መቕተልቲ ኣፍጋናዊት ጋዜጠኛን ኣማኻሪት ፖለቲካን ቁጥዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, AfghanPresidential Inofrmation Coordination Center
ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ፖለቲከኛታት ደቂኣንስትዮ ኣፍጋኒስታንን ጋዜጠኛን፡ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ምቕታላ ንብዙሓት ኣቖጢዑ፤ ግቡእ ፍትሒ ንክትረክብ ድማ ኣእላፍ ይሓቱ ኣለዉ።
ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምፅንባራ፡ ናይ ተሌቬዥን ጋዜጠኛ ዝነበረት ሚና ማንጋል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ካቡል ብቅርበት ብዝተተኮሰ ጥይት እያ ተቐቲላ።
ሰብመዚ ኣፍጋኒስታን ቀተልቲ ሚና ማንጋል ሒዞም ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቡ ቃል ዝኣተዉ እንትኾኑ፡ ፖሊስ እውን ምርመራ የካይድ ኣሎ፤ ነዚ ቅትለት መን ከምዝፈፀሞ ግና ክሳብ ሕዚ ኣይተፈለጠን።
ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ንቤትምኽሪ ኣፍጋኒስታን ኮሚሽን ጉዳያት ባህሊ ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ማንጋል ናብ ስራሓ እናኸደት እንከላ እያ ተቐቲላ ኢሎም።
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣፍጋኒስታን፣ ጉጅለታት ሲቪል ሶሳይቲን ኮሚሽን ፀረ ፆታዊ ጥቕዓትን ስጡም ክትትል ንክግበር ሓቲቶም ኣለዉ።
ማንጋል ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ምፍርራሕ ይበፅሓ ከምዘሎን ንህይወታ ከምትሰግእን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፃ ፅሒፋ ምንባራ፡ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ዋዝማ ኣብ ትዊተራ ሓቢራ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ሃገር ድማ፡ "ዓይነት እቲ መፈራርሒ ግልፂ ኣይኮነን፤ ኣብ ስድራ ዝተፈጠሩ ጎንፅታት እውን ምርኣይና ኣይክተርፍን" ክብሉ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።
ሞት ማንጋሊ ካብ ዝተሰመዐሉ እዋን ጀሚሩ፡ ኣፍጋናውያን ኣብ ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር ብዛዕባ ዝፍፀም ፆታዊ ጥቕዓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይፅሕፉ ኣለዉ።
ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ኣብ 2018 ኣፍጋኒስታን ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







