'ካብ ጭራም'የ ጠኒሰዮ'

ምንጪ ስእሊ, SLATER KING
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክንደይ ሰባት ካብ ዓመጽን ግህሰትን ከም ዝተወልዱ ንምዝራብ ኣጸጋሚ’ዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ጥራይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ክሳብ 3,300 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ዓመጽ ጠኒሰን ክዀና ከም ዝኽእላ ግምታት ዩኒቨርሲቲ ዱርሃምን ማእከል ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮን ይሕብር።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እንግሊዝን ዌልስን እማመ ግዳያት ክተኣታቶ እዩ፤ ብዓመጽ ዝተጠነሱ ህጻናት ከም ግዳያት ገበን ብወግዒ ክምደቡ ምዃኖም መንግስቲ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ተወሳኺ ደገፍ ክረኽቡ መሰል ዝህቦም እዩ።
ተጠቀምቲ ኣገልግሎታት ፍወሳ፡ ምኽሪን መንበሪ ኣባይት ክዀኑ ቃል ተኣትዩሎም ኣሎ። ብዛዕባ ጉዳዮም ሓበሬታ ምርካብ፡ ኣብ ዙርያ ጽግዕተኛነት፡ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ከምኡ'ውን ትምህርትን ኣመልኪቱ ካብ ዝወሃብ ኣገልግሎታት "ዓቢ ኣፍልጦ" ክረኽቡ እዮም።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንደቂ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝተወፈየ ትካል ግብረ ሰናይ ወይ ናይ ደገፍ ኣገልግሎት ስለዘየለ ግን፡ ብጾታዊ ግህሰት ዝተጸለዩ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ሓገዝ ክኢላታት ዝተሓላለኸ ስምዒታት ክሓልፉ ተገዲዶም እዮም።
'ብዛዕባ ነብሰይ ሕማቕ ክስምዓኒ የብሉን'
ዝኸበርኪ ታስ
ሕጂ ጓል 10 መዓልቲ ኢኺ ነዚ ክተንብቢ ከለኺ ግን ድሮ ዓባይ ኰይንኪ ኣለኺ።
ብጣዕሚ እየ ዝፈትወኪ።
ታስኒም ንመጀመርታ ግዜ ዝኽሪ ኣዲኣ ሉሲ ከተንብብ ከላ ኣዒንታ ብንብዓት ክቃጸላ ይስምዓ። እቲ ዝኽሪ ኣይኮነን ዶ ካብቲ ህጻን ከላ ንሉሲ ዝቐተለ ሓዊ ምትራፉ፡ ካብ መጀመርትኡ'ውን ኣይትፈልጥን ነይራ።
ኣብ ምዕጉርቲ ታስኒም ዘላ ፍኹስ ዝበለት በሰላ ቃጸሎ፡ እቲ እንኮ ዝርአ በሰላ ናይታ ኣዲኣ ዝሞተትላ መዓልቲ እዩ።
እቲ ገዛ ብሃልሃልታ ክሽፈን ከሎ፡ ኣቦኣ ተሰኪሙ ናብ ውሑስ ቦታ ወሲድዋ፤ ኣብቲ ጀርዲን ድማ ብኮቦርታ ጠቕሊሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኦም ኣቐሚጥዋ ነይሩ።
ብህይወት እኳ እንተኣድሓና፡ ነዳዲ ኣፍሲሱ ነቲ ባርዕ ወሊዑ ነቲ ገዛ ብምቅጻል ንሓማትን ዓባያን ዝቐተለ ንሱ እዩ።
ታስኒም ኣቦኣ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ቀታሊ ሰብ ምዃኑ ትፈልጥ ነይራ።
