ንክልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ድርድር ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, GOV. COMMU.
ንኽልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዘካይድኦ ድርድር ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ካይሮ ተጀሚሩ።
ወከልቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ እቲ ኣካታዒ ግድብ ዘካይዱዎ ዘተ ትማሊ ከም ዝጀመሩ ሰብ መዚ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተራኸቡ መራሕቲ እተን ሃገራት እቲ ድርድር ንምጅማር ከም ዝተሰማምዑ ይዝከር።
መራሕቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዙርያ ምምላእን መምርሒታት ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዝርርብ ገይሮም ስሩዕ ድርድር ብምጅማር ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ምርድዳእ ንክበጽሑ ጻዕሪ ንምግባር ተሰማሚዖም ነይሮም።
በዚ መሰረት፡ እቲ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝተጀመረ ስሉሳዊ ዝርርብ ኣብ ሞንጐአን ስምምዕ ንከይብጻሕ ምኽንያት ኣብ ዙርያ ዝዀኑ ምፍናው ማይን ሓፈሻዊ ስራሕትን እቲ ግድብ ብምዝርራብ ኣብ ስምምዕ ንክብጻሕ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኣብ ሞንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ንዓመታት ዝተኻየደ ድርድር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።
እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ርእሰ ከተማ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኪንሻሳ ክካየድ እንከሎ፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም ከም ዝተቛረጸ ይዝከር።
ኣብቲ ሕጂ ኣብ ካይሮ ዝተጀመረ ድርድር ሚኒስትሪ ማይ ነበር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዶክተር ስለሺ በቀለ ንተደራዳሪ ጉጅለ እታ ሃገር ይመርሕ ኣሎ።
ሚኒስትሪ መስኖን ሃብቲ ማይን ግብጺ ሃኒ ሴዊላም ብወገኑ ንተደራዳሪ ጉጅለ ግብጺ ክመርሕ እንከሎ፡ ሃገሩ ኣብ ዙርያ ምምላእ ማይን ሓፈሻዊ ሕጋዊ ስራሕን ቀያዲ ስምምዕ ክብጻሕ ድልየት ከም ዘለዋ ቤት ጽሕፈቱ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ኣምባሳደር ስለሺ፡ “ረብሓ ወለዶ ኢትዮጵያ ንምሕላው ማይ ኣባይ ምጥቃም መሰረታዊ መሰል’ዩ” ከም ዝበለ ማዕከን ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።
“ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ፍትሓውን ምኽንያታውን ተጠቃምነት ኣበርቲዓ ክትቅጽል’ያ” ብምባል እቲ ድርድር ብስምምዕ ንክዛዘም ድልየት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ሚኒስትር ግብጺ ብወገኑ፡ “ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ እንከይተበጽሐ” ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ስራሕቲ ምምላእ ማይ እቶም ቅድም ኢሉ ዝተበጽሑ መትከላዊ ስምምዓት ዝጥሕስ እዩ ብምባል “ኵሎም ወገናት በይናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ” ጸዊዑ።
እቲ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘቑጸረ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝተገብረሉን ብኸፊል ሓይሊ ምፍራይ ከም ዝጀመረን ይግለጽ።
ሱዳንን ግብጽን እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ቀረብ ማይ ኣባይ ጽልዋ ከሕድር እዩ ብምባል ክቃወምኦ ጸኒሐን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክተሳልጥ እንከላ፡ ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ከም ዝተዛረበ ይዝከር።
ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከይተቛረጸ እንከሎ ድማ፡ ምስ ክልቲአን ሃገራት ክትዘራረብ ክም እትደሊ ክትገልጽ ጸኒሓ። ግብጽን ሱዳንን ብወገነን ኣቐዲሙ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ክግበር ኣለዎ ዝብል መርገጺ ጸኒሑወን።
ኣብ ኲናት ሓድሕድ እትርከብ ሱዳን፡ ነዚ ሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ ድርድር ብዝምልከት ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ የለን፤ ብመን ከም እትውከል’ውን ኣይፍለጥን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







