ካላሽን ኣብ ዕዳጋታት ካርቱም ብጸሊም ዕዳጋ ብብዝሒ ይሽየጥ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዕዳጋታት ከተማ ካርቱም ከላሽን ኤከይ 47 ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሽየጦ ዝነበረ ዋጋ ብፍርቂ ነክዩ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንሓንቲ ከላሽን ብ830 ዶላር ፈቕድኡ ይሽየጥ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ሱዳን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኵናት ሓድሕድ ካብ እትኣቱ፡ እቲ ኣብ ኢድ ብዙሓት ዝርከብ ኣብ ሩስያ ዝስራሕ ብልምዲ ከላሽን እናተብሃለ ዝጽዋዕ ፎኵስ ብረት ዋጋኡ ነክዩን ብቐሊሉ ኣብ ዝርከበሉን ኣብ ዕዳጋታት ካርቱም ብቕሉዕ ክሽየጥ ይውዕል ኣሎ።
እቲ መሸጣ ብረት ብዘይካ ኣብ ካርቱም ኣብተን መዳውብቲ ካርቱም ዝኾና ከተማታት ኡምዱርማንን ባሕርን’ውን ዓሚሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለፅ።
ሓደ ኣብ ካርቱም ብረት ብምሻጥን ብምግዛእን ዝናበር ዘሎ ንቢቢሲ ሽሙ ከይጥቀስ ብምልባው ሓበሬታ ዝሃበ ውልቀሰብ፡ መብዛሕትኦም እቶም ብረት ዝሸጥሉ ሰባት ጥሮታ ዝወጹኡ ላዕለዎት ሓለፍትን ሰብ ማዕረግ ናይቲ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ [RSF] ከምዝኾኑ ገሊጹ።
ብፍላይ ኣብ ከተማ ባሕሪ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኵናት ምስ ጻዕጸዐ፡ እቲ መሸጣን ምግዛእን ብረት’ውን ከምዝዛየደ ይግለጽ።
ኣብታ ከተማ ኣብ ፈቐዶ ጎዶናታት ባሕሪ ኣስክሬን ወተሃደራት ምርኣይ ንቡር’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ዝበዘሐ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ስለዘላ እቲ ዝበዝሐ ሬሳታት ናይ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ብረት ብምእግዛእን ብምሻጥን ዝናበር ዘሎ ሱዳናዊ “ብዙሓት ሰራዊት ተማሪኾም ብዙሓት ከኣ ተቐቲሎም’ዮም፡ ስለዚ እቶም ብረት ዘምጽኡልና ሰባት ብቐሊሉ’ዮም ነቲ ብረት ካብቶም ዝሞቱ ዝረኽብዎ ዘለዉ” ይብል።
እቲ ውልቀ ሰብ ቅድሚ ሕጂ፡ መራሒ ሊንያ ነበር ጋዳፊ ኣብ 2011 ምስ ተቐተለ ኣብ ሊብያ ሕገ ኣልቦነት ስለዝነገሰ ብረት ብሕቡእ ካብ ሊብያ ይመጽኦም ከምዝነበረ ብምግላጽ ሕጂ ግን ብቀሊሉ ይረኽብዎ ከምዘለዉ የብርህ፡ ምስ ናይ ሊብያ ኩነታት ብምዝማድ ከኣ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣብ ሱዳን ሕጊ ኣልቦነት ይነግስ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ እቲ ካብ ልብያ ዝመጽእ ብረታት ናብ ምሊሻታት ወይ ከኣ ናብ ጫድ ይሸጥዎ ከምዝነበሩ ይገልጽ።
ሕጂ ግን ወተሃደራት ካብቶም ዝሞቱ ኣልዒሎም ብመንገዲ ዘዋፈርዎም ደላሎ ነቲ ብረት ይሸጥሎም ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ነበርቲ ካርቱም ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ሕጊ ኣልቦን በቲ ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኣብ ከቢድ ራዕዲ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ብሰንኪ ስግኣት፤ ብዙሓት ነበርቲ ንመሐለዊ ነብሶም ከላሽን ይገዝኡ ኣለዉ፡ እቶም ከላሽን ዝሸጥሎም ሰባት ናብ ግዝኦም ሒዘሙሎምም ይኸዱ፡ ነታ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢዶም ሒዞማ ዘይፈልጡ ካላሽን ከኣ ከመይ ጌርካ ከምእትዕመርን ከምእትትኮስን ሓጺር መግለጺ ሂቦምም ገንዘቦም ተቐቢሎም ይኸዱ።
እታ ከላሽን ብዘይ ጥይት ስለእትውሃቦም፡ ካዝንኦም ንምምላእ ናብቲ ኣብ ኡምዱርማን ዝርከብ ሹቕ ኡምዱርማን ዝብሃል ቦታ ብምኻድ ክንዲ ዘድልዮምን ከም ዓቕሞሙን ኣብ ክፉት ዕዳጋ ዓዲጎም ይምለሱ።
ወዲ 55 ዓመትን ኣቦ ሽዱሽተ ዉሉዳትን ዝኾነ ነባሪ ካርቱም፡ ኣብ ገዝኡን ስድርኡን መጥቓዕቲ ከይምጽኦ ስለዝሰገአ ከላሽን ኤከይ 47 ከምዝዓደገ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ዝኾነ ሰብ ብዘይምኽንያት ከጥቕዓካ ይኽእል’ዩ፡ እዚ ዘሎ ኵናት ናብ ዓሌታዊ ውግእ ከምርሕ ይኽእል’ዩ፡ እቲ ቀንዲ ፍርሕና ከኣ ንሱ’ዩ” ከኣ ይብል።