ንሳ ኣብ ጉዳይ ኣዲኣ ንዝተትሓዘ ጭብጢ ንምርኣይ ክሳዕ እትሓትት፡ እቲ ን18 ዓመታት ኣብ መኽዘን ፖሊስ ተረሲዑ ዝነበረ ናይ ኣዲኣ መዘክር ግና ካልእ ዘስካሕክሕ ሓቂ ዝሓዘ እዩ ኔሩ።
ኣቦኣ ኣብ ልዕሊ ኣዲኣ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ከም ዝተወልደት ይገልጽ።

እቲ ዝኽሪ፡ ጎድና ጎድኒ መጻኢ ተስፋን ሕልምን ሉሲ፡ ነቲ ብምስጢር ዝሓዘቶ ስቓያ ብዝርዝር ይገልጽ።
እቲ ዘዋሪ ታክሲ ዝነበረ ኣቦ ታስኒም፡ ኣዝሃር ዓሊ መሕሙድ፡ ንሉሲ ብ10 ዓመት ዝዓብያ'ኳ እንተዀነ፡ ካብ 12 ዓመት ዕድሚኣ ጀሚሩ የሳቕያን የጋፍዓን ነይሩ።
እቲ ኣብቲ ዝኽሪ ዝረኸበቶ ሓቂ፡ ንታስኒም ኣንቀጥቂትዋ። ኣብ ዓለም ብኸምዚ ኵነታት ዝሓለፈት እንኮ ሰብ ከም ዝዀነት ይስምዓ። መጽናዕትታት ግን በይና ከም ዘይኰነት ይሕብሩ።
"ወለድኻ ሕጉሳትን ዝፋቐሩን ምንባሮም ኢኻ ክትሰምዕ እትደሊ" ትብል ታስኒም።
"ብዛዕባ ስድራኻን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ንኹሉ ትፈልጦ ነገራት ዘለካ ኣረኣእያ ይቕይሮ፡ ምኽንያቱ ኣነ ምስ ቀታሊ ከምኡ'ውን ምስ ዓማጺ ዝምድና ኣለኒ። ምስ ዓበኹ ከምኡ [ኣቦኣ] እንተዀንኩ'ኸ ዝብሉ ዘስካሕክሕ ነገራት ይሓስብ ነይረ?"
ገለ ካብቲ ዝኽሪ ታስኒም ንኸተንብቦ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ። ኣብቲ ኣብ ዝኽሪ ሉሲ ኣዝዩ ንጹር ዝዀነ ናይ ኣዲኣ ፍቕሪ ከተተኩር ትፍትን። ገጻት እቲ ዝኽሪ፡ ብዛዕባ ብሓባር ዝነበረን ህይወት ብዝምልከቱ ግጥምታትን ዛንታታትን ዝመልአ እዩ።
"ብዛዕባ ነብሰይ ሕማቕ ክስምዓኒ የብሉን፡ ምኽንያቱ ንሳ ከምኡ ክስምዓኒ ኣይምደለየትን" ትብል ታስኒም።

ምንጪ ስእሊ, WEST MERCIA POLICE
ታስኒም እቲ ከቢድ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ብድሕሪኣ ምስ ተዓጽወ ልባ ብሓይሊ ክትሃርም ተፈሊጥዋ። ሓደ ሓላዊ፡ ናብ ሓንቲ ንእሽቶን ዝሑልን ክፍሊ መሪሕዋ።
እቲ ብካልእ ሸነኽ ናይቲ ክፍሊ ዝርከብ ማዕጾ ተኸፊቱ፤ ታስኒም ንመጀመርታ ግዜ ንኣቦኣ ርእያቶ። ናይ ቤትማእሰርቲ ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ፡ ካብቲ ዝገመተቶ ሓጺር ኮይኑ እያ ረኺባቶ።
ነፍሱ ግን ንእሽቶ ኣይኰነን። ነቲ ክፍሊ መሊእዎ። ሓቚፉዋ። ናይ ቸኮሌት ኬክ ገዚኡላ ነይሩ - "ንምጽንባል"።
እዚ ግን ድሌት ታስኒም ኣይነበረን። እቲ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻራ ክኸውን እዩ ድሌታ። ጽልዋ እቲ ተግባሩ ክርድኦ እያ እትደሊ።
ሕጂ ግን ነቲ ንኣዲኣ ዝመዝመዘን ዝተቆጻጸረን ሰብ እያ ትርእይ ዘላ።
ታስኒም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ ከይዳ፡ ብድሕሪኡ ኣይተመልሰትን። ኩሉ ዘድልያ መልሲ ረኺባ እያ።
