ቱኒዝያ፡ ህዝቢ ኣንጻር ፕረዚደንት ሰፊሕ ተቓውሞ የስምዕ

ምንጪ ስእሊ, MOHAMED MESSARA
ኣሽሓት ቱኒዝያውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ዓሚቝ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣንጻር ፕረዚደንት ቀይስ ሰይድ ሰልፍታት ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ - ቱኒዝ ተኣኻኺቦም ተቓውሞ ዘስምዑ ደቂ’ታ ሃገር ምምሕዳር ፕረዚደንት ሰይድ ከብቅዕ ጠሊቦም።
ፕረዚደንት ሰይድ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ 2021 ጀሚሩ ዝደገፍዎ ቱኒዝያውያን ብሰንኪ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ መራሒኦም ዘለዎም ተኣማንነት እናጐደለ’ዩ መጺኡ።
እዚ ተቓውሞ ንቱኒዝያ ዝመርሕ ዝነበረ ውልቀ መላኺ ዜነ ኣልዓቢዲን ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ምስተገደደ ድሕሪ 12 ዓመታት ዝተገበረ’ዩ።
ኣብ ቱኒዝያ ተኻይዱ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብቲ ከባቢ ከም ሓደ ዕዉት ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተኻየደ ሕብራዊ ሰውራ ተገይሩ ዝውሰድ’ኳ እንተዀነ ኣብታ ሃገር ሰላም፡ ውሑስ ፖለቲካን ድልዱል ቁጠባን ከረጋግጽ ግን ኣይከኣለን።
ቱኒዝያ ምስ መዓት ዕዳኣ ከም ቡን፡ ጸባን ሽኮርን ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ኣቝሑ እንከይተረፈ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓዲጋ እያ እተእቱ።
መንግስቲ ቱኒዝያ ክሳብ ሕጂ ዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ውሑስ ክገብር ከምዘይከኣለ፡ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝሓበረ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓውሞ፡ “ዕልዋ መንግስቲ ጥምየትን ድኽነትን’ዩ ኣምጺኡልና” ኢሉ።
ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ዝዀነነ ወዲ 34 ዓመት ሰይድ ኣንዋር ዓሊ፡ ቱኒዝያ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል መዋእል ትሓልፍ ከምዘላ ገሊጹ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ “ሰይድ [ፕረዚደንት ቱኒዝያ] ኵሉ መሓውር መንግስቲ ተቘጻጺሩ ቍጠባ እታ ሃገር ድማ ይወድቕ ስለዘሎ፡ ስቕ ኣይክንብልን ኢና” ኢሉ።
እቲ ኣብ ቱኒዝ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብኽልተ ተቓወምቲ ውድባት ዝተመርሐ ኰይኑ ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ቱኒዝያ ኣብ ዝተረኸብሉ’ዩ ኣብ ኣፍ ደገ ሚኒስተር ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ተኻይዱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተቓወምቲ ኣንጻር ምሉእ ፖለቲካዊ መሓውር ፕረዚደንት ሰይድ ወፊሮም።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2021 ንቀዳማይ ሚኒስተር ቱኒዝያ ሰጕጉን ንባይቶ እታ ሃገር ኣወንዚፉን ዳርጋ ብውልቀ ሰብ እትምራሕ ሃገር ፈጢሩ።
እቲ ድሕሪ ዕልዋ ዜን ዓቢዲነ ቤን ዓሊ ዝተተክአ ሕገ መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ንመራሒ እታ ሃገር ፍጹም ተቘጻጻሪ ናይቲ ፈጻሚ ኣካልን ሰራዊትን ክኸውን ዝገብር’ዩ።
ፕረዚደንት ሰይድ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ቁጠባዊ ውድቐትን ንምዕራይ ተወሳኺ ስልጣን ከምዘድልዮ ብምግላጽ’ዩ ነቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምትታት ልክዕ ከምዝዀነ ከእምን ዝፍትን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







