ኢትዮጵያ፡ ነቢይ እየ ዝብል ሰባኺ ብጾታዊ ዓመጽን ምንጻል ጥንስን ተፈሪዱ

 ብዝቐረቡ ክስታት ገበነኛ ዝተብሃለ ነብይ

ምንጪ ስእሊ, HURRUMU COMMUNICATIONS

መግለጺ ስእሊ, ብዝቐረቡ ክስታት ገበነኛ ዝተበሃለ ነብይ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ ወረዳ ሁሩሙ፡ ንርእሱ ነቢይ እናበለ ዝጽውዕ ሰባኺ ሃይማኖት፡ ብገበናት ምንጻል ጥንስን ብ'ግብረሰዶም'ን ብማእሰርቲ ሸሞንተ ዓመት ተፈሪዱ።

ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ወረዳ፡ እዚ ተፈሪ ኣሰፋ ዝበሃል ተኸሳሲ ንዝቐረበሉ ክሲ ብምቅዋም ክልተ ጠበቓታት ቈጺሩ’ኳ እንተተማጐተ፡ ብዝቐረበሉ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ገበነኛ ምዃኑ ስለዝተረጋገጸ ማእሰርቲ ከም ዝተፈረዶ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣኽባር ሕጊ ተገኑ ብርሃኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ገበናት ብሽፋን ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ከምዝተፈጸሙ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ነቢይ ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ እዚ ሰባኺ ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊአን ከም ዝፈጸመ ዝገልጻ 11 ደቂኣንስትዮ ጥርዓን ኣቕሪበን እየን ዝበለ ኣኽባሪ ሕጊ ተገኑ፡ በቶም ዝቐረቡሉ ገበናት ገበነኛ ስለዝዀነ ብጽኑዕ ማእሰርቲ ንሸሞንተ ዓመት ክእሰርን ኣርባዕተ ሽሕ ብር ክቕጻዕን፡ ቤት-ፍርዲ እቲ ወረዳ ከምዝበየነ ኣረዲኡ።

“ብሓፈሻ 11 ደቂኣንስትዮ እየን ጥርዓን ኣቕሪበን፤ መብዛሕትአን ሓዳር ክገብረልክን እየ ኢሉ ዝገደፈን እየን” ኢሉ።

እቲ ውልቀሰብ ድሕሪ ዝቐረበሉ ክሲ ኢዱ ንፖሊስ ምስሃበ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምርምራ ክካየድ እዩ ጸኒሑ።

እዚ ነቢይ እየ ዝብል ሰባኺ ሃይማኖት ካብቶም ዝተሓተተሎም ገበናት እቲ ሓደ፡ ኣብተን ደቂኣንስትዮ ምንጻል ጥንሲ ክፍጸም ከምዝገበረ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ የረድእ።

ጥንሲ ክትንጽል ካብ ዘገደደን ደቂኣንስትዮ ድማ ጓል 14 መንእሰይ ትርከበን።

“ነዛ መንእሰይ ክምርዓወኪ እየ ኢሉ ኣታሊልዋ። ኣብ ቤተ-እምነት ድማ ካብ ኣመንቲ ነጺሉ ክትትስእ ብምግባር፡ ‘ፈጣሪ ተዛሪቡኒ’ዩ። ንዘዋረዱኺ ኣዋሪደ፡ ኣብ ዓቢይ ቦታ ከቐምጠኪ እየ’ ክብል ተዛሪብዋ ነይሩ ብምባል እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣረዲኡ።

እቲ ሰባኺ ሃይማኖት፡ እዛ ንእስቲ ከም ዝጠነሰት ምስፈለጠ፡ ናብ ወለዳ ብምድዋል እቲ ጥንሲ ክንጸል ብተደጋጋሚ ይነግሮም ከም ዝነበረ ድማ ሓቢሩ።

“ጥንሲ ዝንጽል መድሃኒት ተጠቒሙ’ዩ ጥንሲ ዝንጽል ነይሩ. . . ነዛ መንእሰይ ድማ፡ እዚ መድሃኒት ንዕብየት እቲ ጥንሲ ዝጠቅም’ዩ ኢሉ ብምትላል ክትወስዶ ገይሩ” ኢሉ።

ብመሰረት ሕጊ ገበን እታ ሃገር፡ ንሰባት ኣታሊልካ ጥንሲ ክንጸል ምግባር፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ ከም ዘቕጽዕ፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ተዛሪቡ።

እዚ ሰባኺ ሃይማኖት ገበነኛ ዝተበሃለሉ ካልእ ክሲ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ደቂኣንስትዮ ካብ መራብሒ ኣካላተን ወጻኢ ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ዝብል እዩ።

ብዝሒ እተን “ካብ ተፈጥሮኣዊ መገዲ ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙልና” ዝብላ ደቂኣንስትዮ ሰለስተ እየን ኢሉ፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ።

ንርእሱ ነቢይ ኢሉ ዝጽውዕ እዚ ውልቀሰብ፡ ነዚ ተግባር ክፍጽም እንከሎ ብሞባይሉ ይቐድሖ ከምዝነበረን ኣብ ሞባይሉ ዝተረኸበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) መርትዖ ኰይኑ ከምዝቐረበን ድማ ኣረዲኡ።

እዚ ውልቀሰብ ንዝቐረበሉ ክስታት ኣይፈጸምኩን ኢሉ'ኳ እንተተማጐተ፡ ብኣኽባሪ ሕጊ ዝቐረበሉ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታትን ዝተዓዘበ ቤት-ፍርዲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ 10 ጥሪ 2023 ገበነኛ ምዃኑ ብምርግጋጽ ንሸሞንተ ዓመት ብጽኑዕ ክእሰር ፈሪድዎ።