'ጓል ሰለስተ ዓመት ከለኹ'የ ተጨውየ ተዓሚጸ'

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ሮበርት ፍሪድ ሕጂ ወዲ 78 ዓመት እዩ።
ኣብ በርክሻየር ንሓንቲ ንእሽቶ ጓል ክጨውያ ከሎ ግን ወዲ 41 ዓመት እዩ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ መኪናኡ ኣብ ልዕሊኣ "ዘስካሕክሕ" ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ብድሕሪኡ፡ ካራመላ ክትገዝእ ገንዘብ ሂቡ ኣውሪድዋ።
ቅድሚ ሒደት መዓልቲ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ተኽእሎ ከም ዘየለ ብዳኛ ተነጊርዎ።
እዚ ዛንታ ክልተ ግዳያቱ እዩ።
ዛንታ መሊሳ፡ 1986

መሊሳ ክትጭወ እንከላ ጓል ሰለስተ ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።
እንተዀነ ብዛዕባ እታ መዓልቲ ክሳብ ክንደይ ከም እትዝክር ኣዝዩ ዘገርም እዩ።
ንሳ፡ ካብቲ ኣብ ብራክነል ዝርከብ ገዝኣ ወጻኢ ምስ ሓንቲ መሓዛኣ እናተጻወተት ከላ፡ ሓደ ሰብኣይ ይመጽእ።
"ቀጠልያን ግራጭን ዓይነት ቀምሽ ተኸዲነ ከም ዝነበርኩ ይዝከር" ትብል።
"እቲ ሰብኣይ ናባይን ናብ መሓዛይን ክቐርብ እንከሎ ይዝክር፤ መኪናኡ ከም ዝተበላሸወትን ክንሕግዞ ንኽእል ምዃንና ሓቲቱና።"

ምንጪ ስእሊ, POLICE HANDOUT
"እታ መሓዛይ፡ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ክትከይድ ስለዘይፍቀደላ፡ ኣይፋልን ኢላ፤ ኣነ ግን ክሕግዞ ስለ ዝደለኹ ምስኡ ከይደ።"
መኪናኡ ክሽነ፡ መሕጸቢ ኣካላትን ምቹእ ኮፍ መበሊን መደቀሲን ዘለዋ ካምፐር ቫን ቮልስ ዋገን እያ፤ ዋላ ሓንቲ ጸገም ስለዘይነበራ ግን ሞተር ኣልዒሉ ሒዝዋ ከይዱ።
"ኣብቲ [ዝነበርኩሉ] ዕድመ ቅኑዕን ጌጋን ፈሊኻ ኣይትፈልጥን" ትብል መሊሳ። "ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ደው ክተብል ዓቕሚ የብልካን።"
"ቅድሚ እቲ መጥቃዕትን ድሕሪ እቲ መጥቃዕትን ኣነ እየ። ብንጹር ክዝክር እኽእል እየ፡ ንነብሰይ ድማ ኣብቶም ዝኽርታት ኣእትየያ።"
"ካብቶም ኣብታ መኪና ዝተፈጸሙ ዝኽርታት... ልክዕ ኣብ ካልእ ሰብ ክፍጸሙ ዝዕዘብ ዘለኹ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ።"

ምንጪ ስእሊ, THAMES VALLEY POLICE
እቲ ንመሊሳ ዘጥቅዓ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ድኳናት ኣውሪዱ ቸኮሌት ንክትገዝእ ገንዘብ ሂብዋ።
ካብቲ ድኳን ክትወጽእ ከላ እታ መኪና ክትከይድ ርእያታ። “ኣብኡ ስለ ዝገደፈኒ ኣዝየ ከምዝተረበሽኩ ይዝከረኒ። በቃ ስቕ ኢለ ክነብዕ ጀሚረ” ትብል።
ድሕሪኡ ዝዀነ ሰብ እንታይ ከም ዘጋጠማ ክሓታ እንከሎ ትዝክር።
"ፖሊስ መጺኦም፡ ብመኪና ናብ ገዛይ ክመልሱኒን ብዙሕ ሕቶታት ክሓቱኒ ይዝከረኒ። ኣብ ገዛይ ኣደይ ትጽበ ነይራ።"
መሊሳ ሕጂ ብህይወት ምህላዋ ክሳብ ክንደይ ዕድለኛ ምዃና ከም ዝተረድአት ትገልጽ።
"ገዛ ብምምላሰይን ሎሚ ድማ ነቲ ዛንታ ክነግር ብምኽኣለይን ብሓቂ የመስግን። ኣዝዩ ዝተፈልየ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ነይሩ።"
ዘይተፈትሐ ገበናዊ መርመራ፡ 2008

