ሱዳን፡ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ወጺኣ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኲናት ከብቅዕ ብዝካየዱ ዘለዉ ጻዕርታት ዘይተሓጎሰት ሱዳን ካብ ኣባልነት ውድብ በይነ መንግስታት ልምዓት ሰሜናዊ-ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ወጺኣ።
ኢጋድ ነቲ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕመ ሰሪዕን (ኣርኤስኤፍ) ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ።
እቲ ዞባዊ ሕብረት ንኣዛዚ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ኣኼባ ክሳተፍ ድሕሪ ምዕዳሙ መንግስቲ ሱዳን ብሓሙስ ንኢጋድ ነቒፉ።
ነቲ ብኢጋድ ዝወጸ መግለጺ ድማ ‘ንሱዳን ጸርፊ እዩ’ ብምባል ኮኒኑዎ።
ኣብ 1996 ዝተመስረተ ዞባዊ ጉጅለ ኢጋድ ሃራት ኬንያ፣ ዩጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ሶማልያን ብኣባልነት ዝሓቖፈ እዩ።
እዋናዊ ራእይ ኢጋድ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ማእከላይ ኣታዊ ቊጠባ ምስግጋርን ‘‘ኣብ 2050 ድማ ማእከል ዞባዊ ሰላም፣ምርግጋእን ድሕነትን ንግባርን’’ ከምዝኾነ ይጠቅስ።
እቲ ዞባዊ ጉጅለ ነቲ ን 22 ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሱዳን ኣብ 2005 ከብቅዕ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሶማልያ ኣብ 2004 መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ርኡይ ተራ ነይሩዎ። ወታሃደራዊ ሓይልታቱ እውን ኣብቲ ኣብ ሶማልያ ዝተዋፈረ ኣኽባሪ ሰላም ቀንዲ ተሳተፍቲ እዮም።
ብሓሙስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ፡ ካምፓላ፡ ተራኺቦም ነይሮም።
መራሒ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፍ ምዃኑ ዝፈለጠ መንግስቲ ሱዳን ንባዕሉ ካብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈን።
ኣብ መንጎ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃንን ጀነራል ደጋሎን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ስዒቡ፡ ኲናት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ እዩ ተወሊዑ።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ሰራዊት ሱዳን ንዝበዝሕ ከባቢታት ሱዳን ንምቁጽጻር ዝቃለስ ዘሎ ኮይኑ፡ ዝበዝሕ ክፋል ከተማ ካርቱምን ምዕራባዊ ግዝኣት ዳርፉርን ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተመንዚዑ።
ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ኣኼባ ኢጋድ፡ ኲናት ሱዳን ቀንዲ ዛዕባ እቶም መራሕቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጠረ ወጥሪ እውን ተዘራሪቦም።
ወኪል ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ከም ዝጸብጸበቶ፡ ኢጋድ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ሱዳን‘‘ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ተኹሲ ደው ክብል’’ ጸዊዑ።
ብተወሳኺ መራሕቲ ሰራዊት ሱዳንን ጉጅለ ህጹጽ ደገፍን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብኣካል ክራኸቡ ከምዝጸወዐ እታ ወኪል ዜና ጸብጺባ።
ድሕሪ እዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሃገሩ ምስ ኢጋድ ዘለዋ ርክብ ከምእተቋርጽ ኣፍሊጡ።
ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ ተወሳኺ መግለጺ ድማ ሱዳን ብምኽንያት መግለጺ ኢጋድ ካብ ኣባልነታ ተግልል ከምዘላ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ዛጊት ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ሱዳናውያን ኣብ ውሽጢ ሱዳንን ወጻእን ከምዝተሰደዱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ እውን ጸብጻባት ይገልጹ።
ጀነራል ደጋሎ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከበአን ሃገራት ዝበጸሐ ኮይኑ ኣካል ዓለም ለኻዊ ቅቡልነት ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ተንተንቲ ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







