ኢትዮጵያ 131 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ስዑድያ ከምዝመለሰት ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, @MFAETHIOPIA
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ 131 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ ከምዝመለሰ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ኣብ ስዑድ ዓረብያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ዳግማይ ንምጥያስ ብዝተመስረተ ሃገራዊ ኮሚቴ፡ 131 ሽሕ ስደተኛታት ክምለሱ ከምዝኽኣሉ ትማሊ 26 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።
እቲ ነዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስን ንምጥያስን ዝተመስረተ ኮሚቴ ካብ 16 መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈትን መሻርኽቲ ኣካላትን’ዩ ቆይሙ።
ኣብ ሓደ ዓመት 131 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘውጽኦ ውጥን ከምዝዛዘመ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ 2 መጋቢት 2014 [ግእዝ] ዝተመስረተ ኮሚቴ፡ ካብ 7 ክሳብ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሱ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ገለ ካብቶም ትማሊ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ዲኤታ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣቦ ወንበር እቲ ኮሚቴን ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ተቐቢላቶም።
እታ ሚኒሰተር ዲኤታ፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ንምምላስ መንግስቲ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጻ።
እታ ሓላፊት ኣስዒባ፡ እቶም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ስደተኛታት ዳግማይ ኣብ ሃገሮም ተጣይሶም ብጽቡቕ ንኽነብሩ፡ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስ መሻርኽቱ ይሰርሕ ምህላዉ’ውን ጠቒሳ።
ኣብ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣወሃሃዲ ተመለስቲ ስደተኛታት ዝዀነ ኣቶ ኣሳልፈው ኣመዲን፡ መንግስቲ ነቶም ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘለዉ ስደተኛታት ዝተፈላላየ ደገፋት ይገብረሎም ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሓላፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትሪታትን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ነዚ ጉዳይ ንምክትታል ዘቘሞ ሃገራዊ ኮሚቴን ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ኮሚቴ ነቶም ስደተኛታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበጽሕሉ ጀሚሩ ንጉዳዮም ከምዝከታተል ሓቢሩ።
ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ስዑድ ዓረብ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡ ይፍለጥ።
መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ፍቓድ መንበርን ስራሕን የብሎምን ብምባል ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣብ ዘለዎም ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝዳጕኖም ብተደጋጋሚ ከነቓልሖ ጸኒሕና ኢና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







