ጾታዊ ዓመጽ ፈጺማ ዝተበሃለት ጓል ኣንስተይቲ ትድለ ኣላ

ፖሊስ መጓዓዝያ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ሓበሬታ ክህቡ ይሓትት

ምንጪ ስእሊ, BRITISH TRANSPORT POLICE

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ መጓዓዝያ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ሓበሬታ ክህቡ ይሓትት

ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብኣይ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺማ ዝተበሃለት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትድለ ከም ዘላ ፖሊስ መጓዓዝያ ብሪጣንያ ሓቢሩ።

እቲ ዓመጽ ኣብ ለንደን ኣንደርግራውንድ ከም ዝተፈጸመ’ዩ ዝግለጽ።

ለንደን ኣንደርግራውንድ፡ ንለንደንን ንገለ ክፋላት ናይተን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ ጐረባብቲ ዞባታት ባኪንግሃምሻየር፡ ኤሰክስን ሄርትፎርድሻየርን ዘገልግል ቅልጡፍ መተሓላለፊ ስርዓት እዩ።

ፖሊስ፡ ኣብቲ መደበር መጓዓዝያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብኣይ ተፈጺሙ ብዝተበሃለ ጾታዊ ዓመጽ፡ ነታ ሰበይቲ ከዘራርብ ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ብ14 ሚያዝያ ምሸት እቲ ሰብኣይ ኣብ ተንቀሳቓሲ መሳልል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እታ ሰበይቲ ኢድ ንኢድ ከተሰንዮ ፈቲና።

እቲ ሰብኣይ ኢዱ ድሕሪ ምስሓቡ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺማ ከም ዝተበሃለት ወሃቢ ቃል ፖሊስ መጓዓዝያ ብሪጣንያ ገሊጹ።

ብድሕሪኡ እታ ምስ መሓዛኣ ትጓዓዝ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ካብቲ ተንቀሳቓሲ መሳልል ናብ ሓንቲ ባቡር ትሕቲ መሬት ለንደን ተሰቒላ።

መርመርቲ፡ ኣብ መርመራ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከም ዘለዋ ስለዝኣመኑ፡ ካብ ሲሲቲቪ (ካሜራ ጸጥታ) ዝተረኸበ ምስሊ እታ ሰበይቲ ዘርጊሖም ኣለዉ።

ኣብ ጥሪ፡ ትካል መጓዓዝያ ለንደን፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ሰባት ንጡፋት ተዓዘብቲ ዝዀኑሉ ባህሊ ንምትብባዕ ሓድሽ ወፍሪ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።

እቲ ወፍሪ፡ ነበርቲ ለንደን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ጾታዊ ትንኮያታት እንተተዓዚቦም "ብውሑስ መንገዲ ጣልቃ ክኣትዉ" የተባብዕ።

ብተወሳኺ ሰባት፡ ምልክታት ጾታዊ ትንኮያ ብምልላይ፡ ግዳያት ንዝዀኑ ደገፍ ክህቡ፡ ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ፍጻመታት ክሕብሩን ኣብ ልዕሊ ሰባት ከይፍጸሙ ክከላኸሉን ከነቓቕሕ ይጽዕር።

ኣብ መላእ መርበብ እቲ መጓዓዝያ ዝተዘርግሑ ፖስተራት፡ ሰባት ነቲ ኵነታት ብምዝሓልን ደገፍ ብምሃብን ግዳያት ክሕግዙ ይሓቱ።

ተዓዘብቲ ብዘይ ስግኣት ብኸመይ ጣልቃ ክኣትዉ ይኽእሉ?

ጾታዊ ትንኮያ ሓደ ዓይነት ዓመጽ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም እዩ።

ኣብ 2021 ብለንደን ትራቨልዋች ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 63 ሚእታዊት ሰባት ብኸመይ ከም ዝሕግዙ ዝያዳ ሓበሬታ እንተዝህልዎም፡ ንገበን ምላሽ ኣብ ምሃብ ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ክስምዖም ከም ዝኽእል የመልክት።

መርበብ ሓበሬታ ትካል መጓዓዝያ ለንደን፡ ሰባት ጾታዊ ትንኮያ እንተተዓዚቦም ብኸመይ ብዘይ ስግኣት ጣልቃ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ንጹር መምርሒታት የቐምጥ።

ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ ሰባት ጾታዊ ምትንኻፋት ክዕዘቡ እንከለዉ፡ ንገዛእ ርእሶም ውሕስነት ምስ ዝስምዖም ጥራይ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ።

ትኹረት ምስራቕ፡ ነቲ ዒላማ ዝተገበረ ሰብ ከም "ቀጻሊ ፌርማታ ኣበይ’ዩ?" ወይ "ሰዓት ክንደይ ኰይኑ?" ዝብሉ ቀለልቲ ሕቶታት ብምሕታት እቲ ፍጻመ ጾታዊ ምትንኻይ ንኽቋረጽ ወይ ንኽሃድእ ክትሕግዙ ትኽእሉ።

ምስናድ፡ ጾታዊ ትንኮያ ክፍጸም እንተርኢኹም፡ መዘኻኸሪ ሰነድ ምሓዝን ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ብምሃብን ብዛዕባ እቲ ገበነኛ ፕሮፋይል ንምህናጽን ክትሕግዙ ትኽእሉ።

ደሕነቶም ምርግጋጽ፡ ድሕሪ ዝዀነ ፍጻመ ጾታዊ ትንኮያ፡ "ደሓን ዲኺ?" ወይ ድማ "እቲ ዘጋጠመ ነገር ፍጹም ዘይግባእ’ዩ" ከምኡ’ውን ካልኦት ርእይቶታት ብምሃብ ተነጽሎ ከይስምዖም ዝያዳ ርእሰ ተኣማንነት ክህልዎምን ዝሕግዝ’ዩ።