"ብህይወተይ ክሳብ ዝመጽኣኒ፡ ይዕምጸኒ ከምዝነበረ ኣይተረደኣንን"

ኣቢ ብሌክ

ምንጪ ስእሊ, Abi Blake

እንግሊዛዊት ኣቢ ብሌክ ብሰንኪ ብብዓልቤታ ዝወረዳ ማህረምቲ ካብ ኣፍ ሞት ምስወጸት ኢያ፡ ክትፋታሕን ክትከሶን ዝወሰነት። ስጋብ ካብ ኣፍ ሞት ትድሕን ድማ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝኾነ ጾታዊ ዓመጽ ይካየድ ከምዝነበረ ኣይትፍለጥን ነይራ።

ኣብ ቸሻየር [ብሪጣንያ] ዝተኣታተወ ሓድሽ ናይ ሕግን ስነ-ስርዓትን ምኽባር መርሓ፡ እተን ብሰብኡተን ማህሰይቲ ዝወርደን ደቀንስትዮ ነቲ ጉዳይ ሸለል ከይብልኦን፡ ብኣግኡ ድማ ናብ ሕጊ ከቕርብኦም ከምዘተባብዐን፡ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ሲው ሚሼል ጸብጺባ።

ኣቢ፡ የዕሩኽታ ኢዮም ምስ ብዓልቤታ ሴባስትያን ስዋሚ፡ ብ2014 ድሕሪ እታ ብመዓልቲ ፍቑራት [ቫለንታይን ደይ] ትፍለጥ መዓልቲ ዘላለይዋ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣቢ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማንቼስተር ናይ ስርሒታት [ኦፐሬሽን] ሓላፊት ኢያ ነይራ፤ ሓደ ቆልዓ፡ ካብ ሓደ ምስኣ ዝምድና ዝነበሮ ሰብኣይ ነይርዋ።

ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምስ ሴባስትያን ምልላያ ድማ፡ ንኹሉ ናይ የዕሩኽታን ኣዝማዳን ኣብ ልዕሊ ሴባስታይን ዝነበሮም ምጥርጣራት ብምንጻግ፡ ነቲ ሃነይ መነይ ዘበላ ሴባስትያን ዝተመርዓወት።

ድሕሪ ናይ መርዕኦም መዓልቲ ናብ ሆቴል ኣብ ዝኸድሉ ዝነበረ እዋን፡ እዛ መዓልቲ እታ ኣብ ሂወተይ ኣዝየ ዝተሓጎስኩላ መዓልቲ ኢያ ኢላቶ። እንተኾነ እቲ ሓጎስ ነዊሕ ኣይከደን።

ድሕሪ መርዕኦም፡ ሴባስትያን ምስታ ሓዳስ መርዓቱ፡ ኣቢ ንኽነብር ናብ ቼሻየር ድሕሪ ምግዓዙ፡ ነቲ ወዲ በይና ከም ወዱ ጌይሩ ከምዝሕዞን፡ ንከሐጉሶ ድማ ኩሉ ዝክኣሎ ከምዝገብርን ቃል ኣትዩላ።

ነዊሕ ከይጸንሐት ግና ኣቢ ገለ ባህርያት ናይ ብዓልቤታ ከሻቕላ ጀሚሩ። ኩሉ ሻዕ "ከመይ ከምዝኮሓሓልን፡ እንታይ ዓይነት ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ከምዝወድይን፡ ከምዝጸባበቕን ዝዛረብን፡ ኮታ ከመይ ኣደብ ከምዝገብርን" ኢዩ ዝሕብረኒ ኢላ ኣቢ።

"ምስ ኩሉ ደረጃ ትምህርተይ፡ ኣጻብዕቱ ናብ ርእሰይ እናኣመልከተ፡ ዋላ'ኳ ምህርቲ እንተኾንኪ ጽብቕቲ ደንቆሮ ኢኺ ይብለኒ ስለዝነበረ ድማ፡ ኣብ ነብሰይ ክጠራጠር ጀሚረ። እዚ ኩሉ ድሕሪ መርዓና ኢዩ፡ ዝብለኒ ዝነበረ" ትብል።

ኣቢ ዳርጋ ንኹሉ ዘሻቕላ ነገራት ዕሽሽ ክትብሎምን ከተመኽንየሉን ኢያ ትጽዕር ነይራ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ገለ እዋናት ኣዝዩ ይሓልየላን ይኸናኸናን፡ ሒዝዋ ናብ ደገ ይወጽእ፣ ትፈትዎ ዕንባባታት ይገዝኣላ፣ ኣብቲ ገዛ ዝተሰብረ ነገራት የዕርን ስለዝነበረ፡ ናብቲ ትፈትዎ ነገራት ጥራይ ኢያ ተተኩር ነይራ። ኣዝዩ ምልኩዕ ኢዩ ነይሩ። ዳሕራይ ድማ በቲ ዝህባ ህያባት፡ ብፍላይ ናይቲ ህንዳዊ ኣባሓጎኡ ዝነበረት ዝፈትዋ ካትም ስለዝሃባ፡ ኣዝያ ተመሲጣ።

