ኣብ ሓደ ሆቴል እንግሊዝ ዝተዓጽወት ስደተኛ ስድራ ሓገዝ ትምሕጸን

ራያን በሽር ምስ ኣርባዕተ ደቃ

ምንጪ ስእሊ, RAYAN BASHIR

ካብቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ሃዲማ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ደቃ ዝኣተወት ኣደ፡ ንሰሙናት ኣብ ሆቴል ብምጽንሓ ኣብ "ሕማቕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኵነታት" ከምዘላ ተዛሪባ።

ራያን በሽር ምስ ኣርባዕተ ደቃ እያ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ወዲ ሰይንዳ ናብ ለንደን ክትወጽእ ተገይራ።

ኣብዚ እዋን እታ ስድራቤት እኹል ሰሙናዊ መቝነን መግቢ ብዘይምርካባ፡ ኣብ ጸገም ከምዘላን ኣብ ኦክስፎርድ ኣብ ዝርከብ ሆቴል፡ ክሽነ ኣብ ዘይብላ ሓንቲ ክፍሊ ከምዝተገደፈትን ትገልጽ።

ቤት ምኽሪ ከተማ ኦክስፎርድ ብወገኑ ካልእ መንበሪ "ብህጹጽ" ይደሊ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን (RSF) ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ብዙሓት ሲቪላት ክሃድሙ ይረኣዩ።

ራያን በሽር ዜጋ ብሪጣንያ ዝዀነ በዓልቤታ፡ እቲ ዝነብረሉ ከባቢ ብምልሻታት ተኸቢቡ ክሃድም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ሱዳን ክጸንሕ ተገዲዱ’ሎ።

እታ ስድራ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወት ኰይና፡ ኣብ ኦክስፎርድ ስጡም ማሕበረሰብ ሱዳናውያን ከምዘሎ ምስ ሰምዐት ድማ ብ3 ሰነ ናብታ ከተማ ከይዳ።

ወይዘሮ ራያን ኵሎም ዜጋታት ብሪጣንያ ዝዀኑ ደቃ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ጥሜት ከምዝበኽዩን እታ ሕማም ኣዝማ ዘለዋ ጓላ ጽሩይ ኣየር ክትረክብ ንምግባር ድማ መስኮት ናይቲ ሆቴል ምሉእ ብምሉእ ክትከፍቶ ከምዘይከኣለትን ትዛረብ።

"ደቀይ ከም መጠን ዜጋታት ብሪጣንያ ገዛ ክረኽቡ መሰሎም’ዶ ኣይኮነን?” ትብል እታ ኣደ።

ኣስዒባ፡ "እቲ ዝረኽቦ ገንዘብ ንቐለብ ሓደ ሰሙን እውን እዅል ኣይኮነን። እቶም ቈልዑ ምስ ሓመሙ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም እየ ዝወስዶም፡ ብግቡእ ከኣ ኣይምርመሩን" ኢላ።

ናዛር የሱፍ ኣብ ኦክስፎርድ ካብ ዝርከብ ሱዳናዊ ትካል፡ "በቲ ስርዓት ተስፋ ቈሪጾም እዮም። ንበዓል ቤታ ገዲፋ ኲናት ካብ ዝካየደሉ ቦታ ዝሃደመት ኣደ፡ ዝያዳ ደገፍ ክግበረላ ይግባእ ነይሩ" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ከተማ ኦክስፎርድ ብወገኑ፡ "ብህጹጽ ንጠለባት እታ ስድራቤት ዘማልእ ምቹእን ዝያዳ ርጉእን ግዝያዊ መንበሪ ንደሊ ኣለና" ኢሉ’ሎ።

ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሱዳናውያን፡ መንግስቲ ነቲ ሽግር ዝሃቦ ግብረመልሲ ካብ ዝነቕፉ ኣካላት ሓደ እዩ።

መንግስቲ እንግሊዝ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቆንስል እንግሊዝ ተዓጽዩ ብምህላዉን፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር ዜጋታት ናይ ምውጻእ በረራታት ብምቍራጹን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ዝሃድሙ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ኣብተን ሃገራት ምስ ዘለዋ ኤምባሲታት ክራኸቡ የተባብዕ ኣሎ።