ጓል ሰለስተ ዓመት ውላዳ ዝተዓመጸት ኣደ፡ ‘ንመጓዓዝያ’ ክኸፍል ብፖሊስ ተሓቲተ

ኦቢታ ዴቪድ ሊቪንግስቶን፡ ፖሊስ ሰሜናዊ ዩጋንዳ፡ ንጉዳያት ግህሰት ከም ዘይከታተሉ ይኸስስ
መግለጺ ስእሊ, ኦቢታ ዴቪድ ሊቪንግስቶን፡ ፖሊስ ሰሜናዊ ዩጋንዳ፡ ንጉዳያት ግህሰት ከም ዘይከታተሉ ይኸስስ

ዕድሚኣ ካብ 12 ዓመት ኣይዛይድን - ግን ንክትወልድ ሎሚ ጽባሕ ትብል ዘላ ብጽሕቲ ነፍሰጾር እያ።

ንሳ፡ ኣብ ኣውራጃ ኪትጉም፡ ዩጋንዳ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ፡ ንበይና ትነብር።

ወለዳ ካሳቫ (ሱሩ ዝብላዕ ዓይነት ተኽሊ) ይንግዱ ነይሮም። እቲ ንግዲ ምስ ተዳኸመ ግን ነታ ስድራቤት ዝኸውን ገንዘብ ክረኽቡ ናብ ቁሸቶም ተመሊሶም።

ንሳ ግን ትምህርታ ምእንቲ ክትቕጽል ካብ ወለዳ ተፈልያ ተሪፋ።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ ጐረቤታ ቤት መስተ ኔሩ።

እታ ጓል 12 ዓመት ህጻን እንታይ ከም ዘጋጠማ፡ ወይ ኣቦ እቲ ዕሸል መን ከም ዝዀነ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን።

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ እቲ ከባቢ ብዛዕባ'ቲ ናይ መወዳእታ ቅድመ ወሊድ ክትትላ ኣብ ዝሓተሉ ዝነበረ እዋን ንሳ ሓፊራ ንታሕቲ ጠሚታ።

እቲ ሕቶ ካብ ሓደ ኣባል ስድራቤት ትጽቢት ዝግበር ዓይነት እዩ፡ እንተዀነ ግን ጥንሲ እታ ጓል 12 ንቡር ኣይኰነን።

ፖሊስ 'ተገዲሱ ኣይከታተልን’

ኣቦ መንበር ኦቢታ ዴቪድ ሊቪንግስተን፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ብዝምልከት ንቕሓት ከዕቢ ስለዝደሊ፡ ቢቢሲ ኣፍሪካ ኣይ ነዛ ስማ ዘይንጠቕሳ ጓል ጥራይ ክስእል ተፈቒዱሉ።

"ኣብ ሓደ ሰሙን፡ ሰለስተ ጉዳያት ርኽሰት ይመጸና። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ገበነኛ ክንረኽቦ ከለና፡ ብገመድ ኣሲርና ናብ ፖሊስ ንወስዶ። ንሳቶም ግን ተገዲሶም ኣይከታተልዎን።"

ሊቪንግስተን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ሸለልትነት ከም ዝሰልከዮ ይዛረብ።

"ነተን ግዳያት ዓመጽ ብሓቂ ክሕግዘን ዝኽእል ሰብ የለን። ኣነ ነዚ ፍትሒ ከም ድኹም ፍትሒ እየ ዝርእዮ" ይብል።

ርኽሰት ማለት፡ ምስ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ተባዕታይ ይኹን ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም እዩ። እቶም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ፈቒዶም ድዮም ኣይፈቐዱን ብዘየገድስ እቲ ጾታዊ ርክብ ዘይሕጋዊ እዩ ዝኸውን። ኣብ ዩጋንዳ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ፍቓድ ዝወሃበሉ ሕጋዊ ዕድመ 18 ዓመት’ዩ።

ዩጋንዳ፡ ኣብ ፈላማይ ዕጽዋ ኮቪድ (መጋቢት-ሰነ 2020) ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ካብ 10 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ ዘጋጥም ጥንሲ ብ366 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ስርዓተ ሓበሬታ ምሕደራ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት።

ነፍሰጾራት ናብቲ ኣብ ጉሉ ዝርከብ ዞባዊ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ይኸዳ እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ፊናንሳዊ ዓመት ናብዚ ሆስፒታል ካብ ዝመጻ ነፍሰጾራት፡ ዳርጋ ኩለን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚአን እየን።

ዶክተር ባይፋ ኣርዊንዮ ብዙሓት ግዳይ ዓመጽ ዝዀና ነፍሰጾር መንእሰያት ከም እትርኢ ትዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ባይፋ ኣርዊንዮ ብዙሓት ግዳይ ዓመጽ ዝዀና ነፍሰጾር መንእሰያት ከም እትርኢ ትዛረብ

