ቅልውላው ሱዳን፡ 17 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሎም

 ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣስታት 1000 ሲቪላት ተቐቲሎም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣስታት 1000 ሲቪላት ተቐቲሎም ኣለዉ

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሙሽተ ህጻናት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ህዝቢ ብጻዑቒ ዝነብረሉ ግዝኣት ያርሙክ፡ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 25 ኣባይቲ ከም ዝዓነዉ’ውን ተገሊጹ።

ሓደ ላዕለዋይ ጀነራል ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መጥቃዕቲ ከሐይሎ ምዃኑ ምፍርራሑ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር ብዝተኻየደ ሕሱም ናይ ስልጣን ምትፍናን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኣብ ፍርቂ ሚያዝያ ኲናት ከም ዝተወልዐ ይፍለጥ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣስታት 1000 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ካልኦት ድማ ከም ዝቖሰሉ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ይሕብር።

ገለ ጻዕርታት ምቁራጽ ተኹሲ ተኣዊጆም’ኳ ነይሮም፤ እንተዀነ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ውጽኢታዊ ክዀኑ ኣይከኣሉን።

እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢታት ማዮ፡ ያርሙክን ማንዴላን ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዝገበረ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ግን ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበን።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓካይምን ሆስፒታላትን ድማ ምስ ልዑል መጠን ብድሆታት እናተቓለሱ ይርከቡ።

እቲ ውግእእ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ዓመጽ’ውን ኣበራቢሩ ኣሎ።