ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ልዕሊ 70 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ግሪኽ ብምግልባጣ፡ ብውሕዱ 78 ስደተኛታት ክጥሕሉ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ ድሒኖም።
እታ ጃልባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ትጓዓዝ ከም ዝነበረት ዝግለጽ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ምዃኖም ይግለጽ።
ኣብታ ካብ ፓይሎስ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 80 ኪ.ሜ ርሒቓ ዝጥሓለት ጃልባ ክንደይ ሰባት ከም ዝነበሩ ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ሰበስልጣን ግሪኽን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ግን ኣማኢት ሰባት ኣብታ ጃልባ ኔሮም ክኾኑ ከምኽእሉ ይሕብሩ።
እታ ጃልባ ትማሊ ሰሉስ ኣጋምሸት ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዶባዊ ትካል ፍሮንቴክስ ዝኾነት ነፋሪት ከምዝተራእየት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ሓቢሩ።
እቶም ሓለዋ ባሕሪ፡ እቶም ስደተኛታት "ዝኾነ ሓገዝ ከምዝኣበዩን፡ ዝኾነ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ዝለበሰ ከምዘይነበረን ገሊጾም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እታ ጃልባ ተገልቢጣ ምስ ጠሓለት፣ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ተበጊእ'ኳ እንተነበረ፡ ብብርቱዕ ንፋስ ተዓናቒፉ ተባሂሉ።
ሓደ ምንጪ ሚኒስትሪ ስደተኛታት ዝኾነ ብዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣማኢት" ሰባት ኣብታ መርከብ ከምዝነበሩ ብምሕባር "ገና ብዝሒ ዝጠፍኡ ሰባት ከይህሉ ስግኣት ኣለና" ኢሉ።
ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ብተወሳኺ ኣብ ትዊተር “ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ክሳብ 400 ሰባት ኣብታ መርከብ ከም ዝነበሩ ስለዝሕብሩ፡ ተወሳኺ ህይወት ጠፊኡ ከይህሉ ንሰግእ ኢና " ኢሉ።
ዜግነት እቶም ግዳያት ዛጊት ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን። እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ድማ ንሕክምና ናብ ከተማ ቃላማታ ተወሲዶም ኣለዉ።
ግሪኽ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዝኣትውሎም ቀንዲ መስመራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ግሪኽ፡ ስደተኛታት ብሓይሊ ምስጓጎም ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርግሑ፡ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ነቐፌታ ኣትዩ እዩ።
ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 70 ሽሕ ስደተኛታት ናብተን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከባ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝኣተዉን እቶም ዝበዝሑ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከምዝኣተዉን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