ዶክተር ባይፋ ኣርዊንዮ፡ ሓላፊት ሕክምና ማህጸንን ጥዕና ጥንሲን ህጻናትን እያ።

"ብዛዕባ መንእሰያት ኣዴታት ክዛረብ እንተዀይነ፡ ኩለን ርኽሰት ዝተፈጸመን እየን። ኣፍላ መንእሰያት እየን፡ ክጠንሳ ኣይግባእን ነይሩ" ትብል።

"ካብተን ብሰንኪ ዝተሓላለኸ ሕርሲ ዝሞታ ኣዴታት፡ እተን ዝበዝሓ መንእሰያት እየን እታ ኣደ ዕድሚኣ ብዝነኣሰ መጠን እቲ ጸገም ይውስኽ።"

'ጾታዊ ዓመጽ ሜላ ኲናት ነይሩ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ልዑል ደረጃ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሕድሪ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ዩጋንዳ ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ግጭት ምዃኑ ይግመት።

እቲ ኲናት ብጆሴፍ ኮኒ ዝተጀመረ ኰይኑ ንሱ ሓላፊ ናይቲ ሰራዊት ተቓውሞ ጐይታ (Lord's Resistance Army LRA) ዝተበሃለ መንግስቲ ከውድቕ ዝደሊ ዓማጺ ጉጅለ ነይሩ።

ዕጡቓቱ ኣብ ልዕሊ ዝጨወይዎም ሰባት ብዝገብርዎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይፍለጡ፤ ገጾም ብምብልሻው ከምኡ’ውን ከናፍር፡ ኣእጋርን ኣእዳውን ብምቑራጽ ሰባት ብፍርሒ ክግዝኡ የገድዱ ነይሮም።

40 ሽሕ ህጻናት ተጨውዮም፡ ወተሃደራት ወይ ባሮት ጾታዊ ርክብ ክዀኑ ከም ዝተገደዱን 1.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከራት ከም ዝነብሩን ይግመት።

እቶም ዓመጽቲ ኣብ 2008 ካብ ዩጋንዳ እኳ እንተወጹ፡ ሳዕቤናት ግፍዕታቶም ግን ክሳዕ ሕጂ ከም ዝርአ ፓሜላ ኣንግዌች ትገልጽ፤ ንሳ ተጣባቒት ጾታዊ መሰላት ከምኡ’ውን ዳይረክተር ናይቲ 'ጉሉ ወመን ኢኮኖሚክ ኤንድ ግሎባላይዜሽን' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካልን እያ።

"ኣብ ውሽጢ መርዛም፡ ነታጒ ሃዋህው ምንባር ኣብቲ ሕብረተሰብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ነይርዎ። ሰባት ሬሳ ምርኣይ ለሚዶም፡ ሰባት ሞት ለሚዶም እዮም። እቲ ጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ከም ወተሃደራዊ ሜላ ተጠቒሙሉ’ዩ።"

"እቲ ኲናት ኣብ ኣካል ኣንስተይቲ ከም ዝተኻየደን እታ ኣንስተይቲ ድማ ዓውደ ኲናት ከም ዝኾነትን ገይረ እየ ዝገልጾ" ትብል።

ኣብቲ እዋን ኲናት ንዝተፈጸሙ ጽዩፍ ገበናት፡ ፍትሒ ዝረኸቡ ውሑዳት እዮም።

ዶሚኒክ ኦንግወን ዝተበሃለ ሓደ ኣዛዚ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ተፈሪዱ፤ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ብ61 ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ጆሴፍ ኮኒ'ውን ብዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ይድለ ኣሎ፤ ሃለዋቱ ግን ኣይፍለጥን።

ጠበቓ ዩኒስ ላካራበር ላቲም፡ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ደረጃ ግህሰት ህጻናት ትዘራረብ
መግለጺ ስእሊ, ጠበቓ ዩኒስ ላካራበር ላቲም፡ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ደረጃ ግህሰት ህጻናት ትዘራረብ

ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካል ካሪታስ እትሰርሕ ጠበቓ ዩኒስ ላካራበር ላቲም ከም ዝበለቶ፡ እቲ ሕድሪ ተሓታትነት ዘይምህላው ክሳዕ ሎሚ ኣብ ሰሜናዊ ዩጋንዳ እናሰሰነ ይርከብ።

"ኣብ ጉሉ ኣብ ዝዓበኹሉ እዋን፡ ኣብ ብዙሓት ቆልዑ ርኽሰት ክፍጸም ርእየ፡ መብዛሕትአም እቶም ወለዲ ድማ ደቆም ፍትሒ ክረኽቡ ንምግባር ዘድልዮም ጸጋታት ኣይነበሮምን።"

