ሱዳን፡ ‘ብወተሃደራት ዝመጽእ ፍትሒ የለን፡ ናብ ኲናት ሓድሕድ ክትሽመም እያ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስልጣኑ ዝለቅቕ ዘሎ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርተስ ኵነታት ሱዳን ኣመና ከምዝተሓሳሰቦን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ክሸማ ምዃኑን ኣጠንቂቝ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ኣብ መንጐ እቶም ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝተላዕለ ግጭት፡ ነታ ሃገር ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ክዓርግ ዝኽእል ሓደጋ ከምዘለዎ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሱዳን ካብ እተፍልጥ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ሓሊፉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ከምጽእ ከምዘይክእ እውን ገሊጹ፡ ክትብል ኣ’ተቕዪር ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ኣቃሊሓ።
ንሱ፡ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ህዝቢ ሱዳን ሰላምን ፍትሕን ንምርግጋጽ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ መከራን ገዚፍ መስዋእቲ ይኸፍል ከምዘሎን፤ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓትን፡ ዘስዓቦ ከንቱ ግጭታትን፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ሱዳን ምርግጋእ ከረጋግጽ ከምዘይክእል ብዘየማትእ መንገዲ ኣርእዩ'ዩ" ኢሉ።
ቮልከር፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዘይምርግጋእን ስቓይን ከጋድድ ጥራይ እምበር ዘምጽኦ ለውጢ የለን ክብል ኣስሚሩሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መንጐ ሓይልታት ሱዳንን ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ብዝተፈጥረ ግጭት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ቮልከር ፐርተስ፡ ኣብቲ ን ባይቶ ጸጥታ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መደረኡ፡ ንወተሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ንመራሒ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን - ሕሜቲን ብኸቢድ ነቒፉ።
ንሱ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነታ ሃገር ናብ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓድግታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሸምም ኲናት ከእትውዋ ምምራጾም ዓቢይ ታሪኻዊ ስሕተት ምዃኑ ኣሚቱ።
ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት ጾታዊ ዓመጽ፡ ዝምታን ቅትለትን ይፍጽሙ ብምህላዎም ክወቅስ እንከሎ፣ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ብኣልማማ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒኑ።
ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከቡ ሓካይም ተወኪሱ ከምዘረጋገጾ፡ ኣብ ከተማ ንያላ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣርብዓ ሰባት ሞይቶም፤ እዚ ድማ ኣብ ርእሲ እቶም ብሰንበት ዝተቐትሉ ልዕሊ 50 ሰባት ምዃኑ ኣብሪሁ።
ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከተማታት ዝተሰረቱ ኰይኖም ሰራዊት ሱዳን ከኣ ነዞም ከባቢታት ከም ቀንዲ ዒላማ ይቘጽሮም ኣሎ።
ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት፡ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ሰባት ተለልዮም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ጸዊዑ።
ንሲቪላት ንምዕጣቕ፡ ብፍላይ ብወገን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ንዝቐረበ ጻውዒት ክተት ኮኒኑ።
ኣብቲ ግጭት ብቐቢላ ወይ ብብሄር ዝተጠርነፉ ምሊሻታት ይሳተፉ ስለዘለዉ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኵነታት ከየጥሕላ ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩ ዘሎ ሓደገኛ ኣመታት ምዃኑ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







