ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣኼባ ጎረባብቲ ሱዳን ንምስታፍ ካይሮ ኣትዩ
![ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዓብድ ፈታሕ ኣል ሲስን [9 ጥሪ 2018 ኣብ ካይሮ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/eaed/live/3962bcb0-2087-11ee-941e-23d1e9ab75fa.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብዛዕባ ሱዳን ንምዝታይ ኣብ ዝገብራኦ ኣኼባ ንምስታፍ፡ ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብዝተገበረሉ ዕድመ ሎሚ ንግሆ ናብ ግብጺ ከምዝኸደ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን’ውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝገሹ ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተር ጠቒሱ።
ግብጺ ንኽልቲኦም ጀነራላት ን13 ሓምለ ናብ ካይሮ ጸዊዓ ከተዘራርቦም ከምእትደሊ ምግላጻ ዝዝከር'ዩ።
ንጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ደገፍ ከምዘለዋ ብሰፊሑ እትግለጽ ግብጺ፡ ከምኡ'ውን ንጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን እትድግፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዞም ክልተ ጀነራላት ንምቅርራብ ዝዀነ ወግዓዊ ተበግሶ ኣይወሰዳን ጸኒሐን።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ነቲ ግጭት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ከቢድ ረጽሚ ዝርከቡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብቐጥታ ይዅን ወከልቶም ንተሳትፎኦም ኣብቲ ካብ ጽባሕ ዝጅመር ዘተ ዝምልከት ዛጊት ዝተሓበረ ነገር የለን።
እተን ንጉዳይ ሱዳን ንኽፈትሓ ኣብ ግብጺ ክዛተያ ተባሂለን ዘለዋ ጐረባብቲ ሱዳን’ውን መነመን ምዃነን ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ።
ቅድሚ ሕጂ ነቶም ኣብ ጽዕጹዕ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራላት ሱዳን ንምርድዳእ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ፍረ ክርከቦ ኣይክኣለን።
ኣሜሪካ ስዑድ ዓረብን ንኽእልቲኦም ወገና ተዅሲ ደው ንኸብሉ’ኳ እንተኣፈራረማኦም ኣብ ባይታ ግን ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይከኣለን።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ንምፍታሕ ግጭት ሱዳን ኣብ ዝምልክተ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክውሰድ ክርአ ቀንዩ’ዩ።
ሓደ ካብኡ መራሕቲ ኢጋድን መንግስቲ ኣሜሪካ ንኽልቲኦም እቶም ኣብ ግጭት ተሸሚሞም ዘለዉ ጀነራላት ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምርኻቦም ዝወሰድዎ ተበግሶ’ዩ።
እተን ንኽልቲኦም ጀነራላን ንምርኻብ ዝገበረኦ ፈተነ ዘይሰለጠን ንጉዳይ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተመዘዛ ኣርባዕተ ሃገራት [ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ጅቡትን] ኢጋድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዳኦ ኣኼባ፡ ኣፍሪቃዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ንምእታው ዝዓለመ ዋዕላ ክካየድ ጸዊዐን ኣለዋ።
መራሕቲ ኢጋድ፡ ነቲ ጽባሕ ሓሙስ 13 ሓምለ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ኣኼባ ጐረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት ዘለዎም ደገፍ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
"ክልቲኦም ወገናት ብህጹጽ ጐንጺ ደው ብምባል፡ ብዘይዝዀነ ቅድመኵነት ብኣድማዒ ኣገባብ ምቍጽጻርን ምክትታልን ዝተሰነየ ገደብኣልቦ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክፍርሙ ኣትሪርና ንጽውዕ" ክብሉ መራሕቲ ኢጋድ ተማሕጺኖም።
ኣብ ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ናይ "ብሄርን ሃይማኖትን መልክዓት" ምሓዙ ከምዘሻቐለን ዝገለጻ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ኢጋድ፡ "ምትእትታው ወጻኢ ነቲ ግጭት የናውሖን የጋድዶን ምህላዉ" ጠቒሰን።
እቲ "ምእትታው ወጻኢ" ብመን ዝተኻየደ ምዃኑ ግን እቲ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ኣይጠቐሰን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ’ውን ብ 8 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ምሸት ብምክትል ፕረዚደንት መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ማሊክ ዓጋር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ ከም ዘዘራረበ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ጠቀሰን ነይረን’የን።
እቲ ርክብ፡ ኣብ ጭቡጥ ህሉው ኵነታት ሱዳን ዘድሃበ፡ ንተስፋን ተኽእሎታትን ደው ምባል እቲ ግጭትን፡ ከምኡ’ውን ተራ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ እቲ ግጭት ዘተኮረ ምዃኑ ጀነራል መሊክ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ጀነራል ማሊክ ነዚ ናይ ሕጂ ርክቦም ኣመልኪቱ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ክልቲኤን ሃገራት ተዘራሪብና፤ ክኢላታት መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ርክባት ከካይዱን ተሰማሚዕና፡" ኢሉ። ብወገን ኤርትራ ግን ጉዳይ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቱ ዝተባህለ ነገር ግን የለን።
እዚ ሰለስተ ወርሒ ክገብር ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ዝተረፎ ኵናት ሱዳን፡ ጠንቂ ምፍንቓል 2.9 ሚልዮን፡ ጠንቂ ስደት ልዕሊ 700 ሽሕ ክኸውን እንከሎ ብሰንኪ እዚ ኵናት ኣማኢት ሰባት ምማቶም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







