'ሓደ ወተሃደር ክሳብ ዝተርፈና ክንዋጋእ ኢና' - ጀነራል ሕመድቲ

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሒ ናይቶም ኣንጻር ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣደዒም ኣልሰሪዕ "ኣብ ርእሰከተማ [ካርቱም] ሰፊሕ ህላወ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክሳብ ሓደ ወተሃደር ዝተርፈና ክንዋጋእ ኢና" ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ናብ ስልጣን ንምምጻእ ዝወልዖ ኲናት ምዃኑ'ውን ደጊሙ ከሲሱ። እቲ መልእኽቲ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘመሓላለፎ ዝተፈለየ እዩ።

ሕመድቲ ብ27 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ ቦትኡ ክምለስን'ዩ ጸዊዑ ነይሩ።

ነቲ ክሲ ዝነጸገ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ብወገኑ፡ ሰራዊቱ ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ክስዕሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ደቡብ ሱዳንን ግብጽን ምብጻሕ ብምክያድ ላዕለዋይ ኢድ ከምዘለዎ ክሕብር ጸኒሑ'ዩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ንሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ከም "ኣሸባሪ ውድብ" ክርእዮ'ውን ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሓደ ሓላፊ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ዘካየዶ ርክብ "ሕማቕ ኣብነት" ዝፈጥር'ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነቒፉ።

ብሰኑይ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ርእሰከተማ ጁባ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ተራኺቡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሃገሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲነት ተዘራሪቡ ነይሩ።

ደቡብ ሱዳን ንቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዋ ክልቲኦም ወገናት ተረዳዲኦም ክብል ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢሩ'ሎ።

ብ30 ነሓሰ'ውን እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንፈለማ ግዜ ናብ ወጻኢ ዝካየዶ መገሻ ናብ ግብጺ ዝቐንዐ'ዩ ነይሩ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ጁባ

ምንጪ ስእሊ, Suna

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ጁባ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብምርኻብ ተዘራሪቡ

ኣብ ስዊድን ዝካየድ ዘሎ ፍርዳዊ መስርሕ

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ክልተ ሓለፍቲ ስዊድናዊ ኩባንያ ነዳዲ፡ ምስቲ ኣብ ሱዳን ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናት ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ክልተ ላዕለዎት ኣካየድቲ ምስቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ናይ ሎሚ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ገለ ቦታታት ዝተፈጸመ ገበናት'ዮም ተኸሲሶም።

ኢያን ሉንዲን ዋና ኣካያዲ ናይቲ ብሓደ ስድራቤት ዝውነን ትካል ነዳዲ ሉንዲን ኦይል ኮይኑ፡ ኣለክስ ሽነይተር ድማ ካብ መወዳእታ 90ታት ክሳብ ፈለማ ዓመታት 2000 ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ኩባንያ ዝነበረ'ዩ።

ክልቲኦም፡ መንግስቲ ሱዳን ንገለ ክምዝምዝዎ ዝደለዩ ከባቢታት ሃጊሩ ክህቦም ከምዝሓተቱን፡ ብሰንኩ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ኣባይቶም ተቓጺሉ ከምዝተሰጉን ገሊኦም ከምዝተቐትሉን ብምግባሮም'ዮም ተኸሲሶም ዘለዉ።

ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ምስ ኣወጀት ዝበዝሐ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ቦታታት ሒዛቶ'ያ ተፈልያ።

ክልቲኦም ንዝቐረበሎም ክስታት'ኳ እንተነጸጉ፡ ናይ መወዳእታ ምጉት ኣብ ለካቲት 2026 ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

እቲ ኣብ ታሪኽ ስዊድን ዝዓበየ ፍርዳዊ ጉዳይ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ መስርሕ፡ ድሕሪ ንዓመታት ዝተኻየደን 80 ሽሕ ገጻት ዘለዎ ሰነድ ዝተዳለወሉን እዩ።