ጃልባ ብምጥሓላ ብውሑዱ 22 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, PTI
ኣብ ህንዲ ደቡባዊ ግዝኣት ኬረላ በጻሕቲ ዓዲ ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ብውሑዱ 22 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።
ግዳያት ንምድሓን፡ ኣብቲ ከባቢ ንጥፈታት ሂወት ኣድሕን ይካየድ ኣሎ።
እታ ዝጠሓለት ጃልባ ካብ ጭቃ ዝመልአ ማያት ተሳሒባ ዝወጸአት ክትከውን እንከላ፡ ብዝሒ መወትቲ ድማ ክዛይድ ይኽእል።
ንኡስ ኣመሓዳሪ ፖሊስ ዞባ ማላፑራም ዓብዱል ናዛር፡ እታ ድርብ ደርቢ ዘለዋ ጃልባ፡ ልዕሊ ዓቕማ ሰባት ብምፅዓና ከም ዝጠሓለት ንሮይተርስ ገሊፁ።
እዛ ብሰንበት ምሸት ዝተገልበጠት ጃልባ ካብቲ ክትጽዕኖ ዝግባእ መጠን ብዕጽፊ ኣስታት 50 ሰባት ኣሳፊራ ከም ዝነበረት ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ፡ “በዚ ዝጠፍአ ሂወት ሓዚነ እየ” ብምባል ሓዘኑ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።
ብዙሓት ተጓዓዝቲ ኣብ ትሕቲ እታ ጃልባ ጅሆ ከም ዝዀኑን እቲ ጸልማት ንጻዕርታት ሂወት ኣድሕን ከም ዝዓገቶን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
በዚ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይርከብዎም።
ሚኒስተር ስፖርትን ዓሳን ኬረላ ቪ.ዓብዱራሕማን፡ ናብ ሆስፒታል ዝተወዱ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ዘስግእ ኵነታት ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ዝተረፉ ሰባት፡ መብዛሕትኦም ተጓዓዝቲ ጃኬት ሂወት ኣድሕን ከይተኸደኑ ይጓዓዙ ከም ዝነበሩ ንመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ተዛሪቦም።
ብዝሒ ኣብዚ ሓደጋ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት ዛጊድ ኣይተገለፀን ዘሎ።
ሰብመዚ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራታት የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







