ቅልውላው ሱዳን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ተቐቲሉ

ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ካሚስ ኣባካር ነቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ድሕሪ ምንቃፉ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።
እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ መደበር ተለቪዢን ብምቕራብ፡ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዘሎ ግጭት ሓይልታት ጀነራል ዳጋሎን መሻርኽቶም ዝኾኑ ኣዕራብ ሚሊሻን ዝወልዕዎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዓለምለኻዊ ምትእትታው ክግበር ድሕሪ ምጽውዑ'ዩ ተቐቲሉ።
እቲ ሎሚ ካልኣይ ወርሑ ዘቚጸረ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳጋሎን (RSF) ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣብ ዳርፉር ኣብ መንጎ ብሄራት ምትፍናን ከምዘስዓበ ይግለጽ።
ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ነቲ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ዳርፉር ጨውዮም ረሺኖሞ ክብል ሰራዊት ሱዳን ከሲሱ'ሎ። እቶም ሓይልታት ግን ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ዝለበሱ ዕጡቓት ብረቡዕ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ቀይዲ ከእትውዎ ይርኣዩ።
እንተኾነ ግን፡ እቶም ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታት "ሕጊ-ኣልቦ" ዝኾኑ ወገናት ከምዝቐተልዎ ብምግላጽ፡ ኣባላቶም ንከድሕንዎ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣል-ጀነይና ዝርከብ ማዓስከሮም ከምዝወሰድዎ ተዛሪቦም።
ብድሕሪኡ ግን፡ እቲ መዓስከር ከምዝተወረረን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ተጨውዩ "ብዘሕዝን ኣገባብ ተቐቲሉ" ክብሉ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ገሊጾም።
ኣብቲ ዞባ፡ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎምን ዓረባዊ መበቆል ዘለዎም ሚሊሻን ንነዊሕ ዝቐጸለ ናብ ግፍዕን ቅትለትን ዘምርሐ ምትፍናንን ወጥርን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ዝተፈጸመ ፈላሚ ምጽናት ዓሌት ምዃኑ ይግለጽ።
ነቶም ሚሊሻ ዝድግፍ መንግስቲ ኣድልዎ ይገብረሎም ከምዘሎ ብምኽሳስ ድማ መሰሎም ንምኽባር ክሳብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድ በጺሖም'ዮም።
ጃንጃዊድ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሚሊሻ ቀንዲ ካብቶም ነቲ ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱ እዮም።
ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ድማ ካብ ጃንጃዊድ ዝበቖሉ ኮይኖም፡ ብፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዓቢ ደገፍ ተገይርሎም ርእሶም ዝኽኣሉ ኣሃዱ ብምዃን ኣካል ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ክኾኑ በቒዖም።
እታ በቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ ብዝጸንሐ ውግእ ዝተሓመሰት ኣል-ጀነይና ርእሰከተማ ናይቲ ዞባ እያ።
ነታ ከተማ ኣብ ምዝማት ዝርከቡ እቶም ሓይልታትን ካልኦት ዓረብ ሚሊሻን፡ ነቶም ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ማሕበረሰባት ዒላማ ይገብርዎም ከምዘለዉ ይንገር።
ከተማ ኣል-ጀነይና ኣብ ዳርፉር እትርከብ ትእምርቲ ሓይሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተባሂላ'ያ እትርአ።
"ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ሲቪላውያን ብኣልማማ ይቕተሉ ኣለዉ" ክብል ኣመሓዳሪ ኣባካር ብረቡዕ ንስዑዳዊት መደበር ተለቪዢን ኣል-ሓዳስ ተዛሪቡ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን ነቶም ግዳያት ንምክልኻል ዝገበሮ ከምዘይነበረ'ውን ኣባካር ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ እቶም ከምኡ ኣባላት ብሄር ማሳሊት ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።
"ኣል-ጀነይና ብሰለስተ ኣንፈት'ያ ተጠቒዓ፡ ብምብራቕ፡ ደቡብን ምዕራብን"።
"እቲ ህዝቢ ኣብ ገዝኡን ኣብ መዓስከራት ተፈናቐልቲን እንከሎ'ዩ ተጠቒዑ። ሰባት መዓልታዊ በሰንኪ ብሄሮም ዒላማ ኮይኖም'ዮም"።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ሓደ ካብቶም ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዝፈረሙን ኣካል መሰረጋገሪ መንግስቲ ዝኾኑን መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ምንባሩ ጠቒሱ።
ኣብቲ ምስ 'ሱዳን ላይፍላይን' ዝተባህለ ግዝያዊ መደብ ቋንቋ ዓረብ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ እታ ሓንቲ ካብተ ብወርቂ ሃብታማት ዝኾና 6 ኣውራጃታት ዝኾነት ዞባ ምዕራብ ዳርፉር "ዘሕዝን" ኩነታት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
"ኩሉ ኣገደስቲ ትካላት ናይቲ ዞባ ፍጹም ዓንዩ'ሎ። ሆስፒታላት ኣይሰርሓን'የን ዘለዋ። ሃብቲ ማይ ኣዝዩ ዓንዩ'ዩ።
"ነቶም ብሂወት ዝተረፉ ንምድሓን ዓለምለኻውን ዞባውን ማሕበረሰብ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ምትእትታው ክገብር እጽውዕ ኣለኹ" ኢሉ። ኣብቲ ናይ ረቡዕ ቃለመሕትቱ'ውን ተመሳሳሊ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርዝስ፡ ዝበዝሐ ካብቲ መጥቃዕትታት ብዓረብ ሚሊሻን ሓይልታት ኣደዒም ኣሰሪዕን ከምዝፍጸም ብምግላጽ፡ "ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዳረግ'ዩ" ኢሉ።
ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ)፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣል-ጀነይና ጥራይ ብውሕዱ 500 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ኣባካር ከምዝበሎ'ውን ልዕሊ 2000 ቁሱላት ሕክምና ስኢኖም ኣብታ ከተማ ተኸርዲኖም ኣለዉ።
ልዕሊ 100,000 ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብምህዳም ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ኣትዮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