ሱዳን፡ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣብ ሞንጎ ንሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ብሕሜቲ ዝብል ስም ዝፍለጥ ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን፤ ዝጀመረ ዘይምርዳእ’ያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኵናት ሓድሕድ ኣምሪሓ።
እዞም ክልተ መራሕቲ ሰራዊት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ምስ ፈጸሙ ኣብ ሞንጎኦም ናይ ሰልጣን ንሕንሕ ስለዝተፈጠረ፡ እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ኵናት ተወሊዑ።
እዚ ሸቓጢ ብረታት ልዕሊ ከላሽን እተን ክትሽከመንን ክትጥቀመለንን ኣዝየን ቀለልቲ ዝኾና ሽጉጥ ልዑል ጠለብ ከምዘለወን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ሰለስቲአን ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን [ካርቱም ባሕርን ኡምዱርማንን] ፖሊስ፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ፍርድን ስለዝፈረሰ እቲ ገበናት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ኣብ ካርቱም ካብ ዝርከብ ዝዓበየ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ገበናት ዘለዎም እሱራት ብምሉኦም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ወጺኦም።
ኣብታ ሃገር ቀረብ መሰረታዊ ነገራት ስለዘየለን ሽቕለት ኣልቦነት ስለዝበዝሐን ህዝቢ ብፍላይ ኣብ ካርቱም ኣብ ዓቢ ጸገም ከምዝርከብ’ዩ ዝግለጽ።
ህዝቢ ዋላ’ኳ ኣብ ከቢድ ፋይናንስያዊ ጸገም እንተሃለወ፡ ብዙሓት ሰባት ንገዝኦም ካብ ስርቒ ንኣባላት ስድርኦም ካብ ዓመጽ ንምክልኻል ብረት ይገዝኡ ኣለዉ።
እቲ ብረት ብምሻጥ ናብርኡ ዝመርሕ ዘሎ ሱዳናዊ፡ ዋጋ ሽጉጥ ካብ 800 ሽሕ ናይ ሱዳን ፖውንድ [1330 ዶላር] ናብ 200 ሽሕ ናይ ሱዳን ፓውንድ ብምጉዳል’ዩ ዝሸጦ ዘሎ።
“ዋጋ ሽጉጥ ልዕሊ ካላሽን ዝኸብርሉ ምኽንያት እቲ ፍቃድ ብቐሊሉ ይርከብ ስለዘይነበረ’ዩ፡ ሕጂ ግን ዝኾነ ፍቓድ ኣየድልየካን’ዩ፡ ሽጉጥ ትገዝእ ትጥቐመሉ” ድሕሪ ምባል እቲ ጠለብ ልዑል ስለዘሎ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኽቦ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ዝልዓለ መኽሰብ ይረክብ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እቶም ከላሽን ዝዓደጉ ሰባት ከላሽኖም ኣብ ገዝኦም ጥራይ’ዮም ዝጥቐሙላ፡ እቶም ሽጉጥ ዝዓደጉ ግን ናብ ዕዳጋ ይኹን ናብ መዐደሊ ነዳዲ ክኸዱ እንከለዉ ሽጉጦም ሒዞም’ዮም ዝኸዱ።
እቶም ብጉጅለ ብምዃን ሰብ ዝኸትሩ ዘለዉ በጋሚንዶታት ክሳብ ክንደይ ሓደገኛታት ከምዝኾኑ ንምርዳእ ታሪኽ ናይ ሓደ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ተመርዕዩ ወዲ ሓደ ዓመት ውሉድ ዘለዎ ወዲ 24 መንእሰይ ምግላጽ ኣገዳሲ’ዩ።
እዚ ነባሪ ኡምዱርማን ዝኾነ መንእሰይ ኣብታ ከተማ ናብ ዕዳጋ እናኸደ እንከሎ ብጉጅለ ዝንቀሳቐሱ በጋሚንዶታት ደው ኣቢሎም ኩሉ ዝነበሮ ሰልዲ ኣራፊፎም ብጥይት ኣብ ዓንዲ ሕቑኡ ሃሪሞሞ ከይዶም።
ኣብታ ከተማ እትርከብ እንኮ ኣገልግሎት ትህብ ሆስፒታል ዝነበሩ ሓካይም እቲ ማህረምቱ ልዕሊ ዓቕሞም ስለዝኾኖም ብኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ናብታ ካብ ኡምዱርማን 200 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዞባ ‘ሪቨር ናይል’ ክኸይድ ተገዲዱ።
እታ ጥይት ካብ ዓንዲ ሕቑኡ ኣውጺአሙሉ እንተኾነ እቲ ማህረምቲ ነባሪ ዝኾነ መልመስቲ ሓዲግሉ።
እዚ ዛንታ ሓድጊ ናይቲ ንህይወት ሚልዮናት ሱዳናውያን ኣንጸላልዩ ዘሎ ኵናት’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







