ኣብ ማያት ግሪኽ ጃልባ ድሕሪ ምግልባጣ ሃለዋት ኣማኢት ስደተኛታት ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, HELLENIC COAST GUARD
ኣብ ገማግም ደቡባዊ ግሪኽ፡ ጃልባ ድሕሪ ምግልባጣ ብውሕዱ 79 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 100 ድማ ከምዝደሓኑን ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ግሪኽን ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰትን (ኣይ.ኦ.ኤም) ግን ኣብታ ጃልባ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ተሰቒሎም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም።
እዚ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተራእየ ሓደጋታት እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
እታ ዝግባእ ሓገዝ ዘይረኸበት ጃልባ ካብ ፐይሎስ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ከምዝጠሓለት ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ ሓቢሩ።
እቶም ኣባላት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ፡ እታ ጀልባ ብሰሉስ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ምንባራ፡ ነፋሪት ትካል ዶብ ኣውሮጳ ፍሮንቴክስ ከምዝረአየታን፡ ኣብታ መርከብ ዋላ ሓደ ሰብ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ተኸዲኑ ከምዘይነበረን ገሊጾም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ እታ ጃልባ ምስጠሓለት ዝተጀመረ መስርሕ ምድሓን ህይወት፡ ብሓያል ንፋስን ማዕበልን ከምእተሓላለኸ ተፈሊጡ።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እታ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ምንባራ ብዝተፈላለየ ምንጭታት'ኳ እንተተሓበሩ፡ ኣብ እዋኑ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘይለኣኹ ሓቢሮም።
ብዘይካዚ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ሰብ መዚ ግሪኽ ንስደተኛታት ንምግታእ ዘዘውትርዎ "ኣሰቃቕን ብልሓታውን ኣገባባት" ስለዝፈልጡ ክቱር ፍርሒ ክነብሮም ከምዝኽእል ሓቢሮም።
እታ ጃልባ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ ትኸይድ ከም ዝነበረትን መብዛሕትኦም እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ከኣ ኣብ 20ታት ዕድሚኦም ዝነበሩ ምዃኖም ይእመን።
እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ኣብታ ጃልባ ካብ 500 ክሳዕ 700 ዝዀኑ ሰባት ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ነቲ ሓደጋ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘሕዝን ፍጻመ ክብል ዝገለጾ ዳይረክተር ጥዕና እቲ ዞባ ያንኒስ ካርቨሊስ፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ ሰባት ጽዒና ከምዝነበረት ሓቢሩ።
ሰራሕተኛ ገማግም ባሕሪ ሰፕት ኒኮላ ኣሌክሲዩ፡ መሳርሕቱ፡ ኣብታ ጃልባ ተጸፍጺፎም ዝነበሩ ሰባት ናብ ሓደ ኣብ ባሕሪ መዲተራነያን ዝዓሞቐ ቦታ ክጥሕሉ ከምዝረኣየ ንቴለቪዥን እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቶም ውጻእ መዓት ናይታ ብ14 ሰነ 2023 ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝጠሓለት ጃልባ ኣብ ከተማ ካላማታ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ግሪኽ ካተሪና ሳካሎፖሉ ንገለ ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ብምብጻሕ ሓዘና ገሊጻትሎም።
ግሪኽ 25 ሰነ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ እያ ዘላ። ፖለቲካውያን መራሕቲ ድማ ነቲ ሽዑ ክካየድ ዝነበሮ ናይ መረጻ ክትዕ ንሎሚ ሓሙስ ምሸት ኣመሓላሊፎምዎ ኣለው።
ግሪኽ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰጋገሩላ ቀንዲ መስመር እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ግሪኽ ነቶም ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሓይሊ ከም ዝሰጐጎም ዝገልጽ ቪድዮ ምስተዘርገሐ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከቢድ ኣህጉራዊ ነቐፌታ ወሪድዎ እዩ ።
ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 70,000 ስደተኛታት ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣትዮም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







