጥርናፍ ስድራቤት ዝፈቐደት ሃገር ኰይና ኣላ።
ካብዚ ብምብጋስ ገለ ማሕበረኮም ሱዳናውያን ኣብ ካናዳ፡ እቲ ካናዳ ፈጢራቶ ዘላ ዕድል ብዙሕ ነገራት ከቃልለሎም ከምዝኽል ይገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኒስሪም ኢላሚን፡ “ከምቲ ግቡእ፤ መንግስቲ ካናዳ’ዩ ነቲ ወጻኢታት ምጥርናፍ ስድራቤት ክሽፍኖ ዝግባእ ነይሩ፤ ንኣብነት ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብዚ ከምጽእዎም እንከለዉ ኵሉ ወጻኢታቶም መንግስቲ’ዩ ሸፊንዎ” ይብል።
ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኒስሪም ኢላሚን ኣስዒቡ መንግስቲ ካናዳ ንነብሲ ወከፍ ዩክሬናዊ ስደተኛ ናብ ካናዳ ንኽኣቱ 3000 ዶላር ካናዳ ወጻኢ ከምዝገበረ፡ ብምግላጽ እዚ ዕድል እዚ ነቶም ሱዳናውያን’ውን ክወሃቦም ከምዘለዎ ይማጐት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ፋይናንሳዊ ተጽዕኖ’
ኣያ’ውን መንግስቲ ካናዳ ገለ ፋይናንስያዊ ሓገዛት ክገብር ከምዘለዎ’ያ ትምጕት።
ብመሰረት ካናዳ ዘውጽኣቶ ሕጊ ሓደ ሰብ ንስደራቤቱ ናብ ካናዳ ከምጽእ እንተዀይኑ ብውሕዱ 27 ሽሕን 514 ዶላር ካናዳ ኣታዊ ዘለዎ ወይ’ውን 9900 ዶላር ካናዳ ዘጠራቐመ ክኸውን ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ ቃል ስደተኛታትን ዜግነትን ካናዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ብምጥርናፍ ስድራቤት ቤተሰብካ ንኸተምጽእ እቲ ክንድዚ ሰልዲ ወይ ኣታዊ ክህልወካ ኣለዎ ዝብል ቅጥዒ በቲ ዝተሓተ መቓን’ዩ ተወሲዱ” ኢሉ።
ካናዳ ኣብ ቀረባ ግዜ ነቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍሊስጤማውያን’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ፈጢራ’ያ።
ኣያ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኣብ ግብጽን ዝርከቡ 23 ዝኾነ ኣዝማዳ ንምሕጋዝ ኣብ ቃልሲ ከምዘላ’ያ ትሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Ranya Elfil
ኣያ “መብዛሕትና ኵሉ ኣታዊታትናን ኣጠራቂምናዮ ዝነበርናን ስድራና ንምሕጋዝ ኢና ነውዕሎ ዘለና፤ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ካናዳ ኣብ ቅድመ ግንባር ኰይኑ ክሕግዘና ኣለዎ” ኢላ።
ራንያ ኢልፊል ኣባል ማሕበረኮም ካናዳ ሱዳን ኰይና፡ እቲ መንግስቲ ካናዳ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ዕድላት ጽቡቕ ስጕምቲ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ሱዳናውያን ንዝሓለፈ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስድራኦም ንምሕጋዝ ዝነበሮም ኵሉ ከምዝነገፉ ትሕብር።
ንሳ “ኣነ ስድራአን ናብዚ ንምምጻእ ኣዋርቐን ዝሸጣ ሱዳናውያን እፈልጥ’የ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Sayda Hassan
ኵለን ኤምባሲታት በቲ ኲናት ኣዝየን ተጸልየን’የን
ራንያ ኢልፊል ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኤምባሲታትን ትካላት ጥዕናን ኵለን በቲ ኲናት ስለዝተሃሰያ፡ ኣብ ሱዳን ኰይኖም እቲ መንግስቲ ካናዳ ዝጠልቦ ዘሎ ሕክምናውን ጸጥታውን መርመራታት ክገብርዎ ስለዘይክእሉ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክኸዱ ይግደዱ ከምዘለዉ’ያ ትገልጽ።
ንሳ “ኣብ መላእ ሱዳን ሰባት መርመራ ክገብሩላ ዝኽእሉ ሓንቲ ወግዓዊ ሕክምና ጥራይ’ያ ዘላ” ትብል።
ሱዳናዊት ሳድያ ሓሰን ምስ ኣደኣን ምስ ሓዋን ኰይነን ናብቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ሓዋ ንምኻድ’የን ዝጽበያ ዘለዋ።
እቲ ክምላእ ዘለዎ ወረቃቕቲ ንምምላእ ከኣ ካብ ኡምዱርማን ናብ ኣትባራ ንምብጻሕ 200 ማይልስ ክትጓዓዝ ነይርዋ።
“እቲ ጕዕዞ ምስዚ ዘሎ ኵናት ብምዝማድ ኣድካምን ሓደገኛን’ዩ ነይሩ፡ ናብ ኣትባራ ክነከይድ እንከለና በቶም ኣብ መንገዲ ዝጸንሑና ዕጡቓት ኣብ ሓያለ ቦታታት ኢና ተፈቲሽና ብዙሕ መርመራታት’ውን ተገይርልናን” ትብል።
ኵሉ እዚ እናዀነ ግን ነቲ መንግስቲ ካናዳ ዘተኣታተዎ ዕድል ኣዝዩ ክምስገን ከምዝግብኦ’ያ ሳድያ ሓሰን ትገልጽ።
ኣስዒባ፡ “እታ ስድራይ ምስ ሓውና ንጥርነፈላ መዓልቲ ብሃንቀውታ’የ ዝጽበያ ዘለኹ” ትብል።
ሓዋ ንሳድያ፡ እስማዒል ኣብ ኦንታርዮ’ዩ ዝነብር፡ “ስድራይ ንምርኣይ ተሃንጥየ ኣለኹ” ብምባል እንተዀነ እቲ መንግስቲ ካናዳ ዘተኣታተዎ ዕድል ውሑዳት ጥራይ ነቲ ቅጥዒ ከማልእዎ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።
እስማዒል፡ “እቲ ቍጽሪ ውሑድ’ዩ፡ ምናልባት እቶም 3250 ተባሂሎም ዘለዉ ሓደ ሰብ 4 ሰባት እንተኣእትዩ ትሕቲ 1000 ሰባት ጥራይ’ዮም ስድራኦም ከምጽኡ ዝኽእሉ” ይብል።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ብውሐዱ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ከምዘለዉ’ዩ ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ፍልስት ስደተኛታት ዝከተታተል ትካል፡ ብ21 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝሕብር።
ካብዚኦም እቶም 1.7 ሚልዮን ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሊብያን ከምዝተሰደዱ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ዩኤንኤችሲኣር ካልኦት ሃገራት ንናይ ካናዳ ኣብነት ተኸቲለን ንሱዳናውያን ዕድላት ክፈጥራ ተማሕጺኑ ኣሎ።
እቲ ካናዳ ፈጢራቶ ዘላ ዕድል ካብ 27 ለካቲት’ዩ ክጅምር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







