ቅልውላው ሱዳን፡ ኣፍሪቃዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ንምውፋር ዋዕላ ክካየድ ኢጋድ ወሲኑ

መራሕቲ ኢጋድ ኣብ ኣኼባ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣዲስ ኣበባ 10 ሓምለ 2023

ምንጪ ስእሊ, IGAD

ንጉዳይ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተመዘዛ ኣርባዕተ ሃገራት ኢጋድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ፡ ኣፍሪቃዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ንምእታው ዝዓለመ ዋዕላ ክካየድ ጸዊዐን ኣለዋ።

ነቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ክልተ ጀነራላት ንምቅርራብ ብኣሜሪካን መራሕቲ እዚ ዞባን ሱዳናውያንን ዝተማእከለ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምክያዶም'ዩ እቲ ውሳነ ተወሲዱ ዘሎ።

"ሲቪላውያን ንምሕላውን ሰብኣዊ ደገፍ ንምእታው ውሕሰነት ንምሃብን ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EASF) ዝዋፈረሉ ተኽእሎ ንምግምጋም ዋዕላ" ክካየድ ከምዝወሰኑ እቶም መራሕቲ ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

መራሕቲ ኢጋድ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ 13 ሓምለ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ኣኼባ ጎረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት ዘለዎም ደገፍ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

"ክልቲኦም ወገናት ብህጹጽ ጎንጺ ደው ብምባል፡ ብዘይዝኾነ ቅድመኩነት ብኣድማዒ ኣገ ኣገባብ ምቁጽጻርን ምክትታልን ዝተሰነየ ገደብኣልቦ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክፍርሙ ኣትሪርና ንጽውዕ" ክብሉ መራሕቲ ኢጋድ ተማሕጺኖም።

ኣብ ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ናይ "ብሄርን ሃይማኖትን መልክዓት" ምሓዙ ከምዘሻቐለን ዝገለጻ እተን ወክልቲ ኢጋድ ዝኾና ኣርባዕተ ሃገራት "ምትእትታው ወጻኢ ነቲ ግጭት የናውሖን የጋድዶን ምህላዉ" ጠቒሰን።

እቲ "ምእትታው ወጻኢ" ብመን ዝተኻየደ ምዃኑ ግን እቲ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ኣይጠቐሰን።

ልዕሊ 600 ሽሕ ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት በቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከምዝተፈናቐሉን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኩሎም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ሱዳናውያን ዝበጽሓሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ምስ ትካላት ረዲኤት ክተሓባበሩ እቶም ወከልቲ ኢጋድ ጸዊዖም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ጂቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ንኣቦመንበር ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ወኪሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ቦል መል ድማ ነቲ ምክትል ኣቦመንበር ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብምውካል ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም።

መራሕቲ ኢጋድ ኣብ ክፍላ ሰነ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንጉዳይ ሱዳን ክከታተላ ምምዛዞም ይዝከር።

ሶማልያ ስለምንታይ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይተሳተፈት ዝተገልጸ ነገር የለን።

ኣብቲ ብኣቦመንበርነት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ዝተመርሐ ኣኼባ፡ ወኪል ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣሰሪዕ፡ ዮሱፍ ዒዛት ተሳቲፉ።

ኣቦመንበርነት ዊልያም ሩቶ ዘይቀደዎ ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሰዳን ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈን። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣኼባ ብካልእ ሰብ ክምራሕ ብምጽዋዕ ዘቕረብዎ ጠለብ መልሲ ይጽበዩ ምንባሮም ይጠቅስ።

"ልኡኽ ሰራዊት ሱዳን ብመሰረት ዝተገብሉ ዕድመ ክሳተፍ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ በዂሩ ምውዓሉ ዘሕዝን'ዩ" ክብል እቲ ኢጋድ ዘውጽኦ መግለጺ ('ኮሚኒከ') ገሊጹ።

ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮለ ኣዶየ፡ ከምኡ'ውን ወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ግብጺ፡ ብሪጣንያ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከምዝተሳተፉ ኢጋድ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ከምኡ'ውን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ'ውን ተረኺቦም ነይሮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምክትል ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቓ ሞሊ ፊ ምስ ሓለፍቲ እዚ ዞባ ብዛዕባ ሱዳን ንምምኽኻር ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምእትኣቱ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ መግለጺ፡ ሞሊ ፊ፡ ኢጋድ፡ መራሕቲ ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ሃገራትን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝሰርሑ ዘለዉ ሱዳናውያንን ኣብቲ ዓውደ ዘተ ክሳተፉ ምዃኖም'ውን ጠቒሱ።

እንተዀነ ሱዳን ትሪቡን ዝተበሃለት ፍልጥቲ ጋዜጣ ሱዳን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘተ ንሱ ይኹን ወከልቱ ከምዘይተሳተፉ ጸብጺባ ነይራ።

እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብፍላይ ኣብ ካርቱም ዓቢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣስዒቡ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብፍላይ ኣብ ካርቱም ዓቢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣስዒቡ'ዩ

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ይዅን ወከልቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይሳተፍሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህሉው ኣቦ ወንበር ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ምስ መራሒ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብዘለዎ ጥቡቕ ርክብ፡ ኣብ ሱዳን ዘይሻራዊ ዝዀነ መርግጺ የብሉን ካብ ዝብል ከምዝዀነ፡ ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ከም ምንጪ ጠቒሳ እታ ጋዜጣ ገሊጻ።

እታ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ናብ ኢጋድ ዝተመለሰት ኤርትራ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፍ ድያ ኣይትሳተፍን’ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ትማሊ 8 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ምሸት ፕረዚእደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምክትል ፕረዚደንት መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ማሊክ ዓጋር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ ከምዘዘራረበ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

እቲ ርክብ፡ ኣብ ጭቡጥ ህሉው ኵነታት ሱዳን ዘድሃበ፡ ንተስፋን ተኽእሎታትን ደው ምባል እቲ ግጭትን፡ ከምኡ’ውን ተራ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ እቲ ግጭት ዘተኮረ ምዃኑ ጀነራል መሊክ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምክትል ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ ሎምን ጽባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምእትጸንሕን ተገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ንመገሻ ሞሊ ፊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ንዝኾነ ወገን ሱዳን ወተሃደራዊ ደገፍ ከይህባን ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኢደን ከየእትዋን ኣተሓሳሲቡ።

ቈጸራ ካይሮ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግብጺ ንኽልቲኦም ጀነራላት ሓሙስ ናብ ካይሮ ጸዊዐ ከዘራርቦም’የ ኢላ ኣላ።

ደጋፊት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዝኾነት ብሰፊሑ እትግለጽ ግብጺ ትኹን ንጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን እትድግፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዞም ክልተ ጀነራላት ንምቅርራብ ዝኾነ ወግዓዊ ተበግሶ ኣይወሰዳን ጸኒሐን።

ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ንወከልቲ ኽልቲኦም ወገናት ኣብ ጅዳ ኣብ ዘዛተያሉ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢደን ኣይሓወሳን።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ክካየድ ዝተሓሰበ ዘተ ነቲ ግጭት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ነቶም ኣብ ጽዕጹዕ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ንምረርዳእ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ፍረ ክርከቦ ኣይክኣለን ኣሎ።

ኣሜሪካ ስዑድ ዓረብን ንኽእልቲኦም ወገና ቶኵሲ ደው ንኸብሉ’ኳ ኣንተኣፈራረመኦም ኣብ ባይታ ግን ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክኣለን።

እዚ ሰለስተ ወርሒ ክገብር ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ዝተረፎ ኵናት ሱዳን፡ ጠንቂ ምፍንቓል 2.9 ሚልዮን፡ ጠንቂ ስደት ልዕሊ 700 ሽሕ ክኸውን እንከሎ ብሰንኪ እዚ ኵናት ኣማኢት ሰባት ምማቶም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።