ሩስያ ንኤርትራ ብናጻ ስርናይ ክትህባ ምዃና ፕረዚደንት ፑቲን ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, MFA-Russia
ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘአንግድ ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ብናጻ ስርናይ፡ ስገምን ዕፉንን ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያን-ኣፍሪቃን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ነቲ እኽሊ ክርከብኦ ምዃነን'ውን ፑቲን ጠቒሱ።
"ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘየቋርጽ ቀረብ መግቢ ኣድላዪነቱ ይርድኣና እዩ። ንማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ርግኣት ንምዕቃብን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
"ስለዚ ንኣፍሪቃውያን መሓዙትና ስርናይ: ስገምን ዕፉንን ካልኦት ኣእኻልን ከምሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ፡ ከምቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ሕጂ’ውን ፍሉይ ቆላሕታ ክንገብረሉ ኢና።
ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ንዓለማዊ ቀረብ ስርናይ ስለዘተዓናቐፎ፡ ከቢድ ቅልውላው መግቢ ከየጋጥም ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።
ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረት ስርናይ ዩክረይን ናብ ዓለም ክወጽእ ዝገብር ዓለምለኻዊ ስምምዕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብምስሓባን ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ ቀረብ እኽሊ ዩክረይን ደብዳብ ተካይድ ስለዘላን ግን እቲ ጸገም ቀረብ እኽሊ ደጊሱ'ሎ።
ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘድልየን ቀረብ እኽሊ፡ ብፍላይ ስርናይ ካብ ዩክረይን'ዩ ዝመጽእ ነይሩ።
ብሰንኩ'ውን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብታ ኣህጉር ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ፡ ናይ ሰላም ተበግሶ ብምውሳድ ምስ ክልቲኦም ወገናት ተላዚበን ነይረን።
“ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምድላዋትና ብምጽፋፍ ንቡርኪና ፋሶ፡ ዚምባብወ፡ ማሊ፡ ሶማልያ፡ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ኤርትራን ካብ 25-50 ሽሕ ቶን እኽሊ ብናጻ ክነቕርብ ኢና። ናብቶም ተጠቀምቲ ድማ ብናጻ ክነብጽሖ ኢና" ክብል'ዩ ፑቲን ተመባጺዑ ዘሎ።
እቲ ርእሰ-ምርኮሳ ዝብል መትከል ከምዝኽተል ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ሰብኣዊ ረዲኤት ተሓሲሙ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብዛዕባ ልግሲ ሩስያ ዛጊት ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን።
ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ጸግዒ ሩስያ ዝወሰደት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ዋላ'ኳ እቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ኣለዎ ትብል እንተኾነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ንሩስያ ዝኹንን ውሳነ ዝተቓወመት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገርን ሓንቲ ካብ ሰለስተ ሃገራት ዓለምን'ያ ነይራ። ቤላሩስን ሰሜን ኮርያን'ውን ጸግዒ ሩስያ ዝወሰዳ ምንባረን ይዝከር።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ውሳነ ደጊፈን ከድምጻ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ እትርከበን ካልኦት ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ክገብራ ወሲነን።
ኣብቲ ዋዕላ ንመጀመርታኡ ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ሩስያ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘይርትዓዊ ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ ብምባል ዝምጉት ኢሳይያስ፡ ንሩስያ ዘለዎ ምሉእ ደገፍ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, MFA Russia/twitter
ሄሊኮፕተር ዝተለገሰሉ መራሒ ዚምባብወ
ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ መራሒ ዚምባብወ'ውን ኣብ ርእሲ'ቲ ንሃገሩ ቃል ዝተኣትወላ ስርናይን ዕፉንን ካልእ ህያብ ክቕበል ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ዜና ዚምባብወ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ብላድሚር ፑቲን ናይ ዚምባብወ መዘናኡ ኤመርሰን ምናጋግዋ ሄሊኮፕተር ከምዝሃቦ ሓቢሩ።
እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ዝቐረባ እዋን ናብታ ሃገር ክትልኣኽ ምዃና'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ዚምባብወ ቅድሚ ናጽነታ ምርካባ ጀሚራ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና'ዩ ጸኒሑዋ።
ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ግን ዘይሻራዊ መርገጺ ካብ ዝወሰዳ ሃገራት ኣፍሪቃያ።
መጠንቀቕታ ሕብረት ኣውሮጳ
ሕብረት ኣውሮጳ ንመብጽዓ ሩስያ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ፑቲን ከደናግረን ኢሉ ዝሃቦ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ኣፈኛ ናይቲ ሕብረት ናቢላ ማስራሊ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሩስያ ዝኣተወቶ ቃል ከተኽብር ዘሎ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ተዛሪባ።
ፑቲን ኣብ መደርኡ "ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ" ከይፍጠር ክጽዕር ምዃኑ'ዩ መዲሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ባጀታዊ፡ ልምዓታውን ሰብኣዊን ሓገዛት ከምዝህብ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