እቲ ማህረምትን ምስርጣይን ምስተጀመረ፡ ዕሽሽ ኢላ ንኽትሓልፎ ኣዝዩ ኣጸጋምዋ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ምስ መሓዙታ ክትዘናጋዕ የገድዳ እሞ ናብ መሓዙታ ትኸይድ።

ገዛ ምስተመልሰት ግና ዘይተጸበየቶ ኩነታት የጓንፋ፤ ኣብቲ ወዳ ዘጽንዓሉ ጣውላ ተረፍ መረፍ ናይ ኮከይን [ድሮጋ]፡ ኣብቲ ምድሪ ቤት ድማ ዝተወደአ ጠራሙዝ ናይ መስተን ፋሕ ኢሉ ምስጸንሓ፡ እዚ ኹሉ እንታይ'ዩ ኢላ መብርሂ ምስሓተት፡ ሴባስትያን ብሕርቃን ይትኮስ።

"ብድሕሪኡ፡ ብሓይሊ ጸፊኡኒ፡ ኣፈይ ዓትዒቱ ድሕሪ ምሓዝ፡ ኣፍኪ ሓዚ ኢሉኒ።"

"ካብቲ ማህረምቲ ንምግልጋል፡ ናብቲ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረ ክፍሊ ሃዲመ። ንጽባሒቱ ንግሆ መጺኡ፡ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታት፡ እቲ ዝገበሮ ኣዝዩ ከምዘጓሃዮን ከምኡ ከምዘይደግምን ድሕሪ ምግላጽ፡ ተእውይን ትውጭጭን ስለዝነበርኪ፡ እቶም ጎረባብቲ መታን ከይሰምዑና ትም ንኽትብሊ ኢየ ሃሪመኪ ኢሉኒ። ንመጀመርታ ዝተሃረምኩላ መዓልቲ ኢያ ነይራ።"

ኣቢን ሴባስትያን ስዋሚን

ምንጪ ስእሊ, Abi Blake

መግለጺ ስእሊ, ኣቢን ሴባስትያን ስዋሚን

ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ኣቢ ነዊሕ ዝእጅጊኡ ካሚቻን ሻርባን ብምልባስ ነቲ ምልክታት ማህረምታ ክትሓብእ ፈቲና። ነቲ ዘጓነፋ ውርደት ክትሓብእ ግና ኣሸጊርዋ።

ኣዝያ ኣብ ትርዕደሉ እዋናት፡ ፖሊስ ትጽውዕ እሞ፡ እቶም ፖሊስ ንሴባስትያን ስዋሚ ንደገ ሒዞም ይኸዱ'ሞ፡ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት እቲ ኩነታት ምስሃድአ ድማ ሒዞሞ ይምለሱ።

ምስቲ ኩሉ ማህረምትን ምስርጣይን፡ ዋላ ሓደ እዋን ንሳ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፍሊ ደቂሳ ከላ ነቲ ገዛ ከቃጽሎ ሓዊ ምስኣጎደ፡ ክትከሶ ተሓቲታ ኣይፋል ኢላ።

"ኮፍ ኢለ፡ ነቲ ብሓዊ ዝነደደ ክፋል ናይቲ ገዛ ክዕዘብ ከለኹ፡ ቦያ ክለኽዮን፡ ከጽርዮን ከምዘሎኒ ሓሲበ። ጽንሕ ኢለ ድማ፡ ከምኡ ክገብር ከምዘይብለይ ይውስን። እቲ ሽዑ ተጸዊዑ ዝመጸ ፖሊስ፡ ኣቢ እቲ ነዚ ገዛ ንምቅጻል ዝገበሮ ፈተነ ዓቢ ገበን ስለዝኾነ ክትከስዮ ኣሎኪ ምስ በለኒ፡ ኣይፋል፡ ኣይፋል ኢለዮ። ኩሉ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዜፍርሕ ስለዝነበረ።"

ብዘይ ብእኡ ክትነብር ከምዘይትኽእል የእሚንዋ ከምዝነበር ትገልጽ።

ኣዲኣ ሓደ መዓልቲ ክቐትለኪ ኢዩ ኢላ ኣጠንቂቓታ ነይራ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ፡ እቲ ኣዲኣ ዝበለታ ዳርጋ ጋህዲ ኮይኑ። ሴባስትያን፡ ብርግሒት ኣብ ኣካላታ ደው ብምባልን ኣብ ዓንዲ ሕቖኣ ማህሰይቲ ኣውሪዱን፡ መሰንገሊኣ ሰይሩን፡ ሓደ ካብ ሳንቡኣ ድማ ነዂሉን። ብድሕር'ዚ ኣብቲ ባይታ ተሰጢሓ እናተቐንዘወት ከላ፡ ብዓውታ፡ ምስኣ ከምዝወደአን ኣፋ ክትሕዝ ከምዘለዋን ይነግራ።

