ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኽ ሱዳንን እንታይ ዘትዮም?

ምንጪ ስእሊ, Malik Agar Eyre
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብ 08 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ምሸት ብምክትል ፕረዚደንት መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ማሊክ ዓጋር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ ከምዘዘራረበ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።
እቲ ርክብ፡ ኣብ ጭቡጥ ህሉው ኵነታት ሱዳን ዘድሃበ፡ ንተስፋን ተኽእሎታትን ደው ምባል እቲ ግጭትን፡ ከምኡ’ውን ተራ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ እቲ ግጭት ዘተኮረ ምዃኑ ጀነራል መሊክ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ዶብ ኤርትራ ነቶም ብሰንኪ’ቲ ግጭት ካብ ሃገሮም ንዝሃድሙ ሱዳናውያን ስደተኛታት ክፉት ምዃኑ፡ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝረኸቦ መረጋገጺ፡ ሱዳን ዓቢ ኣቓልቦ ከም እትህቦ ገሊጹ።
ኣብ ፈለማ ግንቦት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ሃገሩ ኣብ ምፍታሕ እቲ ጸገም ኣበርክቶ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ "ዝዀነ ካብ ሽግር ሱዳን ክእለ ዝደሊ ሰላማዊ ሱዳናዊ ህዝቢ ኰነ፡ ናይ ዝዀነ ይዅን ሃገር ተወላዲ ወጻእተኛ ንኤርትራ ክመጽእ እንተደልዩ፡ ኤርትራ ናይ ምድርን ባሕርን ዶባታን ክሊ ኣየራን ማዕጾኣ ክፉት እዩ፡" ክብል ሓቢሩ ነይሩ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ብ 12 ግንቦት፡ ካብ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝተላእከ ብኣምባሳደር ደፋዓላ ኣልሓጅ፡ ዝምራሕ ጕጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡ ሱዳን ካብዚ ዘላቶ ኵነታት ብዛዕባ እትወጸሉ ዕድላትን ተራ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ምዝታዮም ተገሊጹ ነይሩ።
ጀነራል ማሊክ ነዚ ናይ ሕጂ ርክቦም ኣመልኪቱ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ክልቲኤን ሃገራት ተዘራሪብና፤ ክኢላታት መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ርክባት ከካይዱን ተሰማሚዕና፡" ኢሉ።
ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቱ ብወገን ኤርትራ ዝተባህለ ነገር ግን የለን።

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ጀነራል ማሊክ ኣብ ጽሑፉ፡ “ድሕሪ’ቲ ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዝተገብረ ናዕቢ፡ ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ኵነታትን፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ድርኺት ናይቲ ጉዳይ እንታይ ምዃኑ፤ ብሰንኩ ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ዝርዝር መብርሂ ሂበ፡” ኢሉ።
ብመሰረት መልእኽቲ ትዊተር ጀነራል ማሊክ ዓጋር፡ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ኢላ ከምዘላን፡ እዚ ሕጂ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት፡ ኤርትራ ክትጽንበሮ ዘይትኽእል “ፖለቲካዊ ባዛር” እዩ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹሉ።
ግዳማዊ ምትእትታዋት ድማ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ከእርጐ እዩ ክብል እቲ ፕረዚደንት ከም ዝገለጸሉ፡ ወሲኹ ኣስፊሩ።
ድሕሪ’ቲ ምስ ኣምባሳደር ደፍዓላ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ዝተገብረ ርክብ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ኤርትራ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር፡ ንሓይልታት ወሃብ ህጽጽ ደገፍ ዕቚባ ክትህብ’ያ' ዝብልን ካልእን ብገለ ማዕከናት ዜና ኮነ ኢልካ ዝናፈስ ዝበሎ ወረ፡ ውጹእ ሓሶትን ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳን ከምዝዀነ ኣብሪሁ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ንቅልውላው ሱዳን ብዝምልከት ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት፡ ዝምድናታቱ ምስቲ ንልኡላዊ ቤትምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ጀነራል ኣልቡርሃን ምጽንሑ ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ምዃኑ ዝጥቀስ ዘሎን ብጀነራል ቡርሃን ዝተበገሰ ውሁድ ሰራዊት ናይ ምህናጽን ጠለብ ኣብዚ እዋን'ዚ ምምጽኡ "መዘንብዒ ወይ ምስምስ" እዩ ብምባል ኣቶ ኢሳይያሰ ክነቕፎ ተሰሚዑ እዩ።
ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ስትራተጅያዊ እዩ ኢሉ ዘስመረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ግዝኣታዊን ልኡላውን ሓድነት ሱዳን ብምኽባር፡ ንሱዳን ንምሕጋዝ ኤርትራ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ፡ ክብል ነቲ ልኡኽ ሱዳን ዝመርሐ ጀነራል ማሊክ ዓጋር ጽሒፉ።
ኣብቲ ርክብ ብወገን ኤርትራ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ከምኡ’ውን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ተረኺቡም ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







