ዘተ ሰላም ብዝነጸጉ መራሕታ እትነድድ ዘላ ሱዳንን ጻዕሪ ጎረባብታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
- Author, ኣሌክስ ደ ዋል
- Role, ተንታኒ ፖሎቲካ ኣፍሪቃ
ጎንጺ ሱዳን ንምህዳእ ዝጽዕራ ዘለዋ ብኬንያ ዝምረሓ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ሃገር ድሕነት ሰላማውያን ንምሕላውን ነቶም ተቐርቂሮም ዘለዉ ሚልዮናት ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ክከኣል ዞባዊ ሓይሊ ክዋፈር ይደፍኣ ኣለዋ።
እንተኾነ እቶም ተጓነጽቲ ሓይልታት በዚ ክሰማምዑ ምግባር እቲ ዝኸበደ ይመስል፤ ምኽንያቱ እቲ ጎንጺ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ክልቲኦም ወገናት ወታሃደራዊ ዓወት ምርካብ'ምበር ካብኡ ወጻእ ድልየት ኣየርኣዩን።
ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ምብራቕን ማእከላይን ሱዳን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ንምክልኸል ይዋጋእ ኣሎ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ወይ ሓመቲ ዝምራሕ ሰራዊተ እውሃቢ ቅልጢፍ ደገፍ (ኣር ኤስ ኤፍ) ብወገኑ ኣብታ ኣባላቱ ብቕትለት፣ጾታዊ ዓመጽ ከምኡ'ውን ሆስፒታላት ብምቁጽጻርን ብምዕናውን ዝኽሰሰላ ካርቱም ዝሰፈሐ ቦታታት ብምሓዝ ላዕዋይ ኢድ ሒዙ'ሎ።
ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ትሕዝቶታት ኣርኤስኤፍ ብዘይ ዕረፍቲ ዝድብድብ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ምዕራባዊት ግዝኣት ዳርፉር ዘሰምብድ ግህሰታት እዩ ካብ ሚድያ ተኸዊሉ ዝፍጸም ዘሎ። ኣርኤስኤፍ ንመብዛሕትኡ ከባቢ እቲ ግዝኣት ተቖጻጺርዎ እዩ። እቶም ዕጡቓት ምስ መሻርኽቶም ኣዕራብ ሚልሻታት ብምዃን ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ተወለድቲ ዓሌት ማሳሊት፡ ካብቲ መበቆል ዓዶም ዝኾነ ምዕራባዊ ዳርፉር ኣባሪሮምዎም።
ነቲ መጥቃዕቲ ‘‘ምጽናት ዓሌት’’ ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ካስ ኣባከር፡ ክዳን ኣርኤስኤፍ ዝተኸደኑ ዕጡቓት ጨውዮም ቀቲሎምዎ።
ድሕሪ'ዚ ኵናት ምውልዑ ልዕሊ 160 ሽሕ ማሳሊት ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ተሰዲዶም ኣለዉ።
ብዙሓት ተወለድቲ ዳርፉር፡ እቲ ሓንፈጽ ዓሌታት ዘለዉዎ ክልል ናብ ዓረባዊ ምምሕዳር ንምቕያር ዝተትሓዘ ነዊሕ ትልሚ ዝፍጸመሉ ግዜ በጺሑ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምዕራብ ዳርፉር እቲ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ፡ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት እዩ። ነዚ ተግባር ክፍጽም ግዴታ ዘለዎ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክንሱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብቲ ከባቢ ወጺኡ እዩ። እቲ ውሳነ ግጉይ ዝነበረ ይመስል።
ሓይልታት ኣርኤስኤፍ ንርእሰ ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋን፡ ኢል-ኦበይድ፡ እውን ይኸቡዋ ኣለዉ።
ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን፡ ን 12 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜን ዝተባህለ ጉጅለ፡ ሰራዊት ሱዳን ምስ ኣርኤስኤፍ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ድሕሪ ምውጣሩ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ካዱጊ ገስጊሱ ኣሎ።
ዋላኳ ቅልቅላው ሱዳን ንምፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት እንተወሓዙ፡ መን ይምረሓዮ ኣብ ዝብል ግን ስምምዕ የለን።
