ስደት፡ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ቱኒዚያ ጥሒሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ 41 ሬሳታት ስደተኛታት ከምዝተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ’ታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 200 ብጃላቡ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ተዛሪቡ።
ሆስፒታላት እታ ሃገር ብሬሳታት ስደተኛታት ከምዝመልአ ሰብመዚ ጥዕና ይገልጹ ኣለዉ።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንሓያለ ዓመታት ብሊብያ'ኳ ክሰግሩ እንተጸንሑ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ቱኒዝያ ቀንዲ ተመራጺት መስገሪት ኮይና ትርከብ።
ካብ ገለ ክፋል ገማግም ቱኒዝያ ናብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱሳ ዘሎ ርሕቀት ካብ 150 ኪሜ ዘይሓልፍ ምዃኑ'ውን ዝያዳ ተመራጺት ገይሩዋ'ሎ።
"ክሳብ ሰሉስ፡ 200 ሬሳታት ኣኪብና ኣለና፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ልዕሊ ዓቕሚ ሆስፒታልና እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ጥዕና ጸገም'ዩ" ይብል ፋኡዚ ማስሙዲ ዝተባለ ብዓልስልጣን ፍትሒ።
"ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ሬሳታት ናብቲ ገማግም ስለዝመጽእ ጸገም ኮይኑና'ሎ። መን ምዃኖም፡ በየነይቲ ዝጠሓለት ጃልባ ከምዝመጹን ንፈልጦ ነገር የለን። እቲ ቁጽሪ ግን ይውስኽ'ዩ ዘሎ"።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይ-ኦ-ኤም) ከምዝበሎ፡ ነቲ ብኣንፈት ሊብያ ዘጋጠመ ሓደጋታት ምጥሓል ጃልባ ወሲኽካ ኣስታት 300 ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሞይቶም ኣለዉ።
እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ምግሃስ መሰላት፡ ግጭትን ድኽነትን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ'ዮም።
ነቲ ኣብ መትሓዚ ሬሳታት (ሞርግ) ዘሎ ጽበትን "ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ዘሎ ጸቕጥን ንምቅላል ዳርጋ መዓልታዊ ቀብሪ ይካየድ ኣሎ" ይብል እቲ ቱኒዝያዊ ብዓልስልጣን።
እንተኾነ ግን፡ ነቲ ሬሳታት ቅድሚ ምቕባሮም መለለዪ መንነት ዝኸውን ዲ-ኤን-ኤ ከምዝሕዙ ሓቢሩ። እቲ ስጉምቲ ንስድራቤታቶም ሬሳን መቓብርን እቶም ግዳያት ንምልላይ ዝሕግዞም'ዩ።
እቲ ዝርከብ ዘሎ ሬሳታት ዝመሽመሸ ምዃኑ ድማ፡ ምስ ሞቱ መዓልታት ከምዝሓለፎም ዝገልጽ'ዩ ክብል ሓደ ብዓልስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያን ንሮይተርስ ገሊጹ።
ኣብ ሓጺር እዋን ክንዲ'ዚ ዝኣክል ቁጽሪ ሞት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ'ውን ተዛሪቡ።
ካብ 2014 ጀሚሩ ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ካብ ዝተበገሱ፡ ልዕሊ 26 ሽሕ ከምዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







