ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ጀላቡ ጥሒለን 27 ስደተኛታት ደሃዮም ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክልተ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ድሕሪ ምጥሓለን 27 ሰባት ደሃዮም ክርከብ ከም ዘይከኣለ ተገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ሞይቶም ከይኰኑ ዝብል ስግኣት’ውን ኣሎ።
ካብተን ዝጠሓላ ጀላቡ፡ እታ ሓንቲ ብዓርቢ ካብ ቱኒዝያ ናብ ጥልያን ክትጓዓዝ ዝተበገሰት ኰይና ካብቶም ዝጸዓነቶም ስደተኛታት እቶም 20 ከም ዝጠፍኡን 17 ሰባት ድማ ከም ዝደሓኑን ሓደ በዓል ስልጣን ቱኒዝያ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ 4 ሰሙናት ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ክጥሕላ እዚ ን7ይ ግዜ እዩ። ብሰንኪ እዞም ሓደጋታት ብድምር 100 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ወይ ጠፊኦም እዮም።
ገለ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ካብ ደሴት ላፔዱሳ፡ ጥልያን 150 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቐን ይርከባ።
ብሰንኪ እዚ ድማ ቱኒዝያ ካብ ሊብያ ከም መተሓላለፊት ስደተኛታት ተመራጺት ክትከውን ክኢላ እያ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ኣብ 2023 መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝመጹ ልዕሊ 14 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማያት ቱኒዝያ ተታሒዞም እዮም።
ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ሑሴም ጄባብሎ፡ ቁጽሪ መበቆሎም ካብ ቱኒዝያ ዝዀኑ ስደተኛታት ብዓቢኡ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ብውሕዱ 12 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣትዮም’ዮም።
እዚ ቍጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 1 ሽሕን 300ን ጥራይ ነይሩ።
ስደተኛታት ውሕስነተን ብዘይተረጋገጸ ጀላቡ ተጓዒዞም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ንኣሰጋገርቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