ምንጪ ስእሊ, THAMES VALLEY POLICE
ጥሮተኛ ፖሊስ ፒተር ቤይርን፡ ኣብ ፖሊስ ቴምስ ቫሊ፡ ጕጅለ ዳግመ መርመራ ዓበይቲ ገበናት ይመርሕ ነይሩ።
እዛ ሽዱሽተ ኣባላታ ዘለዋ ጕጅለ ክሳዕ ሕጂ ሽዱሽተ ቀተልትን 19 ጾታዊ ገበነኛታትን ኣብ ቀይዲ ኣእትያ እያ። እቲ ንመሊሳ ዝጨወየ ዓማጺ ህጻናት መበል 20 እዩ።
ኣብቲ ኣብ 1986 ዝነበረ መበገሲ ፋይል፡ ኣብ ክዳውንታ ዝተረኽበ ጽሕጊ፡ ጸጕርን ካልእ ናሙናታትን ንትንተና ከም ዝተላእከ የመልክት። እንተዀነ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ገበናዊ መዝገብ ዲኤንኤ ገና ኣብ ዕሸል ዕድመኡ ስለ ዝነበረ፡ ዲኤንኤ ከም ዘይተወሰደ ይሕብር።
በይርን፡ እታ ጕጅለኡ ኣብ 2008 ዳርጋ እቲ ገበን ሽዑ ከምዝተፈጸመ ብምርኣይ ዳግማይ መርመራ ከም ዝገበረት ይገልጽ።
ናብቲ ቦታ ዳግማይ ከይዶም፡ ብህይወት ዘለዉ መሰኻኽር ተደልዮም ዳግማይ ቃለ መሕትት ተገይሩሎም፡ እቲ ኣካላዊ መርትዖ ድማ ካብ መኽዘን ወጺኡ።
ሳይንቲስት ፎረንሲክ ዳርጋ ምሉእ ዲኤንኤ ፕሮፋይል ከፍርዩ ክኢሎም'ኳ እንተነበሩ፡ ምስ ሃገራዊ ዳታቤዝ ዲኤንኤ ግን ዝዀነ ምትእስሳር ኣይተረኸበን።
ንተኸታታሊ ዓመታት እታ ጕጅለ ነቲ ዲኤንኤ ፕሮፋይል ብመንገዲ እቲ ዳታቤዝ ኣቢላ ደጋጊሙ ትፍትሽ ነይራ። ብቐጻሊ ዝዀነ ይዅን ምትእስሳር ክርከብ ኣይከኣለን።
ዛንታ ሉሲ፡ 2020

ኣብ 2020 ዓባይ ብሪጣንያ ሰለስተ ኣዋርሕ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣሕለፈት፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሳፎልክ እትነብር ዝነበረት ጓል 13 ዓመት ሉሲ፡ ንኣደኣ ሓደ ዘደንጾ ሚስጥር ነጊራታ።
ሉሲ፡ ን10 ዓመታት ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምዋ፤ ከም መሊሳ መንነታ ንምሕላው ስማ ተቐይሩ እዩ።
"ኣብ እዋን ዕጽዋ ብሓቂ ተቓሊሰ" ትብል ሕጂ ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ሉሲ።
"እተን ቃላት ካብ ኣፈይ ቅድሚ ምውጽአን፡ ንብዓት ቀዲሙኒ፤ ነተን ቃላት ድማ ካብ ኣፈይ ከውጽአን ኣይከኣልኩን። ኣደይ ኣህዲኣትኒ። ብድሕሪ ነጊረያ።"
ሉሲ እርግጸኛ ኣይኰነትን፤ ግን ንመጀመርታ ግዜ ክትዕመጽ ከላ ጓል ሰለስተ ዓመት ኣቢላ ዝነበረት ይመስላ። እቲ ዝብደላ ዝነበረ ድማ ኣብ ፋርንቦሮ፡ ሃምፕሻየር ዝነብር ዝነበረ ሮበርት ፍሪድ ዝበሃል ሰብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, POLICE HANDOUT
ንሳ፡ "ንእሽቶ እንተዄንካ፡ ንማንም ምንጋር ዘድሊ ኰይኑ ኣይስምዓካን፡ ምኽንያቱ ንቡር'ዩ። ካብቲ ህሞት ጀሚሩ ብዙሕ ዝኽርታተይ ዝደብዘዘ እዩ" ትብል።
"እቲ ዝገበረኒ ካብቲ ክትሓስቦ እትኽእል ዝኸፍአ'ዩ። ንገለ መሓዙተይ ቆልዑተን እሕብሕብ’የ፡ ሓደ ሓደ ግዜ [ንዓኣቶም] ይጥምት እሞ 'ከመይ ኢሉ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ከምኡ ክገብር ይኽእል?' ኢለ ይሓስብ።
"ብሓቂ ንዓይን ንብዙሓት ኣብ ከባቢየይን ዘለዎ ጸልዩና'ዩ፤ ፈጺመ ዘይተዳለኹሉ ስለዝነበረ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ።"
ኣደ ሉሲ፡ ጓላ ክትነግራ ከላ ትዝክር፤ "በቃ ቀጥታ ናብ ስንባደን ዝኣተኹ ይመስለኒ። እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ቅኑዕ ነገር ክዛረብን ከጸናንዓን ጥራይ'ዩ ነይሩ።"
"ብእኡ ናይ ብሓቂ ሓሪቐ እየ ዘለኹ። ኣብ ኩላትና ዘውረዶ ጉድኣት ብሓቂ ዝግንዘቦ ኣይመስለንን።"
ኣደን ጓልን ክልቲአን ፍሪድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ይኣምና። ሉሲ "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክመውት እየ ዝደሊ" ትብል።
ኣብ መወዳእታ ሉሲ ዘጋጠማ ነገር ምስ ገለጸት፡ ፖሊስ ሃምፕሻየር ኣብ 2020 ነቲ ጉዳይ መርመሩ፡ እዚ ድማ ሉሲ እትፈልጣ ካልእ ጓል’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ብፍሪድ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸማ ክትዛረብ ኣነቓቒሑ።
ፍሩድ ኣብ መስከረም 2021፡ ፈተነ ዓመጽ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ጾታዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ፡ ን12 ዓመታት ክእሰር ድማ ተፈሪድዎ። ናቱ ዲኤንኤ ተወሲዱ ናብ ዳታቤዝ ፖሊስ ኣትዩ።
ዓወት ዲኤንኤ