'ዳርጋ ኣብ ኣፍልብኻ ብጉራዴ ዝወግኣካ'ዩ'
ኒል፡ ነቲ ዝተለኣኸሉ ፖስታ ቅድሚ ምኽፋቱ ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ።
ኣብ ኢልክሊ፡ ዌስት ዮርክሻየር ምስ ከም ውላዶም ዝተቐበልዎ ስድራቤት እዩ ዓብዩ።
ሕጉስ ንእስነት ኣሕሊፉ’ዩ፡ እንተዀነ ግን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ወላዲት ኣዲኡ ክፈልጥ ድልየት ነይርዎ።
ሕጂ ኒል ኣብ 27 ዓመቱ፡ ካብቲ ንኣዲኡ ክረክብ ዝተቖጸረ ናይ ብሕቲ መርማሪ ደብዳበ ተላኢኹሉ።
ነቲ ደብዳበ ከንብብ ምስ ጀመረ ግን ካብ ኣየር ናብ መሬት ዝወድቕ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዕዎ።
ኣደ ኒል ኣብ ዕድመ ንእስነታ ኣብ ሓደ መናፈሻ ብዘይትፈልጦ ሰብ ተዓሚጻ ነይራ። ከም ውጽኢቱ ድማ’ዩ ኒል ተወሊዱ።
"ነዘን ቃላት ከዳልወልካ ዝኽእል ነገር የለን" ይብል ኒል።
ብኸምዚ ዝበለ ዓመጽን ጽልእን መንገዲ ከምዝተጠነሰ ምፍላጥ፡ "ዳርጋ ሓደ ሰብ ኣፍልብኻ ብጉራዴ ዝወግኣካ" ኰይኑ ይስምዓካ።
"ሕፍረት ይስምዓካ፡ ሓዘን ይስምዓካ፡ ምድንጋር ይስምዓካ። ኩሉ እቲ ብዛዕባ ነብስኻ ክህልወካ ዝኽእል ዝጸልመተ፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስምዒታት።"
ኒል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝፈልጦ ዝመስሎም ዝነበረ ኩሉ ፈሪሱ ኣሎ።
ብፍቕሪ ዘይኰነስ ብዓመጽ ተወሊድካ እንታይ ማለት እዩ? ኣዲኡኸ ክትረኽቦ ፍቓደኛ ክትከውን ድያ?

ኒል፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ወላዲቱ ንምርኻብ ኣብ ደገ መደበር ባቡር ተጸብዩ። ብዛዕባ እዛ ህሞት እዚኣ ብዙሕ ግዜ ሓሲቡ’ዩ፡ እንታይ ክገብር እንታይ ክብል ከም ዘለዎ ተለማሚዱ እዩ።
ምስ ተቐልቀለት ንሳ ምዃና ፈሊጡ።
ክልቲኦም፡ ነንሕድሕዶም ተጠማሚቶም። ኒል ኣብ ክንዳኣ’ውን ጭንቀት ተሰሚዕዎ።
"ነቲ [ዝዓመጸኪ] ሰብኣይ እንተመሲለ፡ ክኸደልኪ ይኽእል እየ" ኢልዋ።
"ኣይትመስልን ኢኻ" ኢላቶ ኣዲኡ፡ ኒል እፎይታ ተሰሚዕዎ።
ኣደን ወድን እናተጓዓዙ ኣውጊዖም፤ ዛንታ ህይወቶም ንሐድሕዶም ኣካፊሎም። ብዛዕባ እቶም ኒል ዘይፈልጦም ኣሕዋቱ ነጊራቶ። ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ኣገላልጻ፡ ሓደ ዓይነት ኣካላዊ ምርኢት፡ ሓደ ዓይነት ሰሓቕ ኣለዎም።
ኒል ኣብታ ዝተጠነሰላ ምሸት እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይሓተተን። ምፍላጥ ኣየድልዮን፡ ብዛዕባ እቲ መዓልቲ ከዘኻኽራ ድሌት የብሉን።
ንሱ ክሳብ ዝርድኦ፡ ኣቦ የብሉን። ወላዲት ኣደ ግን ኣለቶ።
ንኒል፡ እዚ እኹል እዩ።
'ማማ፡ ውላድ ጾታዊ ዓመጽ ድየ?'
ሳሚን ቦኽሪ ወዳ ብመኪና እናተጓዓዙ ከለዉ ዘይተጸበየቶ ነገር ሓቲትዋ።
"ማማ፡ ውላድ ዓመጽ ድየ?"
