ፖሊስ ቱኒዝያ መዓስከር ስደተኛትታት ብሓይሊ ኣፍሪሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ፡ ንሓያሎ ሰሙናት ኣብ ቱኒዝ ኣብ ኣፍደገ ህንጻታት ሕቡራት ሃገራት ተዓቚቦም ናይ ዝጸንሑ ገዛ ዘይብሎም ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት መጽለሊ ብሓይሊ ኣፍሪሶም።
ኣብ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ካይስ ስዒድ ብዝተዛረቦ ጽልኢ ሓዘል ዘረባ ኣብ ልዕሊኦም ማዕበል ተቓውሞ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ብዙሓት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።
ይኹን እምበር እቲ ፕረዚደንት፡ ኣካል ናይቲ ዲሞግራፊካዊ ኣቃውማ ናይታ ብብዝሒ ባህሊ ዓረብ-እስላም ዘለዋ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምቕያር ዝተገብረ ውዲት እዮም ምባሉ ጽልኢ ከም ዘለዓዓለን ርእይቶኡ ጠንቂ'ቲ ሽግር ምዃኑን ይኽሕድ።
ብሰንኪ እቲ ኩነታት ብዙሓት ስደተኛታታት ግዳይ ማእሰርቲ፡ ግህሰትን ካብ ገዛውቶም ምስጓግን ኰይኖም።
ኤሊዛ ቮልክመን ዝተባህለት ጋዜጠኛ፡ “ፖሊስ ብዙሓት ሰባት ኣሲሮም ኣለዉ፣ ሓደ ዘዘራረብኩዎ ስደተኛ’ውን ድሕሪቲ ፍጻመ ሰበይቱን ውሉዱን ደሃይ ከምዘይብሎም ሓቢሩኒ” ብምባል መብዛሕትኦም ካብዞም ስደተኛታት ግቡእ ናይ ዩኤንኤችሲኣር (UNHCR) ሰነዳት ዝነበሮም ክነሶም ዝተኣስሩ ከም ዘለዉ እውን ብምጥቃስ፡ ጠበቓታት እቶም ዝተታሕዙ ሰባት ናበይ ከም ዝተወስዱ የጻርዩ ከምዘለዉ ሓቢራ።
ነቶም ስደተኛታት ንምብታንን ንምስጓግን መንብዒ ጋዝን በትርን ከምዝተጠቀሙ ይግለጽ።
“ዘሕዝን ዕንወት'ዩ እቲ መዓስከር ዓንዩ፡ ኣቑሑት ሰባት ከም ጓሓፍ ይውሰድ ኣሎ” ክብል ካልእ ናጻ ጋዜጠኛ ሳይሞን ኮርዳል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ብጭቡጥ'ኳ እንተዘተፈልጠ፡ ኣይቨሪኮስት፡ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ እቲ ዕግርግር ዜጋታተን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ካብ ዝወደባ ሃገራት እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







