መራሒ ሱዳን ኲናት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክጋፋሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, SARAH YENESEL/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK

መራሒ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክጋፋሕ ከምዝኽእል ንሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንተጻባኢ ሓይሊ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ - ዳዕመ-ሰሪዕ - ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ክብይኖ ተማሕጺኑ።

መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ሓምዳን ደጋሎ፡ ብኻልእ ገጽ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ድሉው ምንባሩ ገሊጹ።

ሱዳን ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሩ ህይወት ኣሽሓት ኣብ ዝበልዐ ኲናት ሓድሕድ ጥሒላ ትርከብ።

ኣብ መንጐ እቶም ኣብ 2021 ብሓባር ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ጀነራላት ብዝተፈጠረ ናይ ስልጣን ቍርቍስ፡ ሰራዊቶም ኣብ ዝፈላለየ ከባቢታት ሱዳን ይዋግኡ ኣለዉ።

ብሓሙስ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስመዐ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ዝመርሖ ሰልፊ ንሰላማዊ ዘተ ድሉው ምህላዉን፡ ‘‘እቲ ኲናት ደው ክብልን ስቓይ ህዝቢ ክሃድእን’’ ከምዝደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ግን ከምዝነጸጐ ተዛሪቡ።

እንተዀነ እቲ ብ ሕሜቲ ዝፍለጥ ተነሓናሒኡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾም ውሑዳት ቪድዮታት፡ ሰላማዊ ዘተ ንምግባር ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ ሚያዝያ፡ ኣባላት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ድሕሪ ምውፋሮም፡ ሰራዊት ሱዳን ነዚ ከም ስግኣት ምርኣዩ ዝሰዓበ እዩ።

ዋላኳ ነታ ናይ መጀመርታ ጥይት መን ከምዝተኮሳ እንተዘይተፈለጠ፡ እቲ ግጭት ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ብዙሓት ከባቢታት ተጋፊሑ።

ኣክለድ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዛጊድ 7500 ሰባት ከምዝተቐተሉን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ እቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ዕልዋ፡ መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ዝቐጸለ ጀነራል ኣልቡርሃን ዓለምለኻዊ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክበጽሕ ቀንዩ።

ኣልቡርሃን ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስቲ ኣብ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ሞዛምቢክን ማሊን ዝንቀሳቐስ ሩስያዊ ጕጅለ ቫግነር ርክብ ከምዘለዎ ኣተንቢሁ።

"ሓደጋ ናይዚ ኲናት፡ ኣብዚ እዋን ንዞባውን ዓለምለኻውን ሰላምን ጸጥታን ስግኣት ምዃኑ እዩ፤ ምኽንያቱ እዞም ዓመጽቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ሃገራት እዚ ዞባን ብደረጃ ዓለምን ካብ ዝርከቡ ዘይሕጋውያንን ግብረሽበራውንን ጕጅለታት ሓገዝ ሓቲቶም ኣለዉ" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ጥሕሰት መሰላትን ምዝውዋር ኣጽዋርን ሓሽሽን ይድግፍ ኣሎ ክብል ዝኸሰሶ ጕጅለ ዳዕመ-ሰሪዕ ግብረሽበራዊ ኢልካ ምብያን ክሕሰበሉ ጸዊዑ፡፡

ጀነራል ኣልቡርሃን እቶም ዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነትን መቕጻዕቲን ከምዘድልዮም እውን ገሊጹ።

እንተዀነ ባዕሉ እውን ኣብቲ ኲናት ይወስዶም ብዘሎ ስጕምቲታት ይውቀስ እዩ።

ኣብ መስከረም ካብ መዝነቱ ዝወረደ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርዘስ፡ ክልቲኦም ጀነራላት ነታ ሃገር ናብ ኲናት ኣእትዮምዋ ክብል ወቒሱዎም ነይሩ።

ሚስተር ፐርዘስ፡ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝቈጻጸርዎም ከባቢታት ጾታዊ ዓመጽ፡ ዘረፋን ቅትለትን ፈጺሞም ክብል ገሊጹ፤ ንሰራዊት ሱዳን እውን ዒላማ ዘይፈለዩ ደብዳባት ብምክያድ ወቒሱ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ጻዕቒ ሰብ ኣብ ዘለዎም ከተማታት ብምዕራዶም፡ ሰራዊት ሱዳን ድማ ነዞም ከባቢታት ከም ቀንዲ ወተሃደራዊ ዒላማ ይወስዶም።

ዛጊድ ኣመሪካ፡ ጀነራል ደጋሎ ዝርከቦም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ወሃብ ህጹጽ ድገፍ - ዳዕመ-ሰሪዕ - ማዕቀብ ዘንበረት ኰይና፡ ምዕራባውያን ግን ንጀነራል ቡርሃን እውን በቲ ኣብ 2021 ንመሪሕ ውድብ ሱዳን ኣብ ምፍንቓል ዝነበሮ እጃም ኣትሪሮም ይነቕፍዎ፡፡