ካብ ካልኣይ ሰሙን ምጅማር እቲ ጎንጺ፡ ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ክልቲኦም ወገናት ምቁራጽ ቶኵሲ ንኽገብሩ ከሰማምዕኦም ክኢለን ነይረን'የን።
እንተኾነ እቲ ስምምዕ ኣብ ባይታ ፍረ ክርከቦ ኣይክኣለን።
ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ሓድሽ መተዓረቒ ሓሳብ ሒዘን ከምዝቐርባ ገሊጸን ኣለዋ። ነታ ንኣርኤስኤፍ ከም እትድግፍን እተዕጥቕን ዝንገረላ ዘሎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን ናብቲ ዘተ ክትሕወስ ይጽዕራ ኣለዋ። እንተኾነ ዛጊት ዝሃበቶ መግለጺ የለን።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ፡ ምንቅስቓስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘየሐጎሶም መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ ብዝበሃል ዞባዊ ሕብረት ኣቢሎም ንምሽምጋል ምንቅስቓስ ጀሚሮም።
መሰጋገሪ ዲሞክራሲ ሱዳን ንምምላስ ዝሕግዝ ምቁራጽ ቶኵሲ፣ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ምጅማር ፖለቲካዊ ዘተን ዘሳልጥ፡ መራሕቲ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ጅቡቲን ዝሓዘ ጉጅለ ተመሪጹ።
ነቲ ጉጅለ ዝመርሕ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ኵናት "ትርጉም ኣልቦ" ብምባል ክልቲኦም መራሕቲ ወታደራዊ ሓይሊ "ነታ ሃገር ብምዕናውን ሰላማውያን ብምቕታልን" ወቒስዎም። ኣብ ዳርፉር "ድሮ ምልክታት ምጽናት ዓሌት" ከምዘሎ እውን ተዛሪቡ።
እዚ ብሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከበ ጉጅለ መራሕቲ እዩ፡ ዞባዊ ኢድ ኣእታውነት ከፈጥር ዝኽእል ሓይሊ ናብ ምውዳብ ኣትዩ ዘሎ።
እቲ ካልኣይ መንገዲ ድማ ምስ ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ብምዃን ክልቲኦም ጀነራላት ተራኺቦም ክዘራረቡ ምግባር እዩ።
እቲ ሳልሳይ ዕዮ "ንኹሉ ዝሓውስ ፖለቲካዊ ዘተ" ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምጅማር እዩ። ኣብዚ ሲቪላውያን ወከልቲ ምምጻእን እኹል ድጋፍ ጌርካ ኣብቲ ዘተ ወሳኒ ግደ ክህልዎም ምግባርን ይጠልብ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ን ኣርኤስኤፍ የሻሩ እዩ ብዝብል ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ተበግሶ ነጺግዎ። ንገለ መራሕቲ ሲቪላዊ ሰልፊታት እውን ምስ ጀነራል ሕመቲ ወጊኖም ክብል ከሲሱ። ዋላኳ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ኣኼባ ክሳተፍ ተሰማሚዑ እንተነበረ ጸኒሑ ግን ነጺግዎ። ወኪል ኣርኤስኤፍ ግን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ'ዩ።
ክልቲኦም ወታሃደራዊያን ሓይልታት ቅድሚ ናብ ኲናት ሓድሕድ ምእታዎም፡ ኣብ 2019 ብዘካየድዎ ዕልዋ ኣብ ጽፍሒ ናይ መንግስቲ ብሽርክነት'ዮም ክሰርሑ ጸኒሖም።
እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ብቤተሰብ ዳጋሎ ዝምራሕን ካብ ዕደና ወርቂ፣ ዕሱብነትን ንግድን ገንዘብ ዝረክብን ኣርኤስኤፍ ዝለዓለ ብጽሒት መንግስትነት ወሲዱ።
እቲ ጉጅለ እውን ንባዕሉ ኣብ ምዕራብ ዳርፎር ምስ ዝርከቡ ሕሉፋት ኣዕራብን ጎረባብቲ ሃገራትን ካብ ምምሕዛው ወጻኢ ናይ መንግስትነት ድልየት ኣይነበሮን።
ቀንዲ ጸገም ጀነራል ኣልቡርሃን ሓይልታቱ ነታ ሃገር ኮነ ነቲ ህዝቢ ክሕልዉ ዘይምኽኣሎም እዩ። ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ከም መንግስቲ ተቐባልነት ክህልወካ እተኽእል ምቁጽጻር ርእሰ ከተማ እኳ ክገብሩ ኣይከኣሉን።
ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ ንተበግሶ ፕረዚደንት ሩቶ ብዙሕ ሓገዝ ኣየርኣየትን ነይራ፤ ብኣንጻሩ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣተኲራ ነይራ። እንተኾነ ዛጊት ዝለዓለ ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል ኢዳ ኣእትያ ንምስታፍ ምንቅስቓስ ጀሚራ ኣላ።
ጎንጺ ሱዳን ንደቡብ ሱዳን እውን ብኸቢድ ከጸለዋ ጀሚሩ ኣሎ። ደቡብ ሱዳን ናይቲ ብፖርት ሱዳን ኣቢላ እትልእኾ ነዳዲ ክራይ ንጀነራል ኣልቡርሃን ከይትህቦ ጀነራል ሕመቲ ጸዊዑ ኣሎ። ኣማራጺ መንገዲ ዘይብላ ደቡብ ሱዳን ዛጊት መልሲ ኣይሃበትን ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ዊልያም ሩቶ ምስ መራሒ ጫድ መሃማት ደቢ ተዘራሪቡ። ቅልውላው ዳርፉር ንሃገሩ ከይልክማ ዝሰግአ ፕረዚደንት ደቢ ብዛዕባ ክሰራሕ ዘለዎ ስራሕቲ ምስ መራሕቲ ዳርፋር ዘተ ኣካይዱ።
ግብጺ ዛጊት ልዕሊ 250 ሽሕ ሓደሽቲ ስደተኛታት ሱዳን ተቐቢላ ኣላ። ዕንወት ካርቱም እንተቐጺሉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ማእከላይ ናብራ ዘለዎ ህዝቢ ሱዳን ናብ ግብጺ ክውሕዝ ከምዝኽእል እውን ተሰጊኡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ቐጠር ሓድሽ ተበግሶ ሰላም ይጅምር ከምዘሎን ኣብዚ ሰሙን ከምዝመኽሩን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ግብጺ ኣብ ጎኒ ጀነራል ኣልቡርሃን ከምዝኾነት ብግልጺ ኣርእያ እያ፤ ነዚ ክኸውን ይኽእል ኣልቡርሃን ንተበግሶ ኢጋድ ዘጓትት ዘሎ። ኣልሲሲ ኣብ ሱዳን ዝተኣማመነሉ መሓዛ ጀነራል ቡርሃን እዩ። ስለዚ ዋላኳ ነታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዘእቱ እንተኾነ፡ ምምላስ ናይቶም ብቱርክን ቐጠርን ዝድገፉ እስላማውያን ዕጡቓት ክጻወር ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ዓረብን ዘሎ ንሕንሕ ዘተ ሰላም፡ ንኹለን ብዘይ ፍረ ከየትርፈን ስግኣት ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት ካብዚ መስርሕ ተገሊፉ እዩ። ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ውድብ ኣብ ሱዳን ፡ ቮልከር ፐርዘስ፡ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ዲሞክራሲ ብዘለዎ ቴክኒካዊ ዓቕሚ እምበር ከምዚ ዓይነት ደማዊ ጎንጺ ኣብ ምፍታሕ ብዘለዎ ልምዲ ኣይኮነን ተመሪጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ጀነራል ኣልቡርሃን ናብታ ሃገር ከይኣቱ ከልኪልዎ እዩ። ብዙሓት ሱዳናውያን ብሕቡራት ሃገራት ዕጉባት ስለዘይኮኑ መስርሕ ሰላም እታ ሃገር ክመርሕ ኣይደልይዎን።
ብተመሳሳሊ እቲ ቀንዲ ዛዕብኡ ጉዳይ ስደተኛታት ዝኾነ ሕብረት ኣውሮጳ እውን የሻቕሎም እዩ። ስደት ደው ከብል እየ ምስ ዝበለ ዝኾነ ኣካል ክመሓዘዉ ይኽእል'ዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።
ገለ ሱዳናውያን እውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣርኤስኤፍ ኣብ ሓለዋ ዶብ ክሳተፍ ምፍቃዱ ይወቕሱ። ሕብረት ኣውሮጳ ግን ነዚ ክሲ ኣይቕበሎን'ዩ።
ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ፈተና ከቢድ እዩ። ዛጊት እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘውጽእዎ ትልሚ ግልጽን ዝተዋደደን እዩ፤ እንተኾነ ገና ብዙሕ ዕንቅፋታት እዩ ዘሎ።ብፍላይ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት እቲ ጸገም ብኲናት ከምዘይፍታሕ እንተዘይኣሚኖም።
(ኣሌክስ ደ ዋል፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕግን ዲፕሎማስን ፍሌቸር ዩኒቨርሲቲ ተፍትስ ዋና ዳይረክተር ፋውንዴሽን ሰላም እዩ)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