'ጓለይ ምስ ቃንዛ ትነብር ኣላ'

ሓንቲ ካብተን ግዳያት ዓመጽ፡ ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን እያ - ኣዲኣ ብዘመድ ከም ዝተዓመጸት ትገልጽ።

እታ ኣደ፡ ኣካይዳ ውላዳ ከም ዝተቐየረ ምስ ኣስተብሃለት ጥራይ እያ ክትፈልጥ ክኢላ።

ፖሊስ ነቲ ዘመዳ ክኣስርዎ ምስ መጹ፡ "ንመጓዓዓዚ" ዝኸውን ገንዘብ ከም ዝሓተትዋ ትዛረብ።

"ድሕሪኡ ነቲ እሱር ክቕልቦ ነይሩኒ" ትብል ወይዘሪት ላቲም።

"ፍትሒ ንምርካብ ቃል ብቓሉ ክትከፍል ኣለካ። እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽኣቱ ንነዳዲ ገንዘብ ክትከፍል ኣለካ።"

"ኣብ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ክትቅልቦም ኣለካ።"

እቲ ጥርጡር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ እኳ እንተነበረ፡ ገለ ካብቲ ቅኑዕ ሕጋዊ ኣገባባት ስለዘይተኸተለ ግን ብዋሕስ ተፈቲሑ። እታ ኣደ ነቲ ጉዳይ ክትቅጽል እትኽእለሉ መገዲ ኣይነበራን።

ፖሊስን ሕክምናዊ ጸብጻባትን፡ እታ ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ከም ዝተለኽፈት የረጋግጹ።

"ውላደይ ሕጂ'ውን ትቕንዘው ኣላ፡ ዋላ ሕጂ'ውን እንተዀነ። እቲ ረኽሲ ኣይሓወየን፤ . . . ክእሰር ኣለዎ። ብኸምዚ መንገዲ ክውዳእ ኣይደለኹን" ትብል ኣዲኣ።

ወይዘሮ ላቲም፡ ስርዓት ፍትሒ ምፍሻሉ ዘይተለምደ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ብርክት ዝበሉ ዘይተዓወቱ ጉዳያት ከም ዘጋጠምዋ ትዛረብ።

"ብዙሕ ብልሽውና ኣሎ። ኣብዚ ሰባት ገበን ምፍጻም ኣይፈርሑን፡ ምኽንያቱ ገንዘብ እንተሃልዩካ ክትወጽእ ኢኻ ይብሉ። እዚ እዩ ዝኸውን ዘሎ።"

ኣዛዚት ፖሊስ እቲ ዞባ ኣስዋ ናቹላ ዳማሊ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ገለ ጉዳያት ጸገማት ከምዘሎ እኳ እንተኣመነት፡ ብልሽውና ምስዕራሩ ግን ትነጽግ።

"ሓንቲ ግዳይ ንኣገልግሎትና ክትከፍል ክንሓትት ኣይንኽእልን። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ነዳዲ ክውዳእ ከም ዝኽእል ክቕበል ይግባእ። እወ።

"ብልሽውና ብዝምልከት፡ ኣባላት ፖሊስ ብልሽዋት እዮም ዝብል ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ትካል ዘሎ ግን ኩሎም ብልሽዋት ኣይኰኑን። ብልሽዋትን ስነምግባር ዘለዎምን ኣለዉና።"

ሚኒስተር ዲኤታ ሰሜን ኡጋንዳ ግሬስ ፍሪደም ክዊዩክዊኒ እውን ጸገማት ከም ዘሎ ትኣምን።

"ብልሽውና ክኽሕድ ኣይክእልን እየ። ብልሽውና ኣሎ። ኣብ ኩሉ ደረጃታት'ዩ፡ ዋላ'ውን ብደረጃ ሚኒስትሪታት'ዩ" ትብል።

"ብዛዕባ ርኽሰት ሕጊ ኣለና፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘመድ ምስ ዘመድ ሕጊ ኣለና፡ ግን ብገለ መገዲ እንደገና፡ ሰባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ከይዶም ንፖሊስ ጉቦ ይህቡ እሞ፡ ድሕሪኡ ፖሊስ 'ኪድ ገዛኻ' ይብል። ናብ ፍርዲ ዝቐረቡ ጉዳያት ኣለዉ፡ እቲ ቁጽሪ ግን ልዑል ኣይኮነን።"

ካብቶም ቢቢሲ ኣፍሪካ ዝመርመሮም ጉዳያት ግን ዋላ ሓደ ጥርጡር ብሕጊ ኣይተፈርደን።