ሱዳን፡ ኣብ ኣገዳሲት ከተማ 'ዋድ መደኒ' እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ብ15 ታሕሳስ ንጉሆ ካብ ዓሰርተ ዝበዝሑ ኣብ ወተሃደራዊ መካይን ዝተጽዓኑ ዕጡቓት፡ ነታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ቀጺላ ዝዓበየት ዝኾነት ከተማ ዋድ መደኒ ኣጥቂዖም፡፡
እቶም ወተሃደራት ኣባላት ናይቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ህጹጽ ደገፍ (ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ) እዮም፡፡
ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት፡ እቶም ሓይልታት ንከተማ መደኒ ከምዝተቖጻጸሩዋ ኣፍሊጦም፡፡ ዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታት ከምዝብሎ፡ እቲ ውግእ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ኣፈናቒሉ ኣሎ፡፡ መብዛሕትኦም ድማ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ውግእ ካርቱም ሃዲሞም ዝመጹ እዮም፡፡
ዋድ መደኒ ንምንታይ ንተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ኣገዳሲት ኮይና?
ስትራተጂካዊት ከተማ

ርእሰ ከተማ ግዝኣት ኣል-ጃዚራ ዝኾነት ዋድ መደኒ፡ ካብ ካርቱም ንኣንፈት ሰሜናዊ ምብራቕ 175 ኪሜ ርሒቓ ትርከብ፡፡ እዛ 700 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ፡ ኣብ ካርቱም ጎንጺ ምስተወለዐ ሃዲሞም ዝመጽኡ ልዕሊ 86 ሽሕ ተፈናቐልቲ እውን ኣዕቚባ ነይራ፡፡
እታ ከተማ ሰፈር ቀዳማይ ክፍለሰራዊት እግረኛ ሰራዊት ሱዳን ብምንባራ፡ ኣርኤስኤፍ ነታ ከተማ ምቁጽጻሩ ዓብዪ ዓወት ገይሩዎ፡፡
ኣል-ጃዚራ፡ ምስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን ዘለዋ ሰለስተ ግዝኣታት ዋይት ናይል ፣ ሰናርን ገዳርፍን ትዋሰን፡፡
‘‘እዚ ኣርኤስኤፍ ነተን ግዝኣታት ክቆጻጸር ዕድል ይህቦ’’ ይብል ነበር ጀነራልን በዓል ሞያን ሱዳናዊ ዓብዱላህ መሓመድ ኣሕመድ፡፡
‘‘ኣርኤስኤፍ ኣብ ዋድ መደኒ ዝተቖጻጸሮ ወታሃደራዊ ማእከላትን ኣጽዋርን፡ ከም ሓድሽ ናይ ምልመላን ስልጠናን ማእከል ከገልግሎ እዩ፡፡ ናብ ሓደሽቲ ቦታታት ድማ ከም መንጠሪ ክጥቀመሉ እዩ፡፡’’
ዋድ መደኒ፡ ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ማእከል ሕክምና ካንሰር ሓዊሱ ቀንዲ ማእከላት ጥዕና እታ ግዝኣት ዝርከቡላ እያ፡፡ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ካርቱም ውግእ ምስተወለዐ፡ ማእከል ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይና እውን ኣገልጊላ ነይራ፡፡
እታ ተማ ምስተትሓዘት ግና ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ከይዶም ኣለዉ፡፡
ሓድሽ ማዕበል ምምዝባል