ምንጪ ስእሊ, POLICE HANDOUT
ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ብቤይርን ዝምርሑ መርመርቲ ዘይተፈትሑ ገበናት፡ ዳግማይ ዲኤንኤ ናይቲ ንመሊሳ ዝጨወየ ሰብ ኣብቲ ዳታቤዝ ፈቲሾም። እቲ ተስፋ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዓወት ብኢመይል ተረኺቡ።
መሊሳ ኣብ መወዳእታ ፖሊስ ጨዋይኣ ምስ ኣለልዩ ዕረፍቲ ረኺባ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ዝዓመጻ ሰብ ብገለ መንገዲ ምስ ስድራኣ ወይ ፈተውታ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ነይርዋ። ንሳ ትፈልጦ ድያ፡ ሕጂ’ውን ዝከታተላ እንተዀነስ ኢላ ትሓስብ ነይራ።
ምስኣ ፈጺሙ ምትእስሳር ከም ዘይነበሮ ተረጋጊጹ።
መሊሳ፡ "ምናልባት ምሉእ ህይወቱ ከምዚ ክገብር ከም ዘሕለፈ ስለ ዝተረዳእኩ፡ ሕማም ተሰሚዑኒ" ኢላ።
"ክንደይ ኣዋልድ ክሳቐያ ዝተገደዳ፡ በቃ ሽዑ ስለዘይተታሕዘ መስለኒ?"
'ጀጋኑየይ እየን'
ሕጂ ኣብ ማንቸስተር እትነብር ጓል 40 ዓመት መሊሳ፡ ንሉሲን እታ ፍሪድ ዝዓመጻ ካልእ ጓልን፡ ንዕኡ ንምኽሳስ ዘድልዮም ናይ ፖሊስ መርትዖታት ንምሃብ ትብዓት ስለ ዝረኸባ ኣመስጊና።
"ጀጋኑየይ እየን" ትብል።
"ኣዝየ እየ ዘድንቐን፡ የመስግነክን ድማ ክብለን እደሊ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ንሳታን ፈጺሙ ኣይምተታሕዘን።"
"እቲ ናብ ፍርዲ ዝቐረበሉ እንኮ ምኽንያት ዝዀነት ሰብ ብምዝራባ'ዩ። ስለዚ ተታሒዙ፡ ተኸሲሱ፡ ሽዑ ዲኤንኤኡ ኣብ ዳታቤዝ ስለዝነበረ፡ ምስቲ ቅድሚ 36 ዓመት ዝፈጸሞ ገበን ዝሰማማዕ ኰይኑ።"
ኣደ ሉሲ፡ ጓላ "ክሳብ ክንደይ ተባዕ ከም ዝነበረት ኣይፈለጥኩን" ኢላ።
‘ማዕጾኹም ክንኵሕኩሕ ኢና’
ኣብ ጥሪ 2023፡ ፍሪድ ኣብ 1986 ንመሊሳ ጨውዩ ከም ዝዓመጻ ተኣሚኑ።
ክልቲአን ሜሊሳን ሉሲን ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ፍሪድ ክፍረድ ንምርኣይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይደን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኣካል ተራኺበን።
ንኻልኦት ግዳያት ጾታዊ ገበናት ተስፋ ክህባ ስለ ዝደለያ ድማ ዛንታታተን ክንገራ ተሰማሚዐን።
ሓይሊ ረኺብካ ዘጋጠመካ ጾታዊ ዓመጽ ምግላጽ፡ ብግደኡ ግዳያት ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ሓይሊ ክረኽባ ክሕግዘን ከም ዝኽእል ይኣምና። "ክትስማዓ ኢኽን" ትብል መሊሳ።
በይርን፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ፍትሒ ዘምለጡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዓመጽ ዝፍጽሙን ካልኦት ጾታዊ ገበነኛታትን፡ "ዘምለጥኩም መሲሉኩም ክኸውን ይኽእል'ዩ ግን ጕጅለና፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ከም ናትና ዝኣመሰላ ጕጅለታት፡ ኣብቶም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ይሰርሓ ኣለዋ" ክብል የጠንቅቕ።
"መርትዖ ምስ ረኸብናን፡ መጺና ማዕጾኹም ክንኵሕኩሕ ኢና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







