ቅልውላው ሱዳን፡ ኣብ ካርቱም ብደብዳብ ነፈርቲ 22 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ካርቱም ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱን ሓያለ ከምዝቘሰሉን መሰካኽር ዓይኒን ሰብ መዚ ጥዕናን ገሊጾም።
ካብቶም ዝሞቱ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝርከብዎም እቶም መሰኻኽር ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ደብዳብ ነፋሪት ቀዳም ንግሆ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ዳር ኢ'ሳላም ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጐደና’ዩ ተፈጺሙ።
ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝመርሑ ሰራዊት ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሮም ንካርቱም ንምቍጽጻር ኣብ ጽዕጹዕ ኵናት ተጸሚዶም ይርከቡ።
መጻኢ ዕጫ እታ ሃገር ኣብ ኢድ እቲ ንሰራዊት ሱዳን ዝምርሕ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ብሕሜቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ከምዘሎ’ዮም ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዝዛረቡ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ካርቱም፡ በቲ ደብዳብ ብውሕዱ 22 ሰበት ከምዝሞቱ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ክሕብር እንከሎ፡ ሓለፍቲ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ብወገኖም ቁጽሪ ምውታት 31 ከምዝዀነ ገሊጾም።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ነቲ ደብዳብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ደብዳብ “ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ሰፍ ዘይብል ዕንውት ኣውሪዱ” ኢሉ።
ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቲንዮ ጉተረዝ፡ ኣቕድም ኣቢሉ እቲ ‘ዘስካሕክሕ’ ዝበሎ ኵናት ናብ ምሉእ ኵናት ሓድሕድ ከየምርሕ ዘለዎ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ “ኣብ ምሉእ እቲ ዞባ ምንዋጽ ክፈጥር ዝኽእል’ዩ” ምባሉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ኵናት ደው ኣቢሎም ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕልዉ ምጽውዑ’ውን ይዝከር።
ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ንዝበዝሐ ክፋላት ካርቱምን፡ ምስ ካርቱም ዝዳወባ ከተማታት ኡምዱርማንን ባሕርን ተቘጻጺርወን ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ንዝሰፍሐ ክፋል እዘን ናብ ዓውደ ኵናት ተቐይረን ዘለዋ ሰለስተ ከተማታት [ካርቱም፡ ኡምዱርማንን ባሕርን] ተቘጻጺሩ ዘሎ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ንምህራም ብተደጋጋሚ ደብዳብ ኣየርን ከቢድ ብረትን ከምዝፍጽም መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።
እዚ ካብ ዝጅመር 12 ሳምንታት ኣቍጺሩ ዘሎ ኵናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉን ንኽስደዱን ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት’ውን ግዳይ ሞት ንክዀኑ ጠንቂ ኰይኑ’ዩ።
ኣብ ካርቱም ኵሉ ቀረባት ተሳኢኑ ነባሪ እታ ከተማ ኣብ ራዕዲ ተዋሒጡ’ዩ ዝሓልፎ ዘሎ፡ ድኳናት ሳሕቲ’የን ዝኽፈታ፡ እተን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ጥዕናን ፋርማሲታትን ግን ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ተዓጽየን’የን።
እቲ ኵናት ኣብ መጀመርታ ኣብ ካርቱምን መዳውብታ ዘለዋ ከተማታትን ጥራይ’ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ክሳብ ምዕራብ ዞባ ዳርፉር ልሒሙ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ዞባ ዳርፉር ቅድሚ ሕጂ ዓሌታዊ ጎንጽታት ዝተራአየሉ ዞባ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጂ’ውን እቲ ኵናት ዓሌታዊ መልክዕ ከይሕዝ ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ መላእ ሱዳን በዚ ኵናት ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብውሕዱ ሰለስት ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ቅድሚ ሕጂ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅስን ተጻብኦታት ንኽበጽሑ ጻዕርታት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ተግባራዊ ግን ክኸውን ኣይክኣለን።
ኢጋድ ብወገኑ ንኽልቲኦም ወገናት ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ንኸዘራርቦም’ኳ መደብ እንተሓንጸጸ፡ ወሃቢ ቃል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ግን፣ እቲ ጀነራል ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዘይሳተፍ ብኣጋኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