ፀብፃባት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ካብ ከተማ ዋድ መደኒን ከባቢኣን ተመዛቢሎም፡፡
ከድጃ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ እያ ካብቲ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ውግእ ሃዲማ፡፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኩነታት ንዓኣን ንስድራኣን ቁሩብ እናሃደአ ነይሩ፡፡
ኣብ ዋድ መደኒ ውግእ ምስተወለዐ ግና መሊሳ ክትሃድም ከምዘለዋ ፈሊጣ፡፡
‘‘ደቀይ ሒዘ ብታክሲ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ መዕረፊ ኣውቶቡስ ከይደ’’ ትብል፡፡
ካብኡ ድማ ብካልኣይቲ መኪና ካብታ ከተማ ወጺእና፡፡ እተን ዝነበራኒ ናይ መወዳእታ ሳናቲም ነቲ ሽፈር ሂበዮ፡፡’’
ከድጃ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ዝኸኣሉዎ ኣቑሑቶም ተሰኪሞም ብእግሮም ክወጹ ከምዝረኣየት ትዛረብ፡፡
ካብ ዋድ መደኒ ኣስታት 100 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳናር ምስ በጸሐት፡ እቲ ዝጸንሓ ኩነታት ካብቶም ናይቶም ኣብ ዋድ መደኒ ዝተረፉ ዝሓመቐ ከምዝኾነ እውን ትገልጽ፡፡
‘‘ኣብ ጫፍ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኢና ኣዕሪፍና ዘለና፡፡ ምግቢ ዀነ ማይ የለን፡፡ ኣብ መሬት ኢና እንድቅስ ዘለና’’ ትብል፡፡
‘‘ኣብ ዋድ መደኒ፡ ብውሑድ ምግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ንረክብ ኔርና፡፡’’
እቶም ኣብ ዋድ መደኒ ዝተረፉ ሰባትከ?

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ዝነብር ናይ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ኣብድ-ኢልሃሚድ (ሓቀኛ ሽሙ ኣይኮነን) ገዝኡ ገዲፋ ክስደድ ከምዘይደለየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ኣብ ዋድ መደኒ እየ ዓብየ፡ ካብዚ ኣይወጽእን፡፡ ክንዲ ድላዩ ሓደገኛ ይኹን’’ ኢሉ፡፡
ዕጡቓት ህጹጽ ደገፍ ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ኣብ ከባቢኡ ዘሰንብዱ እዋናት ከምዝነበሩ ይገልጽ፡፡
እቲ ፕሮፌሰር ከምዝብሎ ኣብዚ እዋን እቶም ዕጡቓት መፈተሺ ኬላታት ገይሮም ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዋድ መደኒ እዮም ዘለዉ፡፡
‘‘ገለ ወታሃደራቶም ሰባት ገዲፎምዎም ካብ ዝኸዱ መካይንን ገዛውትን ምስራቕ ጀሚሮም ኣለዉ’’ ይብል እቲ ፕሮፌሰር፡፡
ብተወሳኺ ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሽር እዮም ንዝበሉዎም ሰባት ከምዝኣሰሩ ይዛረብ፡፡ ኣል በሽር ኣብ 2019 እዩ ብወታሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ተወጊዱ፡፡
‘‘ድኳናት ተዓጽዮም እዮም፤ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ኣይህባን ዘለዋ፡፡ ወታሃደራት ኮኑ ፖሊስ የለዉን፡፡ ዕጡቓት ኣርኤስኤፍ ጥራሕ እዮም ኣብዚ ዘለዉ’’ ይብል ኣብድ-ኢልሃሚድ፡፡
‘‘ዋድ መደኒ ሰብ ዘይረኣየላ ከተማ ኮይና ኣላ፡፡’’
እዋናዊ ኩነታት እቲ ጎንጺ እንታይ ይመስል?
እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ ሰራዊት ሱዳን ኮነ ዕጡቓት ህጹጽ ደገፍ ወሳኒ ዝበሃል ዓወት ኣይረኸቡን፡፡
ሰራዊት ኣርኤስኤፍ 70 ምኢታዊት ከተማ ካርቱም፣ ኣብ ዳርፉር ካብ ዘርከባ ሓሙሽተ ግዝኣታት ነተን 4፣ ኣብ ቀረባ ድማ ንከተማ ዋድ መደኒ ተቖጻጺሮም፡፡
ሰራዊት ሱዳን ድማ ሰሜናውን ደቡባውን ክፋል እታ ሃገር ከምኡ ድማ 30 ምኢታዊት ከተማ ካርቱም ሒዙ ኣሎ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ተኹሲ ብቓዋምነት ደው ከብሉ ንምሽምጋል ብስዑድ ዓረብ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







