ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንፈለማ ግዜ ናብ ወጻኢ ገይሹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብሰሉስ ናብ ግብጺ ተጓዒዙ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ከም ዝዘተየ ተፈሊጡ።
እቲ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣል-ኣላሚን ከም ዝኣተወ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ነቲ ጀነራል ከም ዝተቐበሎ’ውን ሓቢሩ።
ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን፡ ኣብ ሚያዝያ ግጭት ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ እዚ ጀነራል ካብ ሃገሩ ወጻኢ ክገይሽ እዚ ንፈለማ እዩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ እዋን ኲናት ንጀነራል ቡርሃን ደጊፉ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ግጭት ብዘተ ንኽፍታሕ እውን ክጽዕር ጸኒሑ’ዩ።
እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፡ ክሳብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ሱዳን ተዓጽዩ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
እዚ ሕጂ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ንምዝታይ ካብታ ሃገር ወጺኡ ክገይሽ ምኽኣሉ ድማ፡ ምድኻም ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ዝነበረ ጸቕጢ ምንካዩን ዘመልክት ምዃኑ ይግምገም።
እዚ ኰይኑ ግን ኣብ ዞባ ዳርፉር ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ግጭታት ይቕጽሉ ምህላዎም ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።
ጀነራል ቡርሃን፡ ቅልውላው ሱዳን ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳባት ብምንጻግ፡ ነቲ ውግእ ብዓወት ክዛዝሞ እየ ክብል ብሰኑይ ገሊጹ እዩ።
ግብጺ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ሱዳን ከቢድ ስክፍታ ስለዝፈጠረላ፡ እቲ ግጭት ንኽዓርፍ ዝከኣላ ክትገብር ከምትኽእል እዩ ዝግለጽ።
እታ ሃገር፡ ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻልን ብሰንኩ ዝፍጠር ሰብኣዊ ቅልውላው ከይዓሙቕን፡ ነቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ክትሽምግል ቀጻሊ ጻዕሪታት ክትገብር ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ግብጺ፡ መሓዛ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ምዃኑ ዝፍለጥ’ኳ እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብዚ ኲናት፡ ርኡይ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣይሃበን ዘሎ።
እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዳርፉር ከተማ ንያላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ሕጂ’ውን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ።
ኣብታ ከተማ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ነበርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ድልድል ኣትዮም ካብቲ ውግእ ከም ዘዕቈቡ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።
ሰራዊት ሱዳን ጽዑቕ ደብዳብ ብምፍጻሙ ግን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 39 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይገልጹ።
ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን፡ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ግጭት ካብ ዝልዓል ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሱዳናውያን፡ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ፡ ነቲ ኲናት ንምዕራፍ ዘየቋርጽ ጻዕሪታት ሰላማዊ ዘተ ተስፋ ይገብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