ኣቢ ብሳላ ጎረባብታን እቶም ኣብ ክሳዳ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይምን፡ ካብ ሞት ተሪፋ። እንተኾነ ንዘልኣለም ዘሳቕያን ነባሪ ማህሰይቲ ዓንዲ ሕቖን ኣጥሪያ።

ብድሕር'ዚ ካብኡ ክትፍለ ወሲና።

"እንተዘይትገድፎ ነይራ፡ ምቐተላ ነይሩ ። ሽዑ ምሸት ብፍላይ ኣዝዩ ሰትዩ ስለዝነበረ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘውረዶ ማህሰይቲ ኣዝዩ ክፉእ ኢዩ ነይሩ፡ ምሞተት ነይራ" ኢላ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኣማኻሪ፡ ዶክተር ኬሪ ኒክሶን።

ብዙሓት ከም ኣቢ ዝኣመሰላ ብሰብኡተን ዝህረማ ደቀንስትዮ ስጋብ ሞት ዝበጽሓ ብዙሓት ኢየን። እቲ ሕብረተሰብ ግና ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይህበንን ኢላ ዶክተር ኬሪ ኒክሶን።

ዶክተር ኬሪ ኒክሶን
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኬሪ ኒክሶን

"ምስ ኣባላት ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተኻየደ ዘቤታዊ ዓመጽ መርሚረ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሰብኡተን ዳርጋ ኣብ ኣፍ ሞት ኢዮም ገዲፎመን ዝኸዱ። ድሕሪ`ዚ ኹሉ ድማ እቲ ጉዳይ ኣበይ ከምዝበጽሐ ኣይትሰምዕን" ኢላ ዶክተር ኬሪ።

"ሓንቲ ጓልንስተይቲ ብዓልቤታ ምስ መንደቕ ናይ ባኞ ብሓይሊ ብምግጫው፡ ዳርጋ ሞይታ ኢሉ ገዲፍዋ ናይ ዝኸደት ጓልንስተይቲ ጉዳይ መርሚረ። ናይ ሓንቲ ካልእ ጓልንስተይቲ ሰብኣያ ብኻራ ዝወገኣ`ውን ተኸታቲለ። እዛ ብኻራ ዝተወግአት ጓልንስተይቲ ቤት-ፍርዲ ምስቐረበት፡ ብዘይ እቲ ብኻራ ዝወገኣ ሰብኣያ ክትነብር ከምዘይትኽእል ብምግላጽ፡ ነቲ ክቐትላ ዝሓለነ ሰብ ተኸላኺላትሉ" ኢላ ዶክተር ኬር።

ኣቢ ካብ ኣፍ ሞት ምስደሓነት፡ ንሴባስትያን ስለዝኸሰሰቶ፡ ኣብቲ ጥሪ 2019 ዝወዓለ መጋባእያ፡ ሴባስታይን ኣብ ልዕሊ ኣቢ ከቢድ ኣክላዊ ማህሰይቲ ከምዘውረደላ ድሕሪ ምእማኑ፡ ንሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።

ዳኛ ስቲቭን ኤቬሬት፡ ኣብ ልዕሊ ኣቢ ኣዝዩ ከቢድ ኣካላዊ ጉዳት ስለዘውረደላ ኢና ፈሪድናዮ ኢሉ።

ሃንደበት ሓደ መዓልቲ፡ ኣቢ እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝተፈርደ ሰብኣያ-ነበር ሴባስትያን፡ ፍርዱ ከይወደአ ብተግሳጽ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክወጽእ ከምዝኾነ ምስ ሰምዐት ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ሓለዋ ክገብረላ ትሓትት።

ሴባስትያን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሬክሳም ምስ ወጸ ትሕባእ። ሴባስትያን ግና፡ ወለዱ ናብ ዝነብርሉ ቤርክሻየር ከምዝኸደን፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ኤለትሮኒካዊ ምክትታል ከምዘሎን ምስፈለጥና፡ ናብ ገዝኣ ተመሊሳ።

ድሕሪ`ዚ ኹሉ ዘሕለፈቶ መስገደል፡ ኣቢ ኣብዚ እዋን ንኻልኦት ተመሳሳሊ ሽግራት ዘለወን ደቀንስትዮ ብምሕጋዛ፡ ኣዝያ ሓበን ይስምዓ። ካልኦት ደቀንስትዮ ከምቲ ንሳ ዘሕለፈቶ ሽግራት ከሕልፋ ኣይትደልን ጥራይ ዘይኮነት፡ ሂወተን ንምድሓን ተቐላጢፈን ስጉምቲ ክወስዳ ትምዕድ።

"እቲ ኣካላዊ ማህረምቲ ቅድሚ ምጅማሩ ስነ-ኣእምሮእዊ ዓመጽ ኢዩ ጀሚሩ።ብህይወተይ ክሳብ ዝመጽኣኒ ይዕምጸኒ ከምዝነበረ ኣይተረደኣንን። ስለዚ ኢየ ድማ፡ ካልኦት ደቀንስትዮ ካብቲ ኩነታት ንምድሓን ዝጽዕር ዘለኹ" ኢላ ኣቢ።