"ኣይፋልን" ኢላቶ። "ንስኻ ውላደይ ኢኻ።"
ሳሚ፡ ዘይራ ንወዳ ትጥምቶ። ክትሕግዞ፡ ካብዚ ቃንዛ ክትከላኸሎ ትደሊ፡ ብኸመይ ከም እትከላኸሎ ግን ኣይትፈልጥን።

ኣብ 2013 እዩ ኣጋጢምዋ፤ ሳሚ ግን ንወዲ 12 ዓመት ወዳ ብዛዕባ ዘጋጠማን ብኸመይ ከም ዝተጠነሰን ኣብ ቀረባ እዋን እያ ነጊራቶ።
እቲ ኣቦይ ዝበሎ ኣርሺድ ሑሴን፡ ጓል 14 ዓመት ከላ ጀሚሩ ብኸመይ ከም ዝዓመጻን ከም ዝግፍዓን ገሊጻትሉ።
ምስኡ ርክብ ከም ዘለዎም ክትኣምን ገይሩ ኣዳልይዋ። እቲ ወዲ 24 ዓመት ሑሴን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ኣዋልድ እውን ከምኡ ገይሩ’ዩ።
ሳሚ ግን ኣብ መወዳእታ ካብቲ ዝሸፈና ግመ ነጻ ኰይና ኣላ። ንሳ፡ ኣገልግሎታት ሮተርሃም፡ ደቡብ ዮርክሻየር፡ ንዓኣን ንካልኦት ልዕሊ 1000 ህጻናትን ካብ ጾታዊ ምዝመዛ ክከላኸሉ ዘይምኽኣሎም ብግልጺ ክትዛረብ ጀሚራ ኣላ።
ሑሴን ብፖሊስ መርመራ ተገይሩሉ፡ ዲኤንኤ ወዳ ድማ ሓደ መርትዖ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሑሴን ን35 ዓመት ተፈሪድዎ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።

ወዳ ግን ንኹሉ ክርዳእ ክሳብ ክንደይ ይቃለስ ከምዘሎ ትርኢ። ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ይሓትት ኣሎ - ተደልዩ ድዩ ተወሊዱ? ተፈቒሩ ነይሩ’ዶ?
ሳሚ ብልጽቲ ኣደ ክትከውን ፈቲና እያ፡ ግን ኩሉ ከም ናታ ጌጋ ኰይኑ ይስምዓ።
ኣብ መሬት ክሽነ ተደፊኣ በኽያ። ንወዳ ኣዝያ ትፈትዎ’ያ፡ ግን ምስኣ እንተዘይነብር ዝሓሸ ኰይኑ ይስምዓ።
ሳሚ ከም ታስኒምን ኒልን ንዓመታት ንበይና ተቃሊሳ እያ፡ ዝዀነ እንታይ ከም ዝስምዓ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።
ኣብ 2021 ግን ማንዲ ምስ እትበሃል ካልእ ኣደ ተራኺባ፤ ኣብ መወዳእታ ብሓቂ ምስ ዝርዳእ ሰብ ብነጻነት ክትዘራረብ ክኢላ።
ማንዲ ብወገና ዘጋጠመ ነገር ንሳሚ ትነግራ።
'ካብ ጭራም'የ ጠኒሰዮ፡ ግን የፍቅሮ እየ' - ማንዲ
ማንዲ ብዛዕባ እቲ ግህሰት ዘለዋ ናይ መጀመርታ ተዘክሮ ጓል 11 ዓመት እንከላ እዩ።
ኣብቲ ማሕበረሰብ ከም ፍሉይ ኮንስታብል ፖሊስን ኣባል ሰራዊት ድሕነትን ዝኽበር ኣቦኣ፡ ክዳና ኣውጺኡ ምስኣ ናብ ባኞ ኣትዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ለይቲ የጋጥማ ነይሩ። ብጫፍ እግሩ ሰላሕ ኢሉ ናብ መደቀሲኣ ይኣቱ። ማንዲ ንዝዀነ ሰብ ክትነግር ኣይደፈረትን። ኣቦኣ ዘፍርሕ ሰብ እዩ ነይሩ።
ሽዑ ሓደ መዓልቲ፡ ከም ዝጠነሰት ፈሊጣ።
"ንሓደ ሰብ መርዚ ዝወጋእኻዮ ይመስል። ኣቦይ ከምኡ ገይሩኒ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ጂን ወጊኡኒ" ኢላ ንሳሚ ነጊራታ።
እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ኣይፈለጠትን።
ኣቡኣ ምስ ፈለጠ ግን ማንዲ ኣማራጺ ኣይነበራን።
ንሳ ክትወልድ ከላ ኣቡኣ ኣብኡ ኣብ ክፍሊ ሕርሲ እዩ ነይሩ። እተን መዋለዶ ነቲ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ኣሕቚፈንኦ።
እዚ ብምግባረን ኣዝያ ሓዚና። ካብኣ ቀዲሙ "መጀመርታ ንውላደይ ሒዙዎ" ትብል ማንዲ።
"ኣእዳውካ ኣልዕል፡ ርሓቕ" ክብሎ ጥራይ እየ ዝሓስብ ነይረ።"
"ዕሸለይ እዩ፡ ክቡር እዩ። ንዘልኣለም ክከላኸሎ እየ።"
ስለዚ ማንዲ ዕድል ምስ ረኸበት፡ ንዕሸላ ዝኸውን ገለ ጨርቂን ጸባን ኣንጠልጢላ ካብቲ ክፍሊ ወጺኣ፤ ብድሕሪኡ ኣይተመልሰትን።

ሳሚ፡ ምስቲ ካብ ሕጉስ ዝምድና ዝተወልደ ቆልዓ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብግህሰት ዝጠነሰ ቆልዓ ፍልይ ዝበለ ይመስላ እንተዀይኑ ሓቲታታ።
"እወ" ትብል ማንዲ። "ብፍቕሪ ኣይተጠነሰን። ካብ ፍቕረይ ኣይተጠነሰን። ካብ ጭራም’የ ጠኒሰዮ።"
"ግን የፍቅሮ እየ።"
ሰብኣይ ማንዲ፡ ንወዳ ብወግዒ ከም ወዱ ተቐቢልዎ እዩ። ሕጂ ምስቶም ካልኦት ደቆም ብሓጐስ ይነብሩ ኣለዉ።
ማንዲ ግን ካብ ግህሰት ኣቦኣ እኳ እንተ ኣምለጠት፡ ካብቲ ሳዕቤን ግን ክትሃድም ኣይከኣለትን። ወዳ ምስ ጀነቲካዊ ጉድለት እዩ ተወሊዱ።
ካብ ግህሰት ከም ዝተወልደ ናይ ምርዳእ ዓቕሚ የብሉን፡ ማንዲ ድማ ክትገልጽ ስለዘይተገደደት ኣመስጊና። ንኹሉ ህይወቱ ግን ጸልይዎ እዩ።
ድሕሪ ሰላሳ ዓመት፡ ክሳዕ ሕጂ 24 ሰዓታት ትከናኸኖ ኣላ።
"ኣነ ዝደሓንኩ እየ፡ ወደይ ግዳይ እዩ" ትብል ማንዲ።
"ገበን ስለ ዘጋጠመኒ፡ ንዕኡ'ውን ኣጋጢምዎ።"
ተስፋታት ኣለዉ'ዶ?
"ማንዲ ዘርኣየትኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ዝዀነ እትሓልፎ ብዘየገድስ፡ ንቕድሚት ክትስጉምን ክትሕጎስን ትኽእል ኢኻ" ትብል ሳሚ።
"ሰባት ብዛዕባ እዚ ክዛረቡ ኣለዎም።"
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ጉዳይ ትኹረት ይረክብ ከምዘሎ ጎስጓሳት ይዛረቡ። መንግስቲ ኣብ እማመ ግዳያት ዘቕረቦ ምምሕያሻት ነዊሕ ከምዝተጸንዐ ደለይቲ ፍትሒ ይገልጹ።
ንኒልን ታስኒምን፡ እቲ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ለውጢ፡ ከም ናተን ዝኣመሰለ ድምጽታት ኣብ መወዳእታ ይስማዕ ከምዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ እውን እዩ።
ከምኡ’ውን፡ እቶም ካልኦት ብዓመጽ ዝተጠነሱ በይኖም ከም ዘይኰኑ ክፈልጡ ከም ዘኽእሎም ተስፋ ይገብሩ።
"ብዙሕ ጸለመ ኣሎ፡ ክህሉ ግን የብሉን" ትብል ታስኒም። "ምስ መን ትዛመድ ኣገዳሲ ኣይኰነን፡ ኣነ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሰብ እየ። ናተይ ጌጋ ድማ ኣይኰነን። በቃ ብእኡ ተጸልየ እየ።"
ብግልጺ ምዝራብ ንዝኽሪ ኣዲኣ ህያው ዝገበረትሉ መንገዲ እዩ። ታሪኾም ዘሕዝን ክኸውን ዕጫኡ ከም ዘይነበረ ታስኒም ትኣምን።
"ምስ ኣደይ ክዛረብ እንተዝኽእል፡ ክሳብ ክንደይ ተባዕ ምዃና ክትፈልጥ ምገበርኩ ይመስለኒ" ትብል ታስኒም።
"ኩሉ ጽቡቕ ኣሎ፤ ኣነ ጽቡቕ ኣለኹ ምበልክዋ ነይረ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







