ቅልውላው ሱዳን፡ ኣብ ኡምዱርማን ጽዕጹዕ ኲናት ይቕጽል ኣሎ

ሰማያት ኡምዱርማን ብትኪ ተዓብሊዅ ይርአ

ኣብታ መዳውብቲ ካርቱም ዝዀነት ከተማ ኡምዱርማን፡ ጽዑጹዕ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ ነበርቲ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ፡ ንዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ብከበድቲ ብረት፡ ደብዳብ ነፈርትን ፎኰስቲ ብረትን ተሰንዩ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣዝዮም ከምዝርዓዱ’ዮም ዝገልጹ።

ንመብዛሕትኡ ክፋል ካርቱም ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ ነፋሪት ውግእ ሰራዊት ሱዳን ሃሪሞም ከምዝውደቝ ተፈሊጡ ኣሎ።

ነቲ ብፓራሾት ምስ ወረደ ዝሓዝዎ ኣብራሪ እታ ነፋሪት’ውን ኣሲሮምዎ ኣለዉ።

ተንተንቲ እቲ ከባቢ፡ ብጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ካብ ኡምዱርማን ናብ ምዕራብ ሱዳን ዝራኸበሉ መስመር ንምብታኽ ይዋግኡ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ዞባ ዳርፉር፡ ዓረባውያን ምልሻታት ዓረብ ንዘይኰና ስድራቤታት የጥቅዑ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ሱዳን ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝተጀመረ ኲናት ንመላእ ሱዳን ናብ ምሉእ ሕንፍሽፍሽ ኣእትይዋ ይርከብ።

ካርቱምን ኡምዱርማንን ከኣ ቀንዲ ማእከል ስሕበት እቲ ኲናት ኰይነን፡ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ኣብ ክልቲአን ከተማታት ላዕለዋይ ኢድ ንምሓዝ ናብ ዓውደ ኵናት ቀይሮመን ኣለዉ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ስዑድያ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ'ኳ እንተካየዱ ዘላቒ ፍታሕ ግን ከምጽእ ኣይከኣለን።

እቲ ውግእ ዓሌታዊ መልክዕ ከይሕዝ ኣስጊኡ ስለዝርከብ ከኣ ዝያዳ ኣሻቓሊ ይገብሮ።

ታሪኽ ዓሌትነት ኣብ ሱዳን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብተን ኣብ ሓደ እዋን ሰላም ዝነበራ ኣስታት 10 ሚልዮን ነበርቲ ዝነበሩወን ከተማታት፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣባይቶም፡ ድኳናቶምን ኣብያተ ጽሕፈቶምን ገዲፎም ሃዲሞም ኣለዉ።

ገሊአን ብቦምባታት ተደብዲበን፡ ገሊአን ድማ ተታሒዘንን ተዘሚተንን፤ ብሓይልታት ወሃብ ደገፍ ዝተዘመቱ፡ መዝሐሊ ኣየርን [ኣየር ኮንድሽን] ኣቝሑት ገዛን ይርከብዎም።

ንገሊኦም፡ ሱዳን ዝሰልጠነ ሰራዊት ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ሃገር ስለዘይኮነት፡ ቦጦሎኒታት ኣጋር ሰራዊት ርኡይ መኽሰብ ዓውደ ውግእ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ሰራዊት፡ ከም ካልኦት ብዙሓት ጽላታት ሕብረተሰብ ሱዳን፡ ክሳብ ሕጂ ብታሪኽ ዓሌትነትን ባርነትን መግዛእትን ሱዳን ተሓናፊጹ ይርከብ።

እቲ ሰራዊት ካብ ዝቐውም፡ ልዕሊ ክልተ ዘመን ዘቝጸረ ኰይኑ፡ ኦቶማንን ግብጻውያንን ሰራዊት ባሮት ኣብ ዝመስረቱሉ እዋን እዩ።

ካብ መብዛሕትኦም ድኻታት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰባት ዝግበር ምልመላ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ቀጺሉ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ከምኡ ኰይኑ ጸኒሑ። ገለ ካብቶም ወተሃደራት ዘርኢ ባሮት እዮም።

ኣብ ትሕቲ እቲ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዝጸንሐ ምሕደራ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ወተሃደራዊ ኮለጅ ሱዳን ሳሕቲ እዮም ተቐባልነት ዝረኽቡ ነይሮም።

ኣብ ርእሲኡ ኣመልከትቲ ብሄሮም ክጠቕሱ ይግደዱ ነይሮም።

ከም ውጽኢቱ ድማ ውሑዳት ጥራይ እዮም ናብ ላዕለዎት ጽፍሒ ደይቦም፤ እቲ ሰራዊት ብዓቢኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጀነራላት ካብቶም ምስ ግብጺ ዝዳወብ ምሁራት ዓረብን ኑብያን እዩ።

ወተሃደራት ኣብ ወርሒ ካብ 11 ዶላር ክሳብ 16 ዶላር ጥራይ ይኽፈሎም። እዚ ድማ ብኣንጻር ናይቶም 80% ቍጠባ ብምቍጽጻር፡ ኩባንያታትን ፋብሪካታትን ብምቛም ንነብሶም ዘሀብትሙ ጀነራላት ምዃኑ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ይገልጽ።

ብሰንኪ ትሑት ደሞዝ፡ ገለ ወተሃደራት ክሳብ ናብቶም ሚሊሻ ከም ዝጽንበሩ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ የመን ዝነበረ ጥምረት ስዑዲ-ኢማራት ዝወፈረ ሓይሊ ተሰሊፎም ነይሮም።

ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ሚሊሻ መሓመድ ሓምዳን "ሕሜቲ" ዳጋሎ፡ ሓይልታቱ ኣብ 2017 ዕደና ወርቂ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ዶብ ጫድን ሊብያን ምስ ተቘጻጸሩ፡ ዓቢ ነጋዳይ ወርቂ ኰይኑ።

እቲ ካብ ንግዲ ወርቂ ዝረኽቦ ገንዘብ ናብ ምሕያል ስሩዕ ሓይልታት ክቐንዕ ይግባእ ብምባል፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ጉዳይ ኣይፈተዎን።

ኣልበሽር ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ሚሊሻ እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ንዳጋሎ፡ ሕሜቲ ዝብል ሳጓ ሂብዎ፤ ትርጕሙ ድማ "ሓላዊየይ" ማለት እዩ።

ኣብ ከባቢ ካርቱም መዓስከራት ታዕሊም ተተኺሉ። ኣማኢት ላንድክሩዘር፡ ፒክኣፕ መካይን ካብ ወጻኢ ኣትየን መዳፍዕ ተገጢሙለን።

እቲ ሚሊሻ ካብ 80,000 ክሳብ 100,000 ዝግመቱ ወተሃደራትን ልዕሊ 10,000 ዕጡቓት ፒክ-ኣፕ መካይንን ሒዙ፡ ዳርጋ ኣጋር ሰራዊት ሱዳን ኰይኑ።

ካብ ዳርፉር ዝመጹ ዓረብ ዓንዲ ሕቘ እቲ ሚሊሻ እዮም። ኣብ 2000ታት ንዕጡቓት ተቓወምቲ ዳርፉር ንምምካት ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ኰይኖም፡ ሕጂ ስልጣን ምሓዝ ተራኦም ምዃኑ ዝኣምኑ ይመስሉ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሓይሊ ወሃቢ ደጋፍ፡ ብዙሓት "ቦጦሎኒታቱ" ብኣባላት ሓደ ዓሌት ወይ ብሄር ዝቘማ ብምዃነን፡ ነንሕድሕደን ንምክልኻል ይቃለሳ።

ብኣንጻሩ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን፡ ንነባራት ህዝባዊ ሚሊሻ ጥሮተኛታት መኮንናትን ወተሃደራትን ክምልምሉ ክጽውዕ ተገዲዱ ኣሎ።

እቲ ዘቕረቦ ጻውዒት ንብዙሓት ሱዳናውያን ላግጺ እዩ፤ ከም ተወሳኺ መርትዖ ድማ ንድኽመታት ሰራዊት ርእዮምዎ እዮም።

እቲ ክውንነት ግን ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ክንዲ ባዕሉ ኲናት ዘካይድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ሚሊሻታት ዝምርኮስ ምንባሩ እዩ።

እዚ ድማ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ምስ ረኸበት ዝተዛዘመ ኲናት ሓድሕድ፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዳርፉር፡ ሚሊሻታት ዓረብ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተኸሰሱሉን ይጥቀሱ።