ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ርክብ ሩስያ-ኣፍሪቃ እንታይ ክረብሓ ይኽእላ?

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንኣፍሪቃ ዝያዳ ተደላዪት ገይርዋ ኣሎ።
ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይናን ቱርኪን፡ ኣብ ጥሪ እዚ ዓመት ጥራይ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታተን ናብ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ልኢኸን ኣለዋ።
ምስቲ ኲናት ኣብ ዝተኣሳሰር ደገፍ ምትእኽኻብ ቀንዲ ኣጀንዳ ክኸውን እንከሎ ምድንፋዕ ንግድን ወፍሪን ድማ ተወሳኺ ዛዕባ ናይቲ ዑደት እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ ንምኹናን ንዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ 17 ሃገራት ብድምጸ-ተዓቅቦ ከምዝሓለፋኦ ይዝከር። ኢትዮጵያ እውን ካብተን ድምጺ ዘይሃባ ነይራ።
ኤርትራ ብወገና ኣብ ጐድኒ እተን ነቲ ውሳነ ዝተቓወማ ሃገራት ድምጻ ብምሃብ ከምዝወገነት ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣንፈት ኣተኵሮ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ሩስያዊት ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ተቐይሩ ነይሩ። ኣፍሪቃ’ውን ዓይኒ ዝወደቓ ኰይና ቀጺላ’ላ።
ፈረንሳ፡ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዝርከባአን ብዙሓት ሃገራት ብንቕሓት ዝተኸታተላኦ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣብታ ከተማ ተኻይዱ ነይሩ።
እዚ ካልኣይ ዋዕላ ምስቲ ቀዳማይ ክነጻጸር እንከሎ ብዝሒ ተሳተፍቲ መራሕቲ ሃገራት ነክዩ’ሎ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ንኸይሳተፉ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ጸቕጢ ከምዝተገብረሎም ሩስያ ክትኸስስ ተሰሚዓ ነይራ።
ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ሲሪል ራማፎሳ (ደቡብ ኣፍሪቃ)፡ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ (ግብጺ)፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ (ዩጋንዳ)ን ኤመርሰን ምናንጋግዋን (ዚምባብወ) ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም።
'ዝፈሸለ ፈተነ ምንጻል ሩስያ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ለንደን ዝነብር ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሸም ከምዝብሎ ዝምድና ሩስያን ኣፍሪቃን ንኽልቲአን ዘርብሕ እዩ።
ሩስያ ዘድልያ ቀረብ ጥረ ናውቲ ካብ ኣፍሪቃ እያ ትረክብ። እቲ ተንታኒ ብቐዳምነት ዝጠቕሶ ድማ ማዕድናት እዩ።
ኣብ ጀርመን ሳልሳይ ዲግሪ ዝከታተል ዘሎ ኣቶ ነገራ ጉደታ ብወገኑ ርክብ ኣፍሪቃን ሩስያን ልዕሊ 100 ዓመት ከም ዘቝጸረ ይጠቅስ።
ልዕሊ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለወን ድምጺ ዓቢ ከምዝዀነ ዝጠቅሰ ኣቡሃሸም፡ "ስለዚ [ሩስያ] ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ብእገዳታት ጸቕጢ ንኸይግበረላ ነዞም ድምጽታት ትደልዮም’ያ" ይብል።
እቲ ዋዕላ ድማ ንሩስያ "ጽቡቕ ህዝባዊ ርክብ" ክብል ይገልጾ።
እተን ኣብ ኲናት ተፀሚደን ዘለዋ ሩስያን ዩክረይንን ካብተን ኣብ ዓለም ቀንዲ ኣፍረይቲ ስርናይ ዝዀና ሃገራት ይስርዓ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ተፀበይቲ ስርናይ እየን። ከምዚ ዓይነት ዝምድና ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝሕግዘን እቲ ተንታኒ ይዛረብ።
ሩስያ ንገለ ሃገራት ብነጻ ስርናይ ክትህብ ዝወሰነትሉ ምኽንያት ካብዚ ዝነቅል ከምዝኾነ ግምቱ ብምሃብ፡ ካልኦት ሃገራት ድማ ነቲ ስርናይ ብትሑት ዋጋ ዝረኽባሉ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል ይዛረብ።
ወሲኹ፡ "ኣብ ዓውዲ ሕርሻ'ውን ክተሓባበራ ይኽእላ እየን” ይብል።
ርክብ ሩስያን ኣፍሪቃን ምስ ዓለምለኻዊ ጉዳያት እናተጸለወ ዝውዕይን ዝዝሕልን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ነገራ፡ “ሩስያ ሓገዝን ኣጽዋርን ክትህብ ከላ ቅድመ ኩነት ስለዘይተቐምጥ ካብ ምዕራባውያን ብዝሓሸ ተመራጺት ክትከውን ኣኽኢልዋ” ክብል የረድእ።
ኣብ መንጐ እዚ ኵሉ ወጥሪታት ዝተኻየደ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ብፍላይ ድማ ንፑቲን ንምንጻል ዝገበርዎ ጻዕሪ ከም ዝፈሸለ ዘርኢ ምዃነ’ዩ ኣቡሃሽም ዝዛረብ።
ካብ ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያንን ጸቕጢ ክህሉ ከምዝኽእል ግምት ከምዝነበሮ ብምግላጽ፡ "ዝዓገቶም ነገር ዘሎ ግን ኣይመስለንን። እዚ [ንምዕራባውያን] ውሱን ውድቀት ክኸውን ከሎ ንሩስያ ድማ ዲፕሎማስያውን ናይ ህዝባዊ ርክብን ዓወት'ዩ" ኢሉ።
ኣስዒቡ "ካብዚ ዝሰግር ብዙሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይመስለንን" ክብል ነቲ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ጸቕጢ ይገልጽ።
ተረባሕነት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ኣብቲ ዋዕላ 17 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ከምዝተረኸቡ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዋዕላ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይነበረን” ዝብል ኣቶ ነገራ ብወገኑ ኣብቲ ናይ 2019 ፈላማይ ዋዕላ ልዕሊ 43 መራሕቲ ተሳቲፎም ምንባሮም የዘኻኽር።
"ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣፍሪቃ እቶም ሓያላት ዝመቓቕልዋን ንረብሓኦም ዝጥቀሙላን ኣህጉር እያ" ዝብል ተንታኒ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቡሃሽም ብፍላይ ሃገራት ሩስያ፡ ቻይና፡ ኣሜሪካን ካልኦትን ረብሓታቶም ንምሕላው ዝረባረቡላ ኣህጉር ምዃና ይገልጽ።
“ጽልዋ ንምፍጣር ዘይገብርዎ ነገር የለን። ኣኼባታት ብምክያድ፡ ሓገዝ ብምሃብ፡ ልቓሕ ብምሃብን ብኻልኦት መገድታትን ንመብዛሕቲአን ክስሕብወን ይጽዕሩ፤ እዚ ድማ ክቕጽል እዩ" ይብል።
ሩስያ ብወግዓዊ መንገዲ ጥራይ ዘይኰነስ ብዘይወግዓዊ መንገዲ እውን ከም እትንቀሳቐስ ብምግላጽ፡ ቫግነር ዝተባህሉ ዕሱባት ተዋጋእቲ ብምጥቃም ኣብ ኣፍሪቃ “ወተሃደራውን ኣብ ምውጻእ ማዕድናትን ተሳትፎ ከምዘለዋ" ሓቢሩ’ሎ።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣፍሪቃ ምስ ሩስያ ካብ ዘለዋ ርክብ ክሳብ ክንደይ ትርባሕ ዝብል ንመራሕትን ህዝብታትን እታ ኣህጉር ዝግደብ ጉዳይ ምዃኑ ይገልጽ።
ይዅን እምበር ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ዓብላሊትን ጸላዊትን ሃገር ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ እዋን ግን ኣማራጺ ተፈጢሩ ብምህላዉ “ብሓደ ወገን ምቹእ ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል።
እተን ሃገራት ግን "ነዚ ዕድል ክሳብ ክንደይ ክጥቀማሉ እየን?" ዝብል ሕቶ ግን የልዕል።
'ዩክረይን ንመስዋእቲ ዝቐረበት’ያ'
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓለምለኻዊ መድረኻት ካብ ዝፍለ ብዙሕ ዓመታት ኰይንዎ እዩ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ክሲታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብታ ሃገር እገዳታትን ተነቢሩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምኡ’ውን ሩስያን ቻይናን ዝገበሮ ምብጻሕ ግን እቲ ፕረዚደንት ብፍላይ ምስ ሩስያን ቻይናን ጽቡቕ ዝምድና ይምስርት ከምዘሎ ዘርእይ ምዃኑ ተንታኒ ኣቡሃሽም የረድእ።
ኵነታት ዓለም ይቀያየር ምህላዉ ብምግንዛብ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ዝምድና ንምድልዳል ድሌት ዝሓደሮ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ዝተሳተፈሉ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንሞስኮ ብምንኣድ ንምዕራባውያን ሃገራት ኣምሪሩ ክነቅፍ ተሰሚዑ’ሎ።
ኢሳይያስ ምስ ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ "ንዓይ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ዝበሃል የለን። እዚ ኔቶ ኣንጻር ሩስያ ዝኣወጆ ኲናት እዩ። ንዓለም ንምዕብላል ዝተወልዐ ኲናት እዩ" ኢሉ።
ምዕራባውያን ንዘመናት ክጽዕሩ እኳ እንተጸንሑ፡ ንሩስያ ግን "ፈጺሞም ክቈጻጸርዋ ከምዘይክኣሉ" ብምሕባር ድማ ንዩክረይን "ንመስዋእቲ ዝቐረበት" ክብል ገሊጽዋ።
እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ "...ሩስያ ብተደጋጋሚ ዒላማ ስለዝዀነት ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ዓለማዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ምምራሕ እጃማ ክትፍጽም ይግባእ። ሩስያ ንዅሉ ወኪላ እጃማ ክትፍጽም ታሪኻዊ ተልእኾ ኣለዋ። ነዚ ክመርሖ ዝኽእል ድማ ፑቲን እዩ" ኢሉ።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ሩስያ ብነጻ ስርናይ ዝቕበላ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
እታ ሃገር ምስ ምዕራባውያን ዝነበራ ርክብ ከምዝወረደ ዝዛረብ ኣቶ ነገራ፡ እዚ ድማ ኣስመራ ምስተን ጸረ-ምዕራባውያን መርገጺ ዘለወን ሃገራት ምሕዝነት ክትምስርት ከም ዘገደዳ ይጠቅስ።
ሩስያን ኤርትራን ብስፍሓት፡ ብቍጠባን ብዝሒ ህዝብን ዝተፈላለያ'ኳ እንተዀና ናይ ሓባር ጸላኢ ስለዘለወን ዝምድናአን ስትራተጂያዊ ዘይኮነስ ታክቲካዊ ምዃኑ እዩ እቲ ምሁር ዝገልጽ።
ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትምስርቶ ንእትደሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኤርትራ ከም እትምረጻ ዝዛረብ እቲ ምሁር እዚ ድማ ንኤርትራ ኣታዊን ኣጽዋርን ንክትረክብ ከም ዘኽእላ ይኣምን።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ‘ቬቶ ፓወር’ (ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስርዓር መሰል - ቀውፊ) ዘለዋ ሩስያ "ኣንጻር ኤርትራ ንዝውሰዱ ስጕምትታት ኣብ ምክልኻል ትሕግዛ” ይብል።
እዚ ኵሉ ኰይኑ ግን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት "ሚዛናዊ ኣይኰነን" ዝብል ገምጋም ኣለዎ።
‘መን ከም ዝዕወት ኣይፍለጥን. . .’
ሩስያ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ካብ እትጅምር 125 ዓመታት ተቘጺሮም ኣለዉ።
ንግዳዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምዕባይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ንግዲ ከምዝተኸፈተ ቭላድሚር ፑቲን ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ድሕንነት ሓበሬታ፡ ሓበሬታን ቴክኖሎጅን፡ ኒዩክለራዊ ሓይሊን መጓዓዝያ ኣየርን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ’ውን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ኣብ ሩስያ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዝረኸቡ ዘዘኻኸረ እቲ ፕረዚደንት ሃገሩ በብዓመቱ እትቕበሎም ተምሃሮ ብዝሖም ብሰለስተ ዕፅፊ ከምእተዕብይ’ውን ገሊፁ።
ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያውን ባህላውን ርክብ ዝጠቐሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ኣብቲ ዋዕላ ምርኻቦም ድማ ንዝምድናአን ከም ዘጠናኽር ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣብ ቴክኖሎጂ፡ ድሕነት ሳይበር፡ ቍጠባን ንግድን ሓዊሱ ኣብ ምስፍሕፋሕ ንግድን ቱሪዝምን ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GHEBREMESKEL
ምስ ኤርትራ ብምንጽጻር፡ ርክብ ኢትዮጵያን ሩስያን ዓብይ ምዃኑ ዝሕብር ኣይተ ነገራ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምዃና ብመንጽር ዲፕሎማሲ ንሩስያ እትህቦ ረብሓ ደገፍ ሰፊሕ እዩ ይብል።
መብዛሕትኡ ኣጽዋር ኢትዮጵያ ናይ ሩስያ ምዃኑን እዛ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ትምስርቶ ንዘላ ሓይሊ ባሕሪ ካብ ሞስኮ ደገፍ ትረክብ ከምዘላን እቲ ምሁር ይጠቅስ።
ኣብቲ ፈላማይ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ሩስያ ኢትዮጵያ ብሞስኮ ዕዳ ዝተሰረዘላ ኰይኑ፡ ብተደጋጋሚ’ውን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣና ተጠቒማ ኣብ ጎድሚ ኢትዮጵያ ደው ምባላ ይዝከር።
ኣቶ ነገራ ስክፍታታት ኣለዎ። ምዕራባውያንን ሩስያን ንኢትዮጵያ ምድላዮም ብምጥቃስ "ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣትያ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ክትወድቕ ትኽእል እያ" ይብል።
"ዋላ'ኳ ጽልዋ ኣሜሪካ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ እንተተባህለ ከም ባንኪ ዓለም ዝኣመሰላ ትካላት ግን ብዋሽንግተን ስለዝዝወራ ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ዘይወገነ ማእከላይ መንገዲ ክትኽተል ይሓይሽ" ኢሉ።
ስርዓት ደርግ ምስ ሕብረት ሶቭየት ነበር ብምውጋኑ እቲ ሕብረት ኣብ ዝተበታተነሉ እዋን ድማ "ሓቢሩ ከምዝወደቐ” ብምዝኽኻር፡ “መን ከም ዝዕወት ስለዘይፍለጥ ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ወገን ጥራሕ ክተዛዙ እንተመሪፃ ታሪኽ ስርዓት ክደግም ይኽእል'ዩ" ክብል ስግኣቱ ኣቐሚጡ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምግታእ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን
ሃገራት ኣፍሪቃ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ደው ንኽብል ኣደራደርቲ ኰይነን ተደጋጋሚ ፈቲነ'ኳ እንተገበራ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይሰመረለንን። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቡሃሽም ከምዝብሎ ድማ እዚ ጻዕሪ ኣብ መጻኢ’ውን ዝዕወት ኣይኰነን።
ኣላዛቢ መንጐኛ ንምዃን ካብ ክልቲኡ ወገን ተቐባልነት ምርካብ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ብምሕባር "ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ከምኡ ኣይኮናን። እቲ ኲናት እውን ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ይበሃል እምበር ኣብ መንጐ ምዕራባውያንን ሩስያን እዩ” ክብል ይረድእ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ጸገም ክፈትሓ እንተሓሲበን ንሩስያ ከምአ’ውን ንኣሜሪካን ምዕራባውያን ደገፍታን ዘሳትፍ ድርድር ከምዘድሊ ይሕብር።
ቱርኪ ነቲ ኲናት ብድርድር ከተብቅዕ ኣብ ምግባር ካብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዋ ብምግላጽ ድማ ግን ከኣ "ኲናት ክዛዘም ኣብ ምግባር ዘይኰነስ ኣብ ንግዲ ስርናይ እያ ዕዉትቲ ኰይና ዘላ